(ስቶክሆልም–28 ጥቅምቲ 2019) ብኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሃገር ሽወደን ተመዝጊቡ᎓ ንኣብ ስደት ዝምዕብል ዘሎ ገስጋስ ስነ-ጽሑፍ ድርኺት ንምዃን ንጥፈታቱ ዝጅምር ዘሎ ኣሕታሚ እምኩሉ ዝተሓትማ ኣርባዕተ መጽሓፍቲ ብቐዳም ዕለት 26 ጥቅምቲ ኣብ ዘምሰየ ጽንብል ናብ ኣንባብቲ ተዘርጊሐን ። ኣብቲ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቤት መግቢን መስተን ባህሊና–ስቶክሆልም–ዝተኻየደ ናይ መመረቕታ ጽንብል ናብ ኣንበብቲ ዝበጽሓ መጽሓፍቲ ፍቕሪ ወይ ኸኣ ሞት እኩብ ግጥምታት ብሃይለ ቢዘን፣ ኣለኹ እኩብ ግጥምታት ይርጋኣለም ፍስሃ፣ ዝጠመመ መትሎ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተኣከበ ሓጸርቲ-ዛንታታት ሽሻይ ገብረሃንስን ንጉስ ገበን ዝኣርእስታ ጥርኑፍ ሓጸርቲ-ዛንታታት ደንደን ሰሎሞንን’የን ነይረን።
ኣብቲ ገዳይም ኤርትራውያን ጸሓፍቲን ተመራመርቲን ቋንቋ᎓ ጋዜጠኛታት ኣብ ስደት ዝርከባ መርኸቢ-ብዙሃን ኤርትራ (ከም ረድዮ ኤረና)፣ ካብ ዝተፈለላያ ሃገራት ኤውሮጳ ዝተኣኻኸቡ ስነ-ጠበበኛታትን ግዱሳት ኣንበብቲን ዝተረኸቡሉ ኣዝዩ ውዕዉዕ ምሸት᎓ ብመራሕ-መደብ ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል’ዩ ተኸፊቱ። ኣቐዲሙ ብመገዲ ኣሕታሚ እምኩሉ እንቶሽ እትብል መጽሓፍ ግጥምታት ዝዘርግሐ ቀሺ ዮናስ (“ኣታ” መዓርግ ንምዝንጣል ዘይኰነስ ንኣኽብሮት ስነ-ጥበበኛ)፣ “እምኩሉ ብግእዝ ‘ካብ ኵሉ’ ማለት’ውን ስለ ዝዀነ᎓” ንሸውሃት ኵሉ ኣንባቢ ከዕግብ ዝኽእል ስራሓት ከቕርብ ተስፋኡ ገሊጹን ንዕዱማት “እንቋዕ ደሓን መጽእኩም” ኢሉን። ቀጺሉ መስራቲን ዋና ኣካይዲን ስራሕ እቲ ኣሕታሚ ቴድሮስ ኣብርሃም᎓ ኣሕጺሩ᎓ ንኣገዳስነትን ብድሆታትን ኣብ ስደት ዝቐውም ዘሎ ኣሕታሚ፣ ንርሑቕ ኣመታትን ሸቶታትን እቲ ትካልን ገሊጹ።
እቲ መደብ ናብ ገምጋም’ተን ዝዝርጋሓ ዝነበራ መጽሓፍቲ’ዩ ቀጺሉ። ፈለማ ንጉስ ገበን ንዝተሰምየት መጽሓፍ ደንደን ሰሎሞን ገምጋሙ ዘቕረበ ኣኸድር ኣሕመዲን’ዩ። እቲ ኣብ ዛንታታት’ታ መጽሓፍ ብምምርኳስ እንኮላይ ክልስ-ሓሳባዊ ትንታነ ሓጺር-ዛንታ’ውን ዘቐረበ ገምጋም᎓ ንናብራ ከርተት ኤርትራ ዝትንክፍ ሓያሎ ጽቡቕ ዛንታታት ሓዚላ ከም ዘላ ገምጊሙ። ኣብ ሃገረ ዩጋንዳ ዝርከብ ደራሲ ደንደን᎓ ብሰንኪ ዘጋጠሞ መሰናኽል መራኸቢታት መልእኽቱ ክሰድድ ኣይበቕዐን።
ኣብ ዝሰዓበ መደብ᎓ ፍቕሪ ወይ ኸኣ ሞት ንእትብል እኩብ ግጥምታት ሃይለ ቢዘን ገምጋም ዘቕረበት ፍትሒ ዓንዶም (ዝተቐርጸ ቪድዮ) ካብ ኣመሪካ’ያ። ደራሲ’ውን (ብምኽንያት ጥዕና) ኣብቲ ኣጋጣሚ ክርከብ ስለ ዘይከኣለ᎓ ካብታ መጽሓፍ ዝመረጾ ግጥምታት ንዘንባቦ (ብድምጺ) ተሰሚዑ።
