ናብ ዝተናፈቕኪ ይርጋኣለም … ይርጋኣለም እታ መንእሰይ ዝነበረት ኣነ

No comments

ይርጋኣለም ፍስሃ*

 

ይርጋኣለም፤ ካብ 14-16 ጥቅምቲ 2022 ኣብ ከተማ በርሊን-ጀርመን፤  Archaeology Of  Loss ብዝብል ስያመ ዝፍለጥ ፈስቲቫል ስነጽሑፍ፥ ተዓዲማን ተሳቲፋን ነይራ። ትጽቢት ናይቲ ዝተኻየደ  ስነጽሑፋዊ ፈስቲቫል፡ ጸሓፍቲ፥ ኣብ ሕሉፎም ከም ውሁብ ዝወስድዎ ዝነበሩ፥ ኣብ ህሉው ህይወቶም ግን ዝበዀረ፡ ዝተኸስረ፡ ፈጺሙ’ውን ዝተቐብጸ ዝተፈላለየ ግኡዝ ኰነ ስምዒት ኣድሂቦም ክጽሕፉ ምትብባዕ እዩ። በዚ ምኽንያት፡ እዛ ናይ ሎሚ ይርጋኣለም፡ ናብታ ቅድሚ ዕስራን ልዕሊኡን ዓመታት እትፈልጣ መንእሰይ-ነብሳ ዝጸሓፈታን ኣብቲ እተጠቕሰ ፈስቲቫል’ውን ብቛንቋ ጀርመን ተተርጒማ ዝቐረበትን ደብዳበ እነሀት። 
__________________________________________________________________________

 

ነሓሰ 2022

ናብ ዝተናፈቕኪ ይርጋኣለም … ይርጋኣለም፤  እታ መንእሰይ ዝነበረት ኣነ

ነዛ ክጽሕፈልኪ ዝነቐልኩ ደብዳበ፡ ንምጅማር የዕገሽግሽ’የ ዘለኹ። ምጅማር ደብዳበ ክንድዚ ዝኸብድ ድዩ ግን…፧!

ተማሃሪት 11 ክፍሊ ከለኺ ዝተሳኣልክያ ስእሊ ኣብዚ ቅድመይ ኣላ። ምጽሓፍ ቅድሚ ምጅማረይ ምስኣ ከዕልል ከም ዘለኒ ተሰሚዑኒ። ዳርጋ 22 ዓመታት ኣብ መንጎና ኣሎ። ሽዑን ቅድሚኡን ኣብ ዝነበረ ግዜ ዝነበረኪ ግንዛበን ኣጠማምታን ክፍትሾ ፈቲነ። ከም መንእሰይ እንታይ ኢኺ ትሓስቢ ነይርኪ፧ እንታይ ትብህጊ እንታይከ ይብርሃኪ ነይሩ…፧ ምስቲ ከይገበርክዎ ዝተረፍኩን ገና ክገብሮ ዝሕልንን እናኣዛመድኩ ከቋርኖ ወይ ክፍትጎ ደልየ’ለኹ። እዛ፡ ናይ ሎሚ ኣነ፡ ኣብ ሓሳብኪ ማለት ኣብ ስእሊ ርሑቕ መጻኢኺ ነይራ እንተኾይና’ውን።

ሓሳብኪ ኣብ ምግላጽ ሰጋእ ዘይትብሊ መንእሰይ ነይርኪ። 1999 ኣብቲ ዝዓበኽሉ ከተማ፡ ናይ ዝተኻየደ ዋዕላ መንእሰያት ጭርሖ (ቴማ)፡ “ቦታ ሃበኒ፡ መጻእየይ ከውሕስ” ዝብል ክኸውን ዝገበርኩም፡ ኣካየድቲ ናይቲ ዋዕላ መንእሰያት ካብ ዝነበሩ ሓደ መዘናኽን ንስኽን ኢኹም ነይርኩም። ወትሩ፡ እንታይ ዝብል ሓሳብን ስግኣትን ዘንቀሎ ሕቶ’ኮን ነይሩ ይኸውን ኢለ እሓስብ። ንመንከ ኢኹም ትሓትዎ ዝነበርኩም፧ ነቲ መንግስቲ ወይስ ነቲ ሕብረተሰብ፧ “ምላሽ ናይ ሕቶኹምከ እንታይ ነበረ፧” ክብለኪ ኣይክእልን’የ። እቲ ዝሰዓበ ግዜ ንሕቶ መንእሰይን ሓድሽ ወለዶን ብኸመይ ከም ዝመለሶ ብዓይነይ ርእየዮ’የ። ብግብሪ’ውን ተመኲረዮ’የ።

