ሓንቲ ዕለት ካብ 54 መዓልታት ውሸባ

No comments
Response to COVID-19 and One Day Eritrea series 5
ሳባ ኪዳነ

Nov. 27, 2020

25 መጋቢት 2020 ፓሪስ – ፈረንሳ

ቫይረስ ኮሮና ኣብ ዘስፋሕፍሓሉ ዝነበረ ፈለማ ኣዋርሕ እየ ተለኺፈ። ናይ ስምዒት ህዋሳተይ ርሒቖሙኒ ኣለዉ፣ ብፍላይ ምሽታትን ምስትምቓርን። እዚ ንዅለንትናይ ጋሻ ዝዀነ ናይ ባዶሽ ስምዒት’ዚ ንማንም ዘመኒ ኣይኰነን። ሎሚ ንግሆ ጥሜት ተሰሚዑኒ ምብርባረይ ከም ዓቢ ዕድል ቈጸርኩዎ። ዝተረፈ ዓቕመይ ኣኪበ መግቢ ንምርካብ ናብ ክሽነ ክኸይድ ከለኹ ጌጋ ይገብር ከም ዘለኹ ተሰሚዑኒ ስኽፍክፍ በለኒ። ንቡር ዝነበረ ንጥፈታትና ጌጋ ክኸውን ክኢሉ ኣሎ። ፍርጅ ከይትንክፍን ዝዀነ ነገር ከይሕዝን ተጠንቀቕኩ፣ ነተን ዝተረፋ ክልተ ደቀይ ምእንቲ ከይልክመን። ዋላ’ኳ ሰዓት 7፡00 ቅ.ቐ ይኣክል እንተ ነበረ፡ ጸሓይ ግን በጣዕጣዕ ኢላ ጓል ሰዓት 10፡00 ቅ.ቐ ትመስል ነበረት። ብርሃና ደጕሓኒ።

ብርትዐ ኣይተሰምዓንን’ሞ ኣብ መስኮት ተደገፍኩ። ነቲ ንሰሙን ዘይርኣኹዎ ክሽነይ ብዓይነይ ኰለልኩዎ፣ ዝተጋየሽኩዎ መሰለኒ። ቅድመይ ካብ ዝነበረ ብሽኮቲ እናበላዕኩ በቲ መስኮት ክዕዘብ ጀመርኩ። “ኣብዚ ጐደና ተወር ዝብል ሰብ የሎን፡” ኢለ እናተገረምኩ፡ ህላወ ደቅሰብ ዘረጋገጸትለይ ሓንቲ ሰበይቲ ዝጓሓፍ ፌስታል ኣንጠልጢላ ብመንጎ ኣግራብ ሓሊፋ ናብቲ ባጎኒ ክትስጕም ርኣኹዋ። ደማሙ ከይጐሓፈቶ እንከላ ክቕበሉዋ ከም ዝደለዩ ካብቲ ትብዕ-ፍርሕ ዝብል ምንቅስቓሳቶም ክግንዘብ ከኣልኩ። ኣብ ገዛውትና ክንድ’ዚ ብዝሒ ደማሙ ከም ዘሎ እፈልጥ ኣይነበርኩን። እቲ ዘሐጐሰኒ ግን፡ ሰብ እናተረሓሓቐን እናተሸጐጠን ንሶም ክቀራረቡ ምርኣየይ እዩ። እታ ሰበይቲ ግዛዓ ጒሒፋ ነቲ ባጎኒ እናዓጸወት ከየቃለብኩለን ዝጸናሕኩ ረጋቢት ብሓንሳብ ፍር ኢለን ፍሉይ ድምጺ ፈጠራ።

ቍሪ ተሰሚዑኒ ዓሶ ከም ዝሓዘኒ ቀብ-ቀብ፡ ሰዓል ከም ዝሓዘኒ ቲኽ-ቲኽ ክብል ጀመርኩ። ኣፈይ ሸፊነ ክስዕል ዝገበርኩዎ ሃቐነ ከሺፉ፡ እቲ ዝቛርፎ ዝነበርኩ ብሽኮቲ ቡፍ-ቡፍ እናበለ ተዘርወ። ቅርጸይ ሰይረ ናብ ዓራተይ ተመለስኩ። ስዒለ ስዒለ ዘፍ በልኩ። እቲ ኣብ ኢደይ ዝነበረ ክልተ ሰሙን ምሳይ ክጸንሕ ዝተኣዘዝኩዎ ናይ ሆስፒታል ዝርዝር ሓበሬታ ዝሓዘ በናጅር ኰርኳሓኒ’ሞ፡ መንጪተ ብምድርባይ ሕርቃነይ ከውጽእ ደለኹ። ኣሸበሸብ ናብ ሆስፒታል እንተ ተመለስኩ ስለ ዝጠቕም ግን ዓቕሊ ክገብር ተገደድኩ።

ከም ሸርፊ ዶላር ወሲኻ ጐዲላ ክብል ክብ-ለጠቕ ናይ እስትንፋሰይ ክከታተል ተዓብኩ። ነታ ብኽሸነይ እናበረቐት ዝገደፍክዋ ጸሓይ ምዕራባ ብመስኮት መደቀስየይ ክሳዕ ዝርእይ ክንደይ ትንፋሳት ኰን ብሰንኪ ኮሮና ክሓልፋ እየን፧ ክንደይከ ከማይ ክሕሸን ክሕሾም እዩ፧ ከሰላስል ጸናሕኩ። ኣብ ዓራት ተጐምቢየ ክጸንሕ ዓቕሊ ስኢነ መተርኣስ ተደጊፈ ናብቲ ህድኣት ዝዓሰሎ ነዊሕ ጐደና ኣዒንተይ ለኣኽኩ። ጭር ኢሉ ንምርኣዩ ዘፍርሕ ነበረ፣ ተውዛሕዛሕ ቈልዑን ዘሰንዩዎምን ወለዲ፡ መካይን፡ ምዝንግዓት፡ ወዘተ የሎን። ነባሪ ናይዛ ከተማ ኣብ ገገዛኻ ተዓጾ ካብ ዝበሃል ዓስራይ መዓልቱ ሒዙ ኣሎ።

