ሰላምታ፥ ካብ ዒራዒሮ

No comments

 

መናእስተይ

ናይ ብርዒ  መቑርሰይ

እንካ ሰላም

ካብ’ዚ ጸላም።

 

ካብ ዘይትኣስረ መንፈስ፡ ዝተኾርመየ ብርኪ

ካብ ዝጠልቀዐ ከብዲ ፡ ዘይደረቐ ልቢ

ካብ ዝጎለበ ሕቖ፡ ዘይቀነነ ብርዒ

ካብዚ ..

ፍረ ሓሳባት ኣብ ዝዕጸደሉ ቀውዒ፡ ብርኩት ምህርቱ

ዝተሰርቆ  ጸሓፊ..

ዝቓደረ ልብታት ብዝበለሐ ብርዒ ፡ብጸግኢ ብኣይሚ

ስምዒታት ዝዘርአ ህርኩት ገጣሚ

እንካ ሰላምታ፡  ሰላምታይ ዘይተጨዋዪ፡ ሰላምታይ ዘይተቐያዲ፡ ዘይተሰራቒ ።

 

ብቋንቋ ግርህና፡ ምስ ዝዝምራ ኣዕዋፍ፡ ምስ ዝምሹሉቕ ዋዒ፡ ምስ ዘኸርድድ ቀዝሒ፡ ምስ ዝፋጺ ንፋስ፡

ብቋንቋ እምነት ምስ ዋሃቢ ተስፋ፡ ምስ ኣኽኣሊ ሰሃሮ፡ምስ ኣድሓኒ ትንፋስ

ብቋንቋ ግጥሚ ምስ ዝጉሂ መንደቕ፡ ምስ ዝሕጎስ ምድርቤት

ብቋንቋ ስእለ ኣእምሮ፡ ምስ ዝስንጠቕ ናሕሲ፡ ምስ ዝገፍሕ ጉድጓድ፡

ምስ ብረቀቕቲ ኣግማድ ግዝኣት፡ ብዝትኣስሩ ኣዳም፡ ህርመት ልቦም ፍርሒ ውቅዒቱ

እንሀለኹ!…

ንሞት ልዕሊ ህይወት ኣኽቢረ፡ ንህይወት ብሓቂ ጸሪበ ከም ሻፍሻፎ ብጽባቐን ብልሕን ከርኪመ፡

ንህይወተይ ክዕምጹ፡ ፍርሒ፡ ስግኣት፡ ከንቱነት ዝዕጥቆም ሓሳባት ቀርሲመ ፡

እንሀለኹ !…

ብሰብ ብርዐይ ምስ ተሓደግኩ

ሰብ ካብ ዘይርክቦ ርቀት ብዝረኸብኩዎ ብርዒ

ቅኑዕ፡ ናፋቒ፡ ሓታቲ ሰላምታይ ይጽሕፈልካ’ለኹ።

 

” ከመይ ኣለኻ ጸጋ ጥዕና፡ ስድራቤት ከመይ ኣለው ” ዝብሉ ሕቶታት ኣይሓተካን’የ፡ ሕቱታት ሕቶታት እንድኣሎም!

መልስታቶም’ውን ይበጽሖ’የ ማዕረኻ ፡ ወረ ልዕሌኻ።

“ሃገርና ከመይ ኣላ፡ ህዝብና ኸ’ንታ፡ ዓለም ከ ብቐንዳ ከመይ ኣሎ ሕብራ” ዝብሉ ሕቶታት ምደገምኩኻ።

ምሳይ ዘሎ መልሲታት ስለዝጭበጥ፡ ስለዝደምቕ ካብቲ ናትካ፡

ኪኖ ፍልጠት፡ ግርህና፡ ቅንዕና ዝደሊ ሕቶ ሰላምታ ክሓተካ ፡

ትናፍቐኒ ዶ’ለኻ፧

 

ናፍቖት ዘይብሉ ናብራ፡ ህይወት ብቐንዱ ዘይደረቕ’ዩ ከምዚ እምኒ ሩባ፧

ኣነ’ሞ፡ ይናፍቐካ፡ ንፍ……….ቕ! የብልካ፡

ህይወተይ ድማ ትውሕዝ እነሀት፡ ሳላ ናፍቖትካ!

ናፍቖት፡ ህይወት ፡ ህይወት ናፍቖት፡

እናዘመርኩ፡ ሰላምታይ ይጽሕፈልካ’ለኹ

ካብ ስፍራ ኣዕሩኽ መላእኽቲ ንሓቂ ዝሰግዱ

ብስቕታ ፡ ብቀውታ  ፡ ንኣጋንንቲ  ዘባህርሩ።

 

መናእስቲ ጥበብ!

” ክብሪ ንጥበብ፡ ንግስነት ንሓቂ፡ ጽባቐ ፍትሒ ይሸለም ህዝቢ”

እናበልና ፡ ኣብ ቅርዓት፡ ኣብ ኣደራሽ፡ ኣብቲ ጎደናታት ፍቕሪ

ትብዓት ኣብ ዝውሓዶ ግዜ ፍርሓት ሓሽከት ምስ ኰነ

ካብ እንፋላለ፡ ካባኻ ተፈልየ ኣይፈልጥን’የ ኔረ

ንስኻ ግን ፍልይ ምስ በልኩኻ ብግዴታ ፡ ምሳኻ ከለኹ ኣይትርእየን ኢኻ።

ትርእየኒ ዲኻ ዳኣ፧

 

ነዊሕ ካብ ዘይኮነ ግዜ ግን፡ ኣነ ውን ምሳኻ የለኹን

ኣብ ውሽጥኻ ክህልው ዓቕሚ ኣይረኸብኩን።

 

ስለዚ’የ ዝጽሕፈልካ ዘለኹ ሰላምታ

ሰላመታይ ተቐበል ፡ ሰላም ሃልወለይ ኢኻ፡

ሰብ ዘለዎ’ዩ ዝህበካ፡ ሰላም’ዩ ዘለኒ፡ እንካ እዚ ሰላምታ።

 

ከም መኸንበቲ፡ መጸበቒ ናይ ሰላምታ ደብዳበይ ክትርእዮ

‘ ሰላምታ ሰዲዱለይ ‘ ኢልካ ንሰብ ከይትነገር፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ከይተንብቦ…

ኢለ ክኣስረካ ፡ ከጉርሓካ ፡ ከፈራርሓካ ፍጹም ከይትሓስቦ ፡

ባዕልኻ ዝተኣሰርካዮ እኳ የጉህየኒ’ሎ፡ ንባዕልኻ ግን ባዕልኻ ኢኻ እተፈትሖ

ሰላምታ ናፍቖተይ ንዓለም ኣንብቦ፡

ናብ ዓለም ኣብጽሓለይ ናይ ሰማይ ኣለኹዎ።

ናብ ሰብ ኣብጽሓለይ ፈጣርስ ምሳይ ኣሎ።

 

ጸጋይ መሓሪ – ነሓሰ 2023

 

 

Print Friendly, PDF & Email