ሰነ-19-2020
1
እንድዒ ግዜኡ
መዓስ ተተኺሉ ከምዝበቈለ
ብመን ከምተተኽለ
ዕረ ግን ምቁር
ምቁር ግን ዳንዴር
ሓዲርዎ
ሓዲሩ ወኒንዎ
ፍቕሪ ሃገር
ብቕድሚኡ ናወጠጠ
ብድሕሪኡ ናሻሞጠ
“ሃጽ በል
ሃጽ በል” በሎ
“ኣይትውዓል ኣይትሕደር”
2
ብዘይስንቂ ጭራም ቊራስ
ንሳ ጥራይ ሒዙ
‘ታ’ብልቡ ዘላ ትንፋስ
ንቤቱ
ምስ ሰራዊቱ
ንድሕሪት ጨብ ኣቢሉ ኲዕዩ
ዋላ ንነብሱ
ንባዕሉ
ንዮ ራሕቒ ጠንጢኑ
ምሉእ ህላወኡ
ንገጸ-በረኸት ቋጺሩ
ቊልቊል ተዓዚሩ።
3
ኸላ
ግን ከኣ ነታ ዘየላ
ከምጽኣ ዝተኣከበ
ዝሓዞ ገጸ-በረኸት
ልዕሊ ዕጣን
ልዕሊ ጃዊ
ልዕሊ ኸርበ
ምሉእ ነብሱ
ምስታ እንኮ ትንፋሱ
ንኣዳም ዝጠፍጠፈ
ካልኣይ ከምዘይመልሶ
ኣዳዕዲዑ እናፈለጠ
ብንእሱ
ብርሕሱ
ብትርኩሱ
ገና ብልምሉሙ
ተበገሰ
ነብሱ ኣብ ኣፍ ሞት ሎጒሙ።
4
ብዘይብኣኣ ምንባር
ባዶ ስለዝኾኖ
ዝሓልፍ ሓጋይን ክረምትን
ምቚጻር
ቅድሚ ሓመድ ምዃንካ
ሓመድ ኴንካ ምንባር
ክሪ ስቓይ ቃኒኻ
ብህርመት
ዘይነጽፍ እህህታ ምዝማር
ስለዝኾኖ
ምእንታኣ
ምእንቲ’ታ ንሱ ዝብላ ኣነ
ገድሊ ኡፍ ናበለ ኣናኺሱ
ነብሱ ወሲኹ ናጒሃረ
ትኪ ስቓይ ‘ናተዓጥነ
መገዳ ዝሕብር
ኣብዘይብሉ ሓደ
ናይ እግራ ኣሰር
ኣብዘይርከቦ ደድሕሪኣ ዝኸደ
ትንፋሱ ፈቐድኡ ‘ናዘረወ
ከምጽኣ ነጐደ።
5
ኣብዚኣ ትሃሉ
ጥቓ ኣፍንጫኡ
ራሕቂ ትሸዃዕ
ንሰማይ ሰማዩ ኪንኡ
በርባዕተኡ መኣዝን
ብየማንን ጸጋምን
ብቕድሚትን ድሕሪትን
ብብራኸን ዕምቘትን
ካብዚ ኹሉ ወጻኢ
እንተሎ
ኣብኡ ተላ’ውን
ልዕሊ ላዕሊ
ተሎ ቁመት
ትሕቲ ውሽጢ
ተሎ ዕምቘት
ከይጸብጸበ
ናይ ግዜን ቦታን እመቱ
ይቕረብ ይርሓቕ ሰዓቱ
መዓልቱ
ዓመቱ
ተመጢጡ
ዘመን’ውን ይኹን ንውሓቱ።
6
ካብቲ ዘላቶ መዓሙቚ
ናይ ዘይምህላው ጽፍሒ
ከውጽኣ ገሊሉ
ደም ምስ ደም ጸንቢሩ
ትንፋስ ምስ ትንፋስ ቋጺሩ
ዓጽሚ ምስ ዓጽሚ ደርዲሩ
ምስ ጸዋግ መሬት ተፋጠጠ
ምስ ጸዋግ ጸላኢ ተፋጠጠ
ምስ ጸዋግ ዓረር ተፋጠጠ
ምስ ጸዋግ ናብራ ተፋጠጠ
ኣብኡ ተኣሊኹ
ተደሊኹ ተላዕጠጠ።
7
ነታ ኸላ ዘየላ
እትድለ ዘላ
ብዓይኒ መርፍእ
ከሕልፍ ክደፍእ
ኣይሂ ሽግር
ኣይሂ ስቓይ
ኣይሂ መከራ ናወቐሮ
ዓጽመ-ስግኡ ናባሕጐጐ
ግሒጡ ናፈገሮ
ንጽምኢ ማይ
ጽምኢ ናሰተየ
ናንቈርቈረሉ
ከብዱ ምስ ጥሜት
ጥሜት ምስ ከብዱ
ከም ማይን ጸባን ጸንቢሩ
ኣዛሚዱ።
ከም ጨው ኣብ ማይ
ከም ማይ ኣብ ጸሓይ
ናሓቐቐ
ናሃፈፈ
ትማሊ ዓንተቦ
ሕጂ ሎሚ ንዝወደቐ
በቲ ዝድለ ዘሎ
ሓመድ ናቐበረ
ናብኣ ናደቕደቐ
ናቱውን ግደኡ
ጽባሕ ምዃና ሒዙ ኣብኢዱ
ንሞት
ህይወቱ የአንግዳ ናበለ
“ንሃገር ምማት
ልዕሊ’ቲ ምቁር ዝመቀረ።”
ሃይለ ቢዘን
ብድሕሪ ማዕጾ (2008)