በየነ ሃይለ ኣብ ዝኽሪ ሻውዓይ ዓመቱ፤ “ንሕና’ውን ኣይጸገብናካን በያን”

No comments
 ኢሳያስ በየነ*

እዚ ጽሑፍ ብምኽንያት ዝኽሪ በየነ ሃይለ እተዳለወ እዩ። በየነ ሃይለ ካብ ዝዓርፍ እንሆ ሎሚ ዕለት 29 ሰነ ሻውዓይ ዓመቱ ይገብር ኣሎ። ድሕሪ’ዚ ኵሉ ዓመታት፡ ተመሊሰ ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዘዕልለንን (ዘዕልለናን) ዝነበረ ዕላላት’ሞ ዝምዝግቦም ዝነበርኩ ተመሊሰ ክርእዮም ፈቲነ። እቲ ዕላላት ጥራይ ዘይኰነ እቲ ሃዋህው’ውን እዩ ጎፍ ኢሉኒ። በየነ በቲ ህዱእን ትሑትን ዝበለ ድምጹ፡ ዘይርብሽ ወስታታት ኢዱ፡ ፍሽኽትኡን ምኡዝ ሰሓቑን እንዀላይ እምበር።

እዞም ስዒቦም ተመልኪቶም ዘለዉን ካልኦት ወግዕታትን ንበየነ ብመገዲ ኣብርሃም ተስፋልኡል ካብ ዝተላለኹሉ 2006፡ ዝያዳ ድማ ኣብቲ ንሱ ዝመርሖ ዝነበረ ትካል ክሰርሕ ዝጀመርኩሉ 2007፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናትን ቦታትን ኣጋጣሚታትን ዝኣኻኸብክኡዎምን ዝሰነድክዎምን እዮም። ኣብቲ ካብ ንእስነቱ ክሳብ ግዜ ዕረፍቱ ዝቐብኦም ቅብኣታት ዘማዕረግዋ መውዓሊኡ ዝዀነት ገዛኡ፡ ወይ ኣብቲ ትካላትን ኣባላተንን ኣሰራርሕኦምን ኣገባባቶምን ንኸማሓይሹ ብምባል ኣብ ዝተኸሎን ዝመርሖን ኣብ እምባትካላ ዝርከብ ማእከል ስልጠናን ምኽርን ምርምርን ዝኾነ ማእከል ትካላዊ ብቕዓት ኤርትራ (ማ.ት.ብ.ኤ)፡ ካብን ናብን መንገዲ ኣስመራ – እምባትካላ፡ ኣብ ኣስመራ ዝርከባ ካፈታት፡ ከምኡ’ውን ኣብቲ ጸጊቡዎ ዘይፈልጥ ጐደና ሓርነት ሸናዕ እናበለ ገሊኡ ምስ ኣዕሩኽተይ፡ ገሊኡ ምስ መሳርሕተይ፡ ገሊኡ ድማ ኣብ በይነይ ዘዋጋዓና ወግዕታት እዩ።

በየነ ሃይለ ብዙሕ ዓውድታት ፍልጠት ማለት ፍልስፍና፣ ስነ-ኣእምሮ፣ ሃይማኖት፣ ፖለቲካ፣ ታሪኽ፣ ምሕደራ ኵሉ ዓይነት ስነ-ጥበብ (ስነ-ጽሑፍ፣ ግጥሚ፣ ሙዚቃ፣ ቅብኣ፣ ፊልም) ወዘተ ዝተማህረ፡ ዘንበበ፡ ዝሰምዐ፡ ዘስተማቐረን ዝረኣየን ብምንባሩ፡ ብዙሕ ግዜ ኣብ ዕላሉ ዝደጋግሞን ምስ ሰብ ክዘራረበሉን ትርጕማት ክለዋወጠሉን ዝደሊ ዝተፈላለዩ ኣርእስታትን ጉዳያትን ኣተሓሳስባታትን ነይሮምዎ። ምሕደራ፡ ስነ-ጥበብ፡ ፍልስፍና፡ ስልጠና፡ ትካላት፡ ትካላዊ ኣሰራርሓ፡ መንእሰይ፡ ሃገር፡ ሓቂ፡ ጽባቐ፡ ታሪኽ፡ ናጽነት፡ ግጥሚ፡ ቅብኣ፡ ሃይማኖት፡  ወዘተ።