“እቲ መጽሓፍቲን ብቐንዱ ድማ በቲ ኣሕታሚ ዝወጻ መጽሓፍቲ ተመሳሳሊን ብቐሊሉ ተለላዪ ሕብሪን ገበርን ክህሉወን᎓” ከም ዝሰርሐ ዝሓበረ ንሰለስተ ካብተን መጽሓፍቲ ቅብኣ ገበር ዝሰርሐ ኣርቲስት ኤርሚያስ ዑቕበ’ዩ። ኤርሚያስ ኣብ ዘረባኡ᎓ ብሕልፊ ኣብታ ዝጠመመ መትሎ እትብል መጽሓፍን ገበራን ዘሎ ቅብኣ᎓ ንኣንባቢ ካብቲ ዝለመዶ ዓንኬል ብመጠኑ ንምንቕናቕ ዝዓለመ ምንባሩ ጠቒሱ።
ነታ መጽሓፍ ንምግምጋምን ቃል ደራሲ ንምስማዕ፣ ብድሕሪኡ ድማ ዝተመርጸ ሓጺር ጽሑፍ ንምንባብ ናብ መድረኽ ስዒቦም ብተኸታትሊ ዝደየቡ ኣብርሃም ተስፋልኡልን ሽሻይ ገብረሃንስ’ዮም ነይሮም።
ናይ መወዳእታ መደብ ምልላይ’ተን ሓደስቲ መጽሓፍቲ ድማ ኣለኹ ንእትብል እኩብ ግጥምታት ይርጋኣለም ፍስሃ’ዩ ነይሩ። ገምጋሙ ዘቐረበ ኢሳያስ በየነ ካብ ዩጋንዳ ክኸውን ከሎ᎓ ንሓጺር ሰላምታ ምስ ተሳተፍቲ ብመገዲ ስካይፕ ድሕሪ ምርኻቡ᎓ ንጽሑፉ ኣብ መድረኽ ዘንበበ ገጣሚ ዓወት ፍስሃየ ካብ ዓዲ-እንግሊዝ’ዩ ነይሩ። “ጽሑፍ ዘቕረበ ዘኽብሮ ዓርከይ እሞ ከኣ ንመጽሓፍ ዘፍቅራ ገጣሚትን መጓዕዝተይን ይርጋኣለም ፍስሃ ብምዃና ድርብ ጽንብል’ዩ᎓” ዝበለ ዓወት ድማ ነቲ ንዕምቈትን መቕረትን ግጥምታት ይርጋኣለም ዝዳህሰሰ ጽሑፍ ኣንቢቡ። ቀጺላ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመታት ማእሰርቲ ከይጐደመት ጥራይ ዘይኰነስ ኣመና ሓዪላን ተሪራን ዝወጸት ገጣሚት ይርጋኣለም ፍስሃ ብኣዝዩ ድሙቕ ጣቕዒት ተሰንያ ናብ መድረኽ ደዪባ። ኣብ ህይወታን በበይኑ ፈታኒ መደረኻት ንዝሓገዙዋ ውልቀ-ሰባት ድሕሪ ምምስጋን ድማ፣ ኣቐዲማ ኣብ ኣሃዱ ሳንሱር ሚኒስትሪ ዜና–ቅድሚ ምኣሳራ–ዝተሓንቀት እኩብ ግጥምታትን ኣብ ማእሰርቲን ድሕሪኡን ዝተገጥመን ክልተ መጽሓፍቲ ክትገብር ሓሲባ እኳ እንተ ነበረት᎓ “ትሕቲ ትጽቢት ኣንበብቲ ከይከውን” ስለ ዝተሰከፈት ኣብ ሓንቲ ከተጠቓልሎ ከም ዝወሰነት ሓቢራ። ንዝተፈላለየ መድረኻት ግጥማዊ ጕዕዞኣ ይውክሉ ዝበለቶም ግጥምታት ድማ ኣንቢባ።
እቲ ኣጋጣሚ ብምፍራም ደረስቲን ንዕዱማት ዝቐረበ ጠዓሞትን ተዛዚሙ።
እዘን ቀዳም 26 ጥቅምቲ ዝተመረቓ መጽሓፍቲ ካልኣይ እብረ ኣሕታሚ እምኩሉ ምዃነን’የን። እዚ ትካል ኣቐዲሙ’ውን ናብ ኣንባቢ ዝዘርግሐን እንቶሽ ብቐሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል፣ ባህጊ ብተስፋጊዮርጊስ ሃብተ ከምኡ’ውን ኢትዮጵያ፤ ካበይ ናበይ? (ብመሓመድ ሓሰንን ግሬጓር ላልየንን ተጻሒፋ ብሩት ስምኦን ዝተተርጐመት) መጽሓፍቲ ከም ዝዝርግሐ ይፍለጥ።
ሰለስተ ካብዞም መጽሓፍቶም ዘመረቑን ብቐንዱ ድማ ኣካይዲ ስራሕ ኣሕታሚ እምኩሉን ኣባላቲን ፈጸምቲን ፐን ኤርትራ ምዃኖም’ዮም።
ነዘን መጽሓፍቲ ንምግዛእ ኣብዚ መላግቦ ምውካስ ይከኣል።