እታ ኣብ ሓሳበይ ዘላ መንእሰይ ይርጋኣለም ግን፡ ዕድሚኣ ዝጠልቦ ህይወት ከም ዝነበረቶ ስለ ዝሓስብ ተቕንኣኒ። ኣብ ምጥርናፋት መዛኑ፡ ማሕበር መንእሰያት፡ ክለብ ድራማ፡ ስነጽሑፍ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ… ኣብ ኩሉ ነጢፋ ክትዕወት ከም ትኽእል ትሓስብ ምንባራ ይገርመኒ። ዘይክሓድ ከኣ ንኹሉ ዝኣክል ወኒ ነይሩዋ’ዩ።

ድሕሪኡ ኣብ ዝሰዓበ ዓመታት’ባ ናበይ ኢኺ ኬድኪ፧ ናበይ ናብ ዝኸደት፡ ወይ ኣበይ ናብ ዘላ ሰብ’የ ዝጽሕፍ ዘለኹ ዝብል ሓሳብ መጺኡኒ። መልሲ ግን ኣይረኸብኩን። ሓንቲ ነገር ግዳ ርግጸኛ’የ። ኣመና’የ ዝናፍቐኪ። እቐንኣልኪ’ውን’የ። ኣዝዩ ብዙሕ ኣብ ሕጂ ኰይነ ክናፍቖ ዝኽእል ነገራት ነይሩኪ። ብዙሕ ሕጂ ክገብሮ ዘይክእል ንምግባር ትብዓት ነይሩኪ። ሽዑ፡ ዝመሰለኪ ንምባልን፡ ቅኑዕ’ዩ ዝበልክዮ ንምትግባርን ዝዓግተኪ ኣይነበረን። እንተነበረ’ውን ከባኹረኪ ዓቕሚ ኣይነበሮን።

እምብኣር፡ እቲ ኣብ መንጎ ኣብዛ ስእሊ ዘሎ ዕድመኺን ዕድመይን ዘሎ ዓመታት ምጥቃስ ዝደለኹ፡ ‘ብዕድመስ ጓለይ ኢኺ ትኾኒ’ ወይ ‘እወልደኪ’የ’ ንኽብለኪ መርትዖ ክኾነኒ ብምሕሳብ’የ።

ደብዳቤ ክጽሕፈልኪ ምስ ነቐልኩ፡ ‘ብህይወት ናብ ዘላ ድየ ወይ ናብ ዘየላ’የ ክጽሕፍ፧’ ዝብል ምጉት መዓልታት ወሲዱለይ። ብህይወት ናብ ዘላ ሰብ’የ ክጽሕፍ” ኢለ ከይድምድም፡ ‘ኣበይ ዘላ፧’ ዝብል ሕቶ ክትል ኢሉኒ። እምብኣር ደጊምና ክንራኸብ ኢና ክብለኪ ንዘይክእል፡ ብህይወት ኣለኺ ኢለ ክሓስብ ኣይክእልንየ። “ብህይወት የለኽን” ክብል’ውን ኣይደልን’የ። ኣብ ሞንጎ ምህላውን ዘይምህላውን ቦታ ኣሎ እንተ ኾይኑ፡ ኣብኡ ኣለኺ!

እዛ ድሮ 22 ዓመታት ዕድመ ዘለዋ ስእልኺ፡ ናይ ቅድሚኡን ድሕሪኡን ዓመታት እትብርብሮ ብዙሕ ዝኽሪታት ኣሎ። እቲ ምስ መዛኑኺ ደቂ ተባዕትዮ ኮንኪ ኣብ መድረኻት ስነ ጽሑፍ ትብሃሃልሉ ዝነበርኪ ግዜ ዘይሃስስ ዝኽሪ’ዩ ዘለዎ። ኣብ ሃገር ምሉእ ናይ ዝዓንበበ ክለባት ስነጽሑፍ ብኣብነት እትጥቀሱ መንእሰያት ኢኹም ነይርኩም። ነዚ መድረኽዚ ቀዲሙ ዝተቐጀለኒ ግን፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ኣብ ዝነበረ ‘ዶባዊ ግርጭት’ ዝነበረኪ ርድኢት’ዩ። ናይ ሽዑ ረስንኺ ንእስነትን ግርህናን ተደሚሩ ዝቐረጾ ስነልቦና ኰይኑ ይርኣየኒ።

ብዙሓት ተመሃሮ ኣብ ምእላይ እቶም ካብ ዓውደ ኲናት ተወጊኦም ዝመጹ ዝነበሩ ወተሃደራት ተዋፊርኩም ነይርኩም። ንውጉኣት ደም ብምልጋስኪ ፈጢሩልኪ ዝነበረ ሓበን ምስ ረስኑ ይርኣየኒ። ኪኖ ተራ ምልጋስ ደም ኣዕቢኺ ኢኺ ትሓስብዮ ዝነበርኪ። እቲ ዝለገስክዮ ደም ህይወት ኣድሒኑ ድዩ ኣየድሓነን ከየረጋገጽኪ፡ ክትልግሲ ብምኽኣልኪ ጥራይ ኣመና ሕጉስቲ ነይርኪ።

ድሕሪ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተቐጥቀጥኩ፡ ሓካይም ደም ከም ዘድልየኒ ሓቢሮም። ሽዑ፡ ከምቲ ናተይ ዓይነት ደም ዘለዎ ለጋሳይ ስለ ዘይተረኽበ፡ ኣብቲ ተኣሲረሉ ዝነበርኩ ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርትን ዝተዓቘብኩሉ ሆስፒታልን ወጥሪ ተፈጢሩ ነይሩ። ድሒረ፡ ዓይነት ደሞም ምስ ናተይ ዝመሳሰል እንተኾነ፡ ልክዕ ብዘይምንጋር ደም ካብ ምልጋስ ዝሃደሙ ሰባት ምንባሮም ምስ ሰማዕኩ ዘኪረኪ። ዘኪረኪ ጥራይ’ውን ኣይኮንኩን። ካብ ብዓይነት ደም ምሕሳብ ናብ ብዓይነት ሰባት ምግራም ሰጊረ’የ። ብዛዕባ’ቶም ክትሕግዝዮምን ከተድሕንዮምን ዝጎየኺ ውጉኣት ኲናትን፡ እታ ብናይ ቤት ማእሰርቲ ጎነጻዊ መርመራ (ማህረምቲ) ዝተወጽዐት ኣነን…. እናሓሰብኩ ብዙሕ ኣስተንቲነ’የ። እቲ ዘሕዝን፡ እዚ ኩሉ ዓመታት ናይ ስቓይናን ከርተትናን ዓመታት’ዩ ነይሩ። ክሳብ እዚ ደብዳቤይ ዝጽሕፈልኪ ዘለኹ ግዜ ከኣ ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ካብቲ ዓዘቕቲ ዘይምውጽኡ ኣመና የጉህየኒ።

ኣብቲ እዋን ዝነበረ ስምዒት ውዕዉዕ’ዩ ዝነበረ’ሞ፡ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ፡ ኮለጃትን 2ይ ደረጃን ብኣካል ናብ ቅድመ ግንባር ክትከቱ ሕቶ ኣምጺእኩም። ኣብቲ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ትገብርዎ ዝነበርኩም ደገፍ እኹል ኮይኑ ስለ ዘይተሰምዓኩም’ዩ መስለኒ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ናይ ዘይምዃድ እምቢታን ናብ ሰራዊት ናይ ምጽንባር ጎስጓሳትን ስዒቡ። እዚ ምስ ኮነ ኩሎም ንዓቕሚ ኣዳም በጺሖም ዝተባህሉ ናይ መላእ ሃገር ተመሃሮ (ካብ 2ይ ደረጃ ክሳብ ዩኒቨርሲቲ) ናብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ውሒዞም። ኣብ መንጎ እቶም ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ኣቋሪጾም ናብ ታዕሊም ዝኸዱ መንእሰያት ዝነበረት እንኮ ጓል ኣንስተይቲ ከኣ ንስኺ ነይርኪ። እዚ ንኽኸውን፡ “ኣብ መንጎ እቶም ናብ ግንባር ክኸቱ ዝሓተቱ መዛኖይ ነይረ ክነሰይ፡ ጓል ኣንስተይቲ ብምዃነይ ጥራይ ኣይተርፍን’የ” ብምባል ናብ ምምሕዳር ከተማን ሚኒስትሪ ትምህርትን ጠሪዕኪ። ብፍታውኪ ድማ ኬድኪ። ናብ ታዕሊም፡ ድሕሪኡ ናብ ኲናት…. ናብ ሞት፡ ምእንቲ ውሕስነት ሃገርን ህዝብን።

ብዕድል፡ ኣብ መንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ተበጺሑ። እቶም ተመሃሮ ናብ ትምህርትኹም ክትምለሱ ምስ ተወሰነ፡ “ምስቶም ተመሃሮ 2ይ ደረጃ እትምለስ ሓንቲ ጓል ኣላ” ዝብል ሓበሬታት ምስ ምልዉዋጥ ዶክመንትታት ዝደጋገም ሓበሬታ ነይሩ። ንሳ ድማ ንስኺ ነይርኪ። ድሕሪ ዓሰርተ ዓመታት፡ ኣብ መንጎ ብጅምላ ዝተኣስሩ 26 ሰባት በይነይ ጓል ኣንስተይቲ ብምንባረይ፡ “እታ ጓል…” ብዝብሉ ቃላት ዝጅምሩ ሓበሬታት ምስ ተደጋገሙ፡ እቲ ምግጥጣም የተሓሳስበኒ ነይሩ።

እቲ ናብ ዓውደ ኲናት ብፍታውኪ ክትከዲ ዝሞገትክዮ ምምሕዳር ብዘይሕግን ፍርድን ተጨውየ ምስ ተኣሰርኩ፡ እንታይ ገይሩ ትፈልጢ፧

“ኣበይ ኣላ” ዝብል ሕቶ ኣቕሪቡ። “ተኣሲራ” ተመሊሱሉ – ይፈልጥ’ውን እንተነበረ።

“ካብቲ ተኣሲራትሉ ዘላ ቤት ማእሰርቲ ወረቐት ኣምጽኡ፡ እንተ ዘየለ ካብ ስርሓ ከም ዝኾብለለት ወይ ካብ ሃገር ከም ዝጠፍአት… ክትሕሰብ’ያ” ብምባል ስድራ ከም ዘከላበተ ኣብ ቤት ማሕቡስ ከለኹ ሰሚዐ። ከም ዝተሓየርኩን እቲ ስርዓት ከኣ ናይ ዝጨወዮም ውልቀሰብ ምስክር ህላውነት ዘይህብ ምዃኑን እናተፈልጠ እኮ’ዩ።

ደጊመ ናብታ ስእሊ ተመሊሰ ኣለኹ።

ዝነበረኪ ተስፋ ይርኣየኒ። ወንኺ ከንብቦ እኽእል’የ። እቶም ገሊኣቶም ብድሌቶም ገሊኣቶም ከኣ ብግዲ ናብ ሰራዊት ዝተጸንበሩ መማህርትኽን መተዓብይትኽን፡ ንኤርትራ ክጎብጥ ዶባ ካብ ዝወረረ ጸላኢ ከም ዝሓለዉዋ፡ ድሕሪ ዓወቶም ከኣ ክምለሱ ምዃኖም ኢኺ ትሓስቢ ነይርኪ። ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ህይወቶም እንተሃቡ’ውን ሓላል’ዩ ዝነበረ’ሞ፡ ዘቕንኡኺ’ምበር፡ ኣብ ብዙሕ ዘይሰጎመ መጻኢኺ ነገራት ተገማጢሎም፡ ናብ ኣንጻር ዝነበረኪ ርድኢትን፡ ኣብ ግምትኪ ዘይነበረ ተመክሮን ከናጥሩኺ ከም ዝኽእሉ ምግማት ዝክኣል ኣይነበረን።

ግዜን ኩነታትን ግን ንሰብ ካበይ ናበይ’ዮም ዝቕይርዎ፧! ግርህናኺ፡ ፍቕርኺ፡ ወንኺ፡ ግልጽነትኪ፡ ናይ ንእስነት ብርታዔኽን ርድኢትኪን… እትውንን ኣነ ክኸውን እደሊ፡ ግን ኣይኮነለይን። ኣነ መቐጸልታ ንስኺ ዘይመስለኒ ከኣ እዚታት ምስ ወሓደኒ’የ።

ሰናይት ደበሳይ፡ እታ ንፈለማ እዋን ጊታር ክትጻወት ዝርኣኽያ ጓል ኣንስተይቲ ናይ እዋን ህጻንነትኪ ነይራ። ኣማኑኤል ኣስራት ሓደ ካብቶም ትፈትውዮምን ተድንቕዮምን ጽሓፍቲ/ገጠምቲ ናይ እዋን ንእስነትኪ ነይሩ። ኣብ መንጎ’ቶም ናይ ግዜ ህጻንነትክን ንእስነትክን ‘ዝርኣዩ’ ሰባት፡ ሰናይትን ኣማኑኤልን ናብ ስምዒትኪ እቶም ዝቐረቡ ነይሮም። ሓደ መዓልቲ ከምኦም ክትኮኒ ዝነበረኪ ሕልሚን ባህግን ውን ኮንዶኾን ኣይነበሮን። ይኹን ግን ክልቲኦም ካብቶም ተጨውዮም ዝተሰወሩን፡ ሃለዋቶም ዘይፍለጥን ኣሽሓት ደቂ ኤርትራ’ዮም። ኣርኣያታት መጻኢ ወለዶ ካብ ምዃን በዂሮም ከይኣክል፡ ምእንቲ ካልኦት ክፈርሑን ክርዕዱን ኣብነት ክኾኑ’ዩ ተገይሩ። እዚ ካብ ዝኸውን 20 ዓመታት ሓሊፉ። እቲ ንዓኺ ከሲረሉ ዝብሎ ወቕቲ’ውን ሽዑ’ዩ።

ድሕሪ’ዛ ዝምልከታ ዘለኹ ስእሊ ገለ ዓመታት ጸኒሑ ዝተወስደ ስእለይ እምብኣር ካብቲ ናትኪ ዝተፈልየ ሰነዳትን ዝኽሪታትን’ዩ ዘንጸባርቕ። ስለዚ ከኣ’የ ኣነ ናትኪ መቐጸልታ ኮይኑ ዘይስምዓኒ።

ንስኺ፡ ኣብ ኣርባዕተ ኣብያተ ትምህርቲ ዝተማህረት፡ ኣነ ግን ኣብ ኣርባዕተ ቤት ማእሰርቲታት ዝኸርተተት… ኢና። ንስኺ፡ ሃገራ ካብ ካልኦት ፍልይቲ ኮይና እትስምዓ፡ ዝገበረት እንተገበረት ኣበርክቶኣ እኹል ኮይኑ ዝርከብ ዘይመስላ፡ ኣብ ቅድሚኣ ዝርኣያ ኩሉ ጽቡቕን ሰናይን… ኢኺ ነይርኪ።

ኣነ ከኣ፡ በቲ ኤርትራ ኣብ ዓለም እትጥቀሰሉ ዘላ ዛዕባታት ዝሓፍር፡ ክናፍቓ’ምበር ክነብራ ዘይክእል ሃገር ዘላትኒ፡ ብመጭወይቲ ኣርኣያታት ዝተሰናበድኩ’የ። እቲ ትምህርትኺ ኣቋሪጽኪ ክትጽንበርዮ “ተርክብሉ ኢኺ ኣይትበሉኒ” ዝበልክሉ ኲናት፡ በታ ሽዑ “ሃገር ተወሪራ” ዝበለት ልሳን፡ “እቲ ኲናት ናይ ዶብ ኣይነበረን” ክብሃል ዝሰምዐት ዜጋ’ውን’የ።

እምብኣር ሓደ ኣብ ህይወትኪ ከጋጥም’ዩ ኢልኪ ሓሲብክዮ ዘይትፈልጢ፡ ወረ ፈጺሙ ከም ዘየጋጥም ርግጸኛ ዝነበርክሉ ጉዳይ ኮይኑ’ሎ። ስደት!!

ስደት፡ ንህይወት ካብ ባዶ ምጅማራ ኮይኑ ጸኒሑኒ። ምስ ኩሉ ነገር ጓና ምዃን፡ ካብ ትሕቲ ባዶ ከም ምጅማር እንተተወስደ’ውን ዘይምጥኖ ኣይኮነን – ኢለ እሓስብ። እወ፡ ከም ዝፈራሕክዎ’ዩ። ህይወት፡ እቲ ዝሓሸ ሕማቕ ክትመርጽ ተገድደካ ግዜ’ሎ። ከምኡ ኮይነስ ካብቲ ኣብ ዓደይ ዘሎ ፍርሒ እዚ ስደተኛ ፍርሒ መሪጸ። “ካብ ዘይትፈልጦ መልኣኽ ትፈልጦ ሰይጣን ይሓይሽ” ትብል ምስላ ትፈልጥያ ኢኺ። ኣነን ብዙሓት ካልኦትን ግን፡ ካብቲ እንፈልጦ ፍርሒ፡ እቲ ዘይንፈልጦ መሪጽና።

(ድሒረ ንዝብለኪ ነጥቢ ክሕግዘኪ፡ ቀዲመ ከትሕዘኪ ዘለኒ ነገር ኣሎ። ኣብ እንግሊዘኛ ዘላ ፊደል ዋይ (Y) ኣብ ጀርመን ኢፕሲሎን (Ypsilon) እያ ትድመጽ። ጀይ (J) ከኣ ዮት (Jot) እያ ትብሃል። ስለዚ፡ ኣብ ስርዓተ ቛንቋ ጀርመን ናይ Y ድምጺ ዘለዎም ቃላት ፊደል J እዩ ዝኣትዎም።)

እምብኣር፡ ባዶ ምዃን ወይ ካብ ባዶ ምጅማር እንታይ ከም ዝመስል ክስእለልኪ ክፍትን’የ።  ከምዚ ገይርኪ ተረድእዮ… ኣብ 40 ዓመታት ዕድመኺ፡ ናይ መጀመርያ ፊደል ናይ ስምኪ ከተጽንዒ ምውዓል ማለት’ዩ። (Y – ኢፕሲሎን… J – ዮት….) ካብ ቤት ትምህርቲ ናብ ገዛኺ እናኸድኪ “ኖኖ ስመይ ብ ዮት’ ኣይኮነትን ትጅምር፡ ብ ኢፕሲሎን’ያ።  ኢፕሲሎን፡ ኢፕሲሎን፡  ኢፕሲሎን፡ ኢፕ…” በይንኺ እናተዛረብኪ ንምጉዓዝ ዝቕስብ ክስተት ማለት’ዩ።

ከምዚ’ውን ክትሓስብዮ ትኽእሊ ኢኺ።

ሓደ ዝኾነ ዓይነት ተኽሊ፡ ዘራእቲ ወይ … ዝኾነ ዝበቖለ ነገር ሕሰቢ። ካብ ስሩ ምሒኺ ናብቲ ደረት ወይ ኪኖኡ ደርብይዮ። ትፈልጢ ኢኺ ኩሎም ዝበቑሉ ነገራት ሓደ ዓይነት ተፈጥሮ የብሎምን። ገሊኦም ተበርቊቖም ምስ ተደርበዩ ሓሪሮም ዝሞቱ’ዮም። ገሊኦም ተጋዲሎም ደጊሞም ህይወት ክዘርኡ ዝኽእሉ ወይ ዝጭብጭቡ’ዮም። ካልኦት ዕድለኛታት ከኣ በቲ ኣብ መሬት ዝወደቕሉ ኣካል ሓድሽ ሱር ኣብቊሎም ህይወት ክቕጽሉ ዝኽእሉ’ዮም። ካልኦት’ውን…።

ካብ ሱርካ ምምሓው ንኸምዚ ዓይነት ዕጫታት ዘሳጥሕ ኮይኑ ረኺበዮ። ካብዞም ዕድላት እቲ ዝኸፍአ ዕድል ከየልዕል እናተጋደልኩ፡ ኣለኹ! ምስቶም ምሳኺ ዝኸሰርክዎም ገለ ካብ ኣርኣያታት ወለዶይ ዝኾኑ ስነጥበበኛታት ሓዊሰ እናፍቐኪ።

ዘየቋርጽ ናፍቖት፡ ምስ ናይ ክስረት ስምዒት!

 

_____________________________________________________________________________

ይርጋኣለም ፍስሃ፤ ቦኽሪ ተዓዋቲት ሽልማት ፐን ኤርትራ 2019፥ ተሸላሚት ናጻን ተባዕን ጋዜጤኛ – ሽልማት MMY 2022፥  ኣብ 2019፡ ሓንቲ ካብ 5 ለወጥቲ ደቂ ኣንስትዮ ጸሓፍቲ ተባሂላ ብፐን ኢንተርናሽናል ዝተሰየመት፡ ርቚሕቲ ሽልማት Disturbing The Peace Award 2020 ዝዀነት፤ ገጣሚት፥ ጸሓፊትን ጋዜጤኛን እያ። ዛጊት ኣለኹ ከምኡ ድማ ዘይበረየ ጐድነይ ዝብላ መጻሕፍቲ ዘሕተመት፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ዌብሳይታትን ማሕበራዊ መራኸቢ ታትን ከኣ ብቐጻሊ ጽሑፋታ ተካፍል። ymebfisseha@gmail.com ብዝብል ኣድራሻ ምርካባ ይከኣል።

Print Friendly, PDF & Email