ብጸጋይ መሓሪ ( ተመርዖ)
ናይ ካልእ ኣይፈልጥን፡ ኣነ ግን ነዛ ዳስ ሳልስቲ ዝምንውሓ ሓጻር ህይወት ፥ ሓቂ መስኪረ፡ ጭውያት ደቂ ሃገረይ ዘኪረ፡ ሃለዋቶም ሓቲተን መጭወይቶም መስኪረን ክሓልፍ’የ ዝደሊ።
ስለዝዀንኩ ድማ ንዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ብዛዕባ መጭወይተይን መጭወይቲ ደቂ ሃገረይን ክምስክር ኣሕሊፈዮ ኣለኹ። ስለዝዀነ ድማ እንሆ ሕጂ’ውን እቲ ልሉይን ተዘካርን ኣብዚ እዋን እዚ ግን ተረሲዑን ተጨውዩን ዘሎ ክኢላ ጸሓፊ ልቢ ወለድ ትግርኛ ቢኒያም ፍስሃጼን ኣበይ ኣሎ እብል ኣለኹ። ቢኒያም ፍስሃጽዮን ኣበይ ተጨወየ’ቢለ እሓትት ኣለኹ። እወ፣ ኣብ 2020 በቲ ምጭዋይ ዜጋታትና ቀንዲ ዝሞያኡ ስርዓት ዓድና ካብ ዝጭወ ኣበይን ከመይን ኣሎ እብል ኣለኹ።
እንተ ዝኽእል ኣብቲ ተጨውይሉ ዘሎ ጐዳጉዲ ፈሊጠ መዝሒቐ ከውጽኦ ምደለኹ ግን ኣይክእልን። ሓደ ነገር ግን እኽእል’የ። ክሓተሉ፡ ክዝክሮን መጭወይቱ ክምስክርን እኽእል’የ። እንሆ እምብኣር እቲ ዝነበረ ኣበይ ኣሎ እብል ኣለኹ።
ገሊኡ ሰብ ንጭዉያትን እሱራትን ምዝካሮም እንታይ ይዓብስ ዝብል ኣይስኣንን’ዩ። ኣነ ግን እብል ኣለኹ ጭዉያትን እሱራትን ክዝከሩ፡ ክምስከረሎምን ክሕተተሎምን እንከሎ እግዝኣቢሄር ብዝፈቕዶ መገዲ ከም ዝበጽሖም ስለዝኣምንን ናይዚ ምስክርን ስለዝዀንኩ ብመንጽር ሞራሎምን ተስፋኦምን’የ ዝዕቅኖ።
ኣብ ማእከል ጸልማት ብርሃናት ስለ ዘለዉ እዚ ብርሃን ምዝካርን ምምስካርን ከም ዝበጽሖም እኣምን። ካብኡ ሓሊፉ ግን ክንዝከር፡ክምስከረልናን ክሕተተልናን እንከሎ ነብስና ውን ይነግረና’ዩ። ቢኒያም ፍስሃጽየን ባዕሉ ኣብ ሓንቲ ካብ ተኸታታሊት ልቢ ወለዳቱ ” ነብስና ኣይሕሱን እምበር ይንግረና’ዩ” ብምባል ጽሒፉ ነይሩ።
ንጭዉያት ምዝካር፡ ምሕታትን ምምስካርን ግን ኪኖ እዚ ዝኸደ ዕሞቆት ውን ኣለዎ። ” ነቶም እሱራት ከም መተኣስርቶም ኰይንኩም መከራ ጽገቡ” ይብል እቲ ርእሰ መጻሕፍቲ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ። ካብተን ሹዱሽተ ቃላት ወንጌል እንብለን’ውን ” ተኣሲረ በጺሕኩምኒን እግዝኣቢሄር ይፍታሕካ ኢልኩምንን ዶ፧ ” እትብል ዘይትሓልፍ ቃል ‘ያ። ኣብ መጽሓፍ ቁርኣን’ውን ብዕምቆት ዶ ኣይፍለጦ እምበር ምእንቲ ዓባስ ኣፍካ ክፈት ዝብል ምዝኽኻር ከም ዝህሉስ እግምቶ’የ።
ኣብዚ ጾም ኣርብዓን ጾም ሮሞዳንን ኣብ ሓደ እዋን ሒዝናሉ ዘለና ወርሓት ሓደ ካብቲ ብዙሕ ንእግዚኣብሄር ከሕጉሶ ዝኽእል ዝብሎ ኣነ ኣፍ ዕቡሳት ምዃንን ንዝተጨነቑ ስድራቤታት ጭዉያትን እሱራትን ምጽንናዕ’ዩ። እሞኸ ኣበይ ኣለና፧ እሞኸ ከመይ ኣለና ኣብዚ መዳይ’ዚ፧
ካብዚ መንጽር’ዚ ተበጊሰ ኣገዳነት ንዝተጨውዩ ክንሓተሎም፡ ክንምስክረሎምን ክንዝክሮምን ምኽኣል ኪኖ እቲ ብላዕሊ ከም ላህመት ጥራይ እንሓስቦን እንበጽሖን’ዩ እብል ኣለኹ። ቀንዲ ዕላማ እቲ ዝጨዊ ስርዓት ዝተጨውዩን ዝተኣሰሩን ዜጋታት ህዝቢ ንኸይዝክሮም ብቐትርን ብለይትን ከም ዝሰርሕ ምዝካሩ ድማ ኣገዳሲ’ዩ። ቃልስና ኣንጻር ምርሳዕ ክኸውን እንተ ኽኢሉ ዕምቆት ቃልስና ዓሚቕ’ዩ ዝኸውን።
ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ኣብ ሃገርና ዜሮ ብምዃኑ ኣብ 2009 ኣነን ካልኦት 25 ምሳይ ዝተጨውዩ ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን ምስ ተጨወና ፡ ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ ማለት RSF ዘኪረሙኹም፡ ኣብ ፈረንሳ ዝመደበራ ራድዮ ኤረና ኣሽማትኩም ጸዊዓቶ፡ ኮሚተ ተጣባቒ ጋዜጠኛታት ማለት CPJ ሓቲትልኩም ክንሰምዕ እንከለና ተስፋና በሪኹ ሞራልና ሓፍ ይብል ነይሩ። ከም ወግዓውያን ጭዉያት ምፍላጥና’ውን ብውሕዱ ገለ ውሕስነት ይፈጥረልና ነይሩ።
ካብኡ ሓሊፉ ውን ብፍሉይ ዝዝክሮ ንዓይ ናይ ስነ ጽሑፍ መምህረይ ዝዀነ መምህር መኰነን ተስፋይ ብዛዕባኹም ጽሒፉን ዘኪርኩምን ምስ ሰማዕኩ ክብሪ ክስምዓንን ” ለካ ዝሓቱልና ኣለው” ብምባል ከም ዘይተረሳዕናን ምፍላጥና ነቲ ጸላም ሸላታት ማይስርዋ ብብርሃን እዚ ተስፋ ክንቀዶ እዝክር።ስለዚ ‘ዩ እምብኣር ኣነን ከምዚ ከማይ ብቀጥታ እቲ መከራ መጭወይቲ ዝበጽሓና ንቢኒያም ክንሓተሉ፡ ክንዝክሮን ክንምስክረሉን እንከለና ትርጉም ዓሚቑ ኣገዳስነቱ በሪኽ ዝኸውን።
ኣብታ ካብተን ሳላሳ ኣድማሳውያን ሰብኣዊ መሰላት ወዲ ሰብ ተባሂለን ኣብ ከብሒ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተቐሚጠን ዘለዋ ዓንቀጻት ሃገርና ሓንቲ ዓንቀጽ’ውን ከተተግብር ካብ ዘይትኽእል እንሆ ዓሰርተታት ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። እዚ ሓቂ’ዚ ነተን ዓንቀጻት ብምንባብን ህልው ህይወት ህዝብና ብምርኣይን ማንም ክሓስብን ከገናዝብን ዝኽእል ሰብ ክምስክሮ ዝኽእል’ዩ።
ካብዚ ሕልፍ ዝበለ ድማ ሃገርና ብመሰረት ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ነጻነት ፕረስን ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነትን መሰረት ገይሩ ዓመታዊ ዝወጽእ ተርታ ሃገራት ዝበዝሕ እዋን ካብ 180 ሃገራት መወዳእታ ተርታ ማለት መበል 180’ያ እትኸውን። ሕልፍ ሕልፍ ኢሉ ድማ ካብ መበል 178 ክሳብ መበል 179 ዘሎ ተርታታት ትሕዝ። ናይ 2024 ተርታኣ ምስ እንርኢ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መበል 180 ተርታ ተሰሪዓ ንረኽባ። ብተወሳኺ ብመሰረት ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ዓለም እታ ዝነውሐ ዓመታት ንልዕሊ 23 ዓመታት ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ተጨውዮማ ዘለዉ ሃገር ምዃና ንርኢ።
በዚ መንጽር ንሕና እቶም ኣብ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ዘለወን ሃገራት ምዕራብን እንነብር ሰባት ንመጭወይቲ ቢንያም ፍስሃጽዮንን ካልኦት ዜጋታትና ድምጺ ምዃንን ” ኣበይ ኣለው፧” ኢልካ ምሕታትን ክንዲ ፍረ ኣድሪ ካብቲ ብዙሕ ክንገብረሎም ዝነበረና’ዩ።
ምእሳር ነውሪ’ዩ ኣይኰንኩን ዝብል ዘለኹ። ፍትሒ ኣልቦ ጭውያን እሱርቤትን ዜጋታትን ግን ሰብን እግዝኣቢሄርን ዘይቅበልዎ ካብ ነውሪ’ውን ዝሓለፈ’ዩ እብል ኣለኹ።
ኣነ ፍቕርን ኣኽብሮት ጭዉያትን ውጹዓትን ደቂ ሃገረይ እምበር ጽልኣት ናይቲ ዝጨወዮም ስርዓት ኣይኰነን ዘጽሕፈኒ። ምኽንያቱ ከምቲ ብህሎ ኣፍሪቃዊ ኣሚሪካዊ መዳርን ናይ ሓርነት ደቂ ሰባት ተቓላስን ዶክተር ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝበሎ መወዳእትኡስ ስቕታ ጭዉያት ደቂ ሃገረይ እምበር ቃላትን ጫውጫታን ንፍትሒ ዝጸልኡ ጸላእቲ ህዝበይ ኣይዝክርን ።
ናይ ሃገርና ነጻ ፕረስን ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነትን ኣብ 1996 ተወሊዱ ኣብ 2001 ኣብ ዓድና ብዘሎ ስርዓት ተጨውዩ ድሕሪ ምቕታሉ ብዘይካ እቶም ኣብ ዒራዒሮ ንልዕሊ 23 ዓመታት ተጨውዮም ዘለዉ ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን ክሳብ 19 ለካቲት 2009 ኣነን ካልኦት 25 ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን ናብ ቤት ጭውያ ማይስርዋ እንጭወ፡ ብደረጃ ውልቀ ሰባት መጭወይቲ ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን’ዩ። ብዙሕ ሰብ ተጨውዩ ከም ዘሎ ዘይዝክሮ ከም ኣብነት ካርቶኒስት ኮብራ’ዩ። ኣብ 2010 ኣቢሉ ምስ ተጨውየ ደሃይ ዘይብሉ ዜጋ’ዩ።

[ስእሊ መመረቅታ ቢንያም ፍስሓጽዮን]
እንሆ እቲ ሸውሃት ንባብ ኣንበብቲ ልቢ ወለድ ደቂ ሃገረና ሰማይ ዘዕረገ ልሉይ ተውህቦ ስነ ጽሑፍ ዘለዎ ቢኒያም ፍስሃጽዮን ኣብ 2020 ካብ ዝጭወ ሓሙሽተ ዓመታት ተመርቂፉ። ቢኒያም ከም ዜጋ ጥራይ ዘይኰነስ ከም ጸሓፊ፡ ጋዜጠኛ፡ ናይ ፊልም ጽሑፍ ጸሓፍን ተዋሳእን ንሃገሩን ህዝቡን ከበርክቶ ዝኽእል ዝነበረ ኣበርክቶ ኣዝዩ ዓቢ ነይሩ።
ብዛዕባ ክኢላ ጸሓፊ ልቢ ወለድ ቢኒያም ፍስሃጽየን ዓንቀጽ ከዳሉ ምስ ሓሰብኩ መሳርሕቱን ናይ ቀረባ ፈለጥቱን ክሓትት ኣብ ዝተበገስኩሉ ቢኒያም ኣዝዩ ናይ ምውሳእ ተውህቦ ውን ዝነበሮ ምንባሩን ኣብ ከም ዶምተራ ፡ ጓል እንተትዀነለይ፡ ቬሎ ዝተሰመያ ፊልምታትን ኣብ ከም ናጤባ ዝተሰምየት ናይ መድረኽ ድራማ ዘርኣዮ ብቕዓት ምውሳእ ኣፍ ኣውጺኡ ከም ዝመስከረሉን ይገልጹ። ኣብ ስርሑ ፡ ብፍላይ ውን ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ክሳብ ምክትል ኣሰናዳኢ ኰይኑ ይሰርሐሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ብቅንዕናን ንሓቂ እናቖመን ይሰርሕ ከም ዝነበረ ይምስክሩ።
እሞ ነዚ ቢኒያም እዝስ ምምስካር ዶ ይበዝሖ! እሞ ነዚ ከምዚ ዓይነት ዜጋስ ኣበይ ኣሎ ኢልካ ምሕታት ዶ ይበዝሖ! እሞ ነዚ ቢኒያም እዝስ ፍትሒ ይውጽኣሉ ገበን እንተለዎ ናብ ፍርዲ ይቕረብ ምባል ዶ ዓቢ ነገር ኰይኑ’ዩ! ኣይፋሉን። ኣይዓብዮን። ዓቢ ነገር ውን ኣይኰነን። ሕጅን ኣብዚን ብዘለኒ ዓቕሚ ክምስክረሉ፡ ክዝክሮን ክሓተሉን ጥራይ ይኽእል ምዃነይ ዘይዕግበት እና ተሰምዓኒ እንሆ እታ ዝንኣሰት ይገብረሉ። ኣበይ ኣሎ ቢኒያም ‘ቢለ እሓትት ኣለኹ። ነቲ ስርዓት ዘይኰነስ ንህዝቢ!
ኣብ 2020 ቢኒያም ክጭወ እንከሎ ግን በይኑ ኣይኰነን ተጨውዩ። ከምቲ ንሕና ክንጨወ እንከለናን ኣብ 2001