ብኸመይ ከም ዝመጽኣኒ ዘይፈለጥኩዎ ኣብ የማነ-ጸጋም ናይቲ ጐደና ተሰሪዐን ንዝነበራ ዝበዝሓ ናይ ገዛ መካይን ክቘጽር ጀመርኩ፡ ብሸነኽ ጸጋም 24 ብየማን ድማ 31 ነበራ። ሰለስተ ዓበይቲ ኣግራብ ድማ ይርኣያ። እታ ማእከለይቲ ገረብ ብጻዕዳ ፍዮሪኣ ተሰሊማ ዓፍ-ዓፍ ዝበለ ዓፍራ ዝዓለባ መሲላ ነበረት። ክርእያ ደስ በለኒ።

ድሕሪ’ዚ፡ ሓደ ብዓል ብሽክለታ ኣብቲ ጽምው ጐደና ካብ ሸነኽ ጸጋም ሰንጢቑ ናብ የማን ገጹ ተወንጨፈ።  ምሉእ ስፖርታዊ ዕጥቂ ዝወደየ እዩ። “ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ፈረንሳ ክልኩል ምዃኑ ጠፊእዎ ድዩ፧” በልኩ ዓው ኢለ፣ “ሕጂስ እንታይ ይበሃል! እንተ ወደቐስ ፋርማሲን ሆስፒታልን ከጻብብ እኮ እዩ። ሓካይምና ከኣ ከምዚ ዓይነት ቆሎ-ጥጥቖ ሓደጋታት ኣብ ቅድሚኦም ክጸንሕ ከም ዘይብሉ እዮም ዝምሕጸኑ ዘለዉ፡” ወሰኽኩ ኣብ ዓራተይ ኰይነ።

እኩባት ረጋቢት ካብ-ናብ ናሕሲ፡ ኣግራብ፡ ጐደናታት. . .ብናጽነት ይመላለሳ ኣለዋ። እቲ ንደቅሰብ ኣብ ቤቶም ሸጒጡዎ ዘሎ ምኽንያት ይርደአንዶ ይኸውን፧ ሰባት ባኒ ይርፍትቱለን ስለ ዘየለዉ መግበን ንምምእራር ዝያዳ ካልእ እዋን ክበርራ ተገዲደን ይህልዋ እየን ክብል ሓሰብኩ። ከምቲ ኣብ ሓንቲ ካርቱን ዝረኣኩዋ፡ ቀልቀለን ኣብ ርእሲ ሰብ ጥሚቕ ምባል ከም ዝናፈቓ ይሕመያ ምዃነን ክነግረን ደለኹ። ነታ ምንጪ ናይዚ ሕማም እትበሃል መንካዕ’ውን ፈውሲ ቫይረስ ኮረና ሕሹኽ በልና ምበልኩዋ።

34 ሚእታዊት ህዝቢ ዓለምና ኣብ ዕጽዋ ብምህላዉ፡ ኣብ ኣከባቢያዊ ኣየር ዝተራእየ ቅልጡፍ ጽሬት፡ ንስነ-ኣከባብያውያን፡ “ኣገናዕ ኮረና!” ከም ዘበሎም ኣንቢበ ኣለኹ። ገለ ሰባት’ውን ዓለም ናይ ገዛእ-ርእሳ መስርሕ ጽሬትን ዕቃበን ከም ዘለዋ፣ ንደቅሰብ ድማ ኣብ ድላያ ከም ጠስሚ ከም እተደስክሎምን እተምክኾምን፣ ን400 ሚእቲ ዓመታት በብ100 ዓመት ተፈናቲቱ ዝኽሰት ዘሎ ዓለማዊ ለበዳ ምስክር እዩ በሃልቲ እዮም።

ክልተ ወዲን ጓልን ኣብቲ ጐደና ብዝርኣኹ፡ “ኦ ተመስገን ኣምላኽ!” ክብል ኣመስገንኩ። “ይሰዓዓሙዶ ይዀኑ፧” ምስዕዓም ምርኣይ’ውን ለካ የናፍቕ እዩ። ንሕጂ ተሓቛቚፎም ፈሳሕ ፈሳሕ በሃልቲ ምዃኖም እኹል እዩ። ፕረሲደንት ኬንያ እሁሩ ኬንያታ’ውን ንዜጋታቱ ኣብ እዋን ውሸባ ንሽድሽተ ኣዋርሕ ጾታዊ ታሕርሞ ክመርጹ መኺሩ ኣሎ። ክኢላታት ሕክምና፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ መራሕቲ ሃገራት ወዘተ ኵሎም ዝዛረብሉ ዘለዉ ፍሉይ እዋን እዩ።

ነብሰይ ክሕጸብ ከም ዘለኒ ዘከርኩ’ሞ ኣብቲ ዓፍ-ዓፍ ኢሉ ዝጽበየኒ ዝነበረ ባስካ ክዳነይ ኣውጺአ ጠለቕኩ – ህይወት ናብ ንቡር ህይወታ ክትምለስ ተመነኹ።

Print Friendly, PDF & Email