ደራሲ መጻሕፍቲ ዓቢዱ’ዶ ትብልዎ (1964)፣ ድኳን ትበርህ  (2003)፣ ትጽቢት ባህጉ (2006) ከምኡ’ውን ድራማ ወግዒ ልቢ (2008) ዝዀነ በየነ ሃይለ፡ ምስቶም ኣብ ዝደረሶም መጻሕፍቲን ድራማን ዘለዉ ጠባያት ዘመሳስሎን ዝፈላልዮን ከም ዘሎ ኣብ ዕላላቱ ዝደጋግሞ ዘረባ’ዩ ነይሩ። መጻሕፍቱ ዘንበቡ’ውን እንተዀኑ ካብቶም ጠባያት ንበየነ ዝመስል ኣየናይኮን ይኸዉን እናበሉ ዝመራመሩ ነይሮምን ኣለዉን። ጸጋይ’ዶ ጉዕላይ፡ ቪድዮ’ዶ ጃብር፡ ዓብዱ’ዶ ሃብተ፡ ጸሓፊ ዶ ትጃር፡ ባህታ’ዶ ሱሌማን ወይሲ መዝገበ ጥበብ ኣማኑኤል?  ከምዚ ዝኣመሰለ ግምታትን ዝርርባትን ድማ ዋላ ካብቶም ቀረብቱ፡ የዕሩኽቱ፡ ዋላ’ውን ካብ ቤተሰቡ ከይሰምዖ ኣይተርፈን። ነዚታት ንምብራህ ከይኮነ ኣይተርፍን ኣብ ዕላሉ፤

ሓደ ጸሓፊ ብዛዕባ ነብሱ ክጽሕፍ ይኽእል ኢዩ። ኣነ ድማ ካብ ነብስኻ ዉጽእ ኢልካ እንተ ጸሓፍካ ይሓይሽ ዝብል ኣካይዳ ኢየ ዝኽተል። ንኣብነት ‘ዓቢዱ’ዶ ትብልዎ’ ናተይ ታሪኽ ህይወት ዝመስሎም ብዙሓት ሰባት ኣጓኒፎምንን ሓቲቶምንን። ክንዲ መዝገበ ክመጽእ ኣይክእልን’የ። ምናልባት ሓደ ሓደ ናተይ ጠባያት ወይ’ውን ናዓይ ዘጋጠመኒ፡ ወይ ኣነ ዝገበርክዎ ነገራት ይህልዎ ይኸዉን። ንኣብነት ኣብታ ጎቦ ከይደ ክንዲ ናይ መዝገበ ኣይኮነን’ምበር እምኒ ይጸርብ ነይረ’የ። ካልእ’ውን ኣሎ።

ብምባል ናቱ ተግባራትን ተመኵሮን ነቶም ፍጡራቱ ኣብ ምህናጽ ከም ጥረ-ነገር ከም ዝጥቀመሉ ዝኣመተ። ኣብ ግህዶ ዓለሙ ክሰምረሉ ዘይከኣለ ትምኒታቱ፡ ባህግታቱ፡ ሕልምታቱን ራኢኡን ብመገዲ’ቶም ፍጡራቱ  ገይሩ ከካውኖ ከም ዝፍትን ድማ፤ “ከም ዘለዎ ኣነ ክንዲ መዝገበ ክመጽእ ኣይክእልን’የ። ምናልባት መዝገበ ኣነ ክዀኖ ዝምነዮ ክኸዉን ይኽእል’ዩ። ንመዝገበ መውጽኢ ታህን እየ ተጠቒመሉ። ካልኣይ ደረጃ ምስ ወዳእኩ ክቕየር ኣለዎ ዝብሎ ዝነበርኩ ኣካይዳታት ብውሕዱ ብመገዲ መዝገበ ኣተንፊሰዮ ማለት’ዩ። ስለዚ መዝገበ ካሓሳ ወይ ድማ ክሒሱኒ ክብል እኽእል እየ፡ ነብሰይ ሓራ ገይሩዋ።’’

በዓል ጸጋይ፡ ሃብተ፡ ዓብዱ፡ ጃብር፡ ሕርይቲ፡ ረጓድ፡ ትርሓስ፡ ጉዕላይ ካብ ኣራኣእይኡ፡ ኣተሓሳስብኡ፡ ኣነባብርኡ ወዘተ ክህልዎም ከምዝኽእል ዝእምት በየነ፡ ከም ዘለውዎ ግን ናቱ ዝወሰዱ ከም ዘየለው ደጋጊሙ የዕልል። እተን ኣብ መጽሓፍቱ ዘለዋ  ደቀንስትዮ ማለት በዓል ሕርይቲ፡ ትበርህ፡ ረጓድ፡ ምላሹ፡ ትርሓስ ወዘተ ክህልዋና ዝምነየን ኤርትራዉያን እምበር ኣብ ግህዶ ዓለም ዘጋጠመኦ ከም ዘይኰና፡ ብሓፈሽኡ ከምቶም ኣብ መጻሕፍቱን ድራማኡን ዘለዉ ጠባያት ግን ናይ ወትሩ ትምኒቱን ባህጉን ከም ዝዀኑ፡ ብፍላይ ድማ ንመንእሰያት ኣርኣያ ዝዀኑዎም ዝገበረ ኰይኑ ከም ዝስመዖ የብርህ።

በየነ ሃይለ ምስ ሶማላዊ ደራሲ ኑረዲን ፋራሕ–ኣስመራ ነሓሰ 2011

ኩሉ ግዜ ካብ ምንባብ ዘይፍለ በየነ፡ ኣብቲ ኣነ ዘርከብኩሉ፡ ማለት ካብ መጀመርያ 2007፡ ኣብ እምባትካላ ኣብ መደቀሲኡን ኣብ ቤት-ጽሕፈቱን ሓሓንቲ መጽሓፍ ከምኡ ድማ ኣብ ኣሰመራ ኣብ ዝህልወሉ ሓንቲ መጽሓፍ ብጠቕላላ ሰለስተ መጽሓፍቲ ኣብ ሓደ እዋን የንብብ ነይሩ። ቀንዲ ምንጪ ፍልጠት መጽሓፍ ምዃኑ ዝኣምን በየነ፡  ‘‘ናይ ንባብ ባህሊ ዝበሃል እኮ የለን’’ እናተባህለ ብመራኸቢ-ብዙሃን ይዅን ኣብ መኣዲ ዕላላት ብተደጋጋሚ ዝዝውተር ዝነበረ ኣዘራርባ የስደምሞ ከም ዝነበረ ይገልጽ ነይሩ። ‘‘ናይ ብልዒ ባህሊ፡ ናይ ማይ ምስታይ ባህሊ ዝብሃል ኣሎ ድዩ? ምብላዕ፡ ምስታይ ኣገዳሲ ነገር ስለ ዝዀነ መዓልታዊ ንገብሮም ነገራት’ዮም፣ ምንባብ ድማ ካብኡ ዘይፍለ ነገር’ዩ ኰይኑ ይስመዓኒ’’ ብምባል የራጉዶ።

በየነ ካብ ህጻንነቱ ካብ ምጽሓፍን ምንባብን በዅሩ ዘይፈልጥ ከም ዝነበረ ካብቲ ዝደረሶ መጻሕፍቲን ዝቐብኦም ቅብኣታትን ብቐሊሉ ክርአ ዝኽእል ከም ዝኾነን ብዝያዳ ድማ ኣብ ወግዕታቱ ጎሊሑ ይንጸባረቕ።

ንሓንሳብ ዋላ ዘርስሓኒ’የ ዘንብብ ነይረ። ልክዕ ከም ሓሰማ። ዋላ ‘ጓሓፍ’ እንተኾነ’ውን ኣይገድፎን እየ። ከም ዝረሳሕኩ ምስ ፈለጥኩ ግን ቀልጢፈ ክላሲክ ዝኾና መጽሓፍቲ ናይ ዶስቶቭስኪ ወይ ትርጁኔቭ ወይ ናይ ካልእ ጸሓፊ ኣንቢበ ይነጽህ! ይሕጸብ! ንምንታይ’የ ክንድኡ ዘንብብ፣ ልክዕ ከምዚ መገሻ ዘለዎ ሰብ፣ ግን ብዛዕባ መገሽኡ ብዙሕ ኣፍልጦ ዘይብሉ፣ እንታይ ስንቂ ከም ዝቛጽር ዘይፈልጥ፣ ከምኡ ገይርካ ክትወስደኒ ትኽእል ኢኻ። ብተወሳኺ፣ ከንብብ ከለኹ፣ ልክዕ ከምዚ ፈተና ኣለካ ዝተባሃልኩ ኮይነ’የ ዘንብብ።’

 ብምባል ድማ ስለምንታይን ብኸመይን ከም ዘንብብ ይገልጽ።

ብኸምዚ ዓይነት ሸውሃት ዘንበበ ሰብ እተጻሕፈ መጽሓፍቲ፡ ዝተደርሰ ድራማ፡ ዝተገጥመ ግጥምታትን እተቐብአ ቅብኣን ንኽንርዳእን ከነስተማቕርን፡ ቀንዲ ትርጉሞም ዘመልክቱልና ወሓለታትን ክኢላታትን ፈላጣትን፡ ብቋንቋ በየነ ኣለበምቲ፡ ከየድለዩ ኣይተርፉን እዮም። ብኽኢላታትን ፈላጣትን እተጸንዐ ወረቓቕቲ ከኣ ካብ’ቲ ምስ ጽሑፋትን ቅብኣታትን በየነ ከቀራርበና ዝኽእል ሓደ መገዲ’ዩ።

ኣብ ጥሪ 2008 ናይ መድረኽ ድራማ ወግዒ ልቢ ኣብ ሲነማ ኣዝመራ’ያ ንምርኢ ቀሪባ። ኣብ ፊቱ ኣብ ዘሎ ባር ኣሜሪካ ኮፍ ኢልና ወግዒ ልቢ ንመጀመሪያ ግዚኣ ንህዝቢ ክትረአ እናተጸበና ከለና፡ እንታይ ከም ዝተሰመዖ ንምፍላጥ “ድራማ ክትምረቕ ከላ፡ ቅድሚ ምጅማራን ድሕሪ ምውዳኣን  እንታይ ተሰሚዕካ?” ብምባል ንዝተሓተቶ ሕቶ፡ ብደረጃ ዓለም ውሩያት ዝኾኑ ደረስቲ ኣብ መጀመርያ ዘጋጠሞም ብምዝካር፤ “ናይ ሄንሪ ጀምስ ወይ ድማ ናይ ቸኮቭ ኣጋጢምዎም ዝበሃል ከዕልለካ። ቸኮቭ ድራማ ምስ ሰረሐ፡ ናብቲ ተዋስኦ ዝራኣየሉ ቦታ ከይዱ። ክዳውንቱ ቀያይሩ’ዩ ከይዱ። ዋላ ሓደ ተዓዛቢ ናብቲ ቦታ ከይመጸ፣ እቶም ተዋሳእቲ ጥራይ ጸኒሐሞ። ተጸበ በል ተበልካ መን ክመጽእ! ዳሓር ግን፡ ምስ ግዜ፡ እቲ ህዝቢ ተረዲኡዎ፡ ብደረጃ ዓለም ከማን ፍሉጥ ኰይኑ።”

ዋላ ሎሚ ህዝቢ እንተ ዘይመጸ ተስፋ ዘቝርጽ ከም ዘይኰነን ውዒሉ ሓዲሩ ህዝቢ ክርእያን ከስተማቕራን ምዃኑ ከም ዘይጠራጠርን ተስፋኡ ልዑል ነይሩ። ወግዒ ልቢ ክትምረቕ ከላ፡ ብዙሕ ህዝቢ ከም ዝራኣያን ካብቶም ዝተዓዝዘብዋ ብዝረኸቦ ምላሽ ድማ ሕጉስ ዝነበረ።

“. . . ነታ ቅድሚ ኣርባዓ ዓመት ዝደርፋ ዝነበርኩ ‘ምሸት፡ ኣስመራ ምሸት’ እትብል ደርፊ ብሓንቲ ጽብቕቲ ጓል ክትድረፍ ምስ ሰማዕክዋ ዝፈጠረለይ ስምዒት እዚ ኣይብሎን’የ። እቲ ጽሑፍ ንባዕሉ ስጋ ለቢሱ ብመንእሰያት ክዕየ ምስ ራኣኹዎ ናይ ብሓቂ ደስታ ተሰሚዕኒ።’’

ኣቐዲሙ’ውን እንተዀነ፡ መጽሓፍቱ ኣብ ዝበዝሕ ኣንባቢ ዝተፈላለየ ስምዒታት ምስ ፈጠረን ኣብ ህዝቢ ተቐባልነተን ምስ ኣስተብሃለን፡ ብፍላይ ካብቶም ‘መሳቱኡን ብዕድመ ቀረብኡን’ ከምኡ’ውን ካብ’ቶም ስነጥበበኛታት ዝረኸቦ ርእይቶ፡ ነቐፌታ ምስ ረኣየ፡ ኣብ ምምራቕ ትጽቢት ባህጉ፡ መጽሓፍቱ ንመንእሰያት ኢሉ ከም ዝጽሓፎን ካብ መንእሰያት ምዃኑ ትጽቢቱን ነቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ብግልጺ ኣነጺሩሎም።

ስርሓቱ ብመእሰያት ክዕየን መንእሰያት ኣብ ኵሉ ንጥፈታት ክሳተፉ ዝብህግን በየነ፡ ንመንእሰይ ዘነኣእስን ዘጓንን ዝውቱር ኣበሃህላታት ንምብዳህ፡ “መንእሰይ ዝበሃል ዓሌት እኮ የለን፡ መንእሰይ እኮ ወይ ወድኻ፡ ወይ ሓፍትኻ፡ ጓልኪ፡ ወዲ ሓትነኺ፡ ጓል ኣሞኺ ማለት እዩ።  ደቂ ሓወቦኻ፡ ደቀ’ሞኻ፡ ደቀ’ኮኻ፡ ደቂ ሓትነኻ … ወዘተ ማለት እዮም። ስለዚ መንእሰይ ተባላሽዩ፡ ወይ መንእሰይ የለን ክትብል እንተዀንካ ነብስኻ ኢኻ ተዋርድ።”

ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታትን እዋናትን መድረኻትን ደጋጊሙ ዝብሎ ዝነበረ ዘረባ እዩ። ኣብቲ ኣብ እምባትካላ ዝወሃብ ዝነበረ ስልጠናታት’ውን፤“ንመንእሰያት ስራሕ ንሃቦም፡ ሓላፍነት ንሃቦም፣  እንታይ ከም ዝገብሩ ከርእዩና ዕድል ንሃቦም። እቲ ካብ መንእሰይ ንረኽቦ ነገራት ከም ዘይንረኽቦ ክንከውን የብልናን፡”  እናበለ መንእሰያት ንኽሳተፉ ነተን ትካላት የገድደን ነይሩ።

ወግዒ በየነ ሃይለ ዝጽገብ ኣይነበረን። ዝውዳእ’ውን ኣይነበረን። ብተደጋጋሚ ሰሚዕካዮ ዘይምነው’ውን እዩ። ንሎሚ ብዛዕባ ኣብ ወግዒ ልቢ ዘላ “ኣይጸገብኩን” እትብል ደርፊ ዘዋጋዓና ገይረ ክዛዝም፤

ኣይጸገብኩን፡ ኣይጸገብኩን ኣብ ‘ወግዒ ልቢ’ ዘላ ደርፊ እያ። ዳርጋ ሙዚቃዊት መልእኽቲ ናይታ ድራማ ኰይና ትስማዓኒ። ኣብ ታንዛንያ ከለኹ ኣብቲ መጀመርያ እዋናት ናጽነት’የ ጽሒፈያ። ናይ ኵሉ ኤርትራዊ መዝሙር ኰይና’ያ ትስምዓኒ። እንታይ’ዩ ዘይተጸግበ ‘ተልካኒ፡ እቲ ዕድመ ድፍእ ዘበለ ከምዚ ኸማይ ቍሩብ ግዜ ክውስኽ ይደሊ ኣሎ፡ ምኽንያቱ ነዚ ጎደና፡ ነዛ’ስመራ፡ ነዛ ኤርትራ፡ ነቲ ህዝባ ኣይጸገቦን። እቶም መንእሰያት ንኣዕሩኽቶም፡ መሓዙቶም፡ ነታ ጐደና፡ ነዛ ኣስመራ ከይጸገቡዋ ገሊኦም ንስደት፡ ገሊኦም ናብ ዓውደ ውግእ ይኸዱ ኔሮምን ኣለዉን። ስለዚ ‘ኣይጸገብናክን’ እናበሉ ዘዝይሙላ ኰይኑ ይስማዓኒ። ኣዴታት ንደቀን ኣይጸገቦኦምን፡ ምርዕዋት ንሰብኡተን ኣይጸገቦኦምን። ኵሉ ህዝቢ ኣይጸገበን። ዝጽገብ ጎደና ኣይኰነን ጐደና ሓርነት! ትጽገብ ከተማ ኣይኰነትን ኣስመራ! ዝጽገብ ሃገር ኣይኰነን ኤርትራ! ዝጽገብ ህዝቢ ኣይኰነን ህዝቢ ኤርትራ!

 ________

ኢሳያስ በየነ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሲቪል ሰራሕተኛታት (CPA) ካብ 2004 ክሳዕ 2006፡ ድሕሪኡ ክሳዕ 2007 ክሳብ 2015 ካብታ ሃገር ክሳብ ዝወጽእ ድማ  ኣብ ማእከል ትካውላዊ ብቕዓት ኤርትራ (ምትብኤ) እምባትካላ ይሰርሕ ነይሩ። ጸሓፊ issaiasbe@gmail.com ብዝብል ኢመይል ምርካቡ ይከኣል።

Print Friendly, PDF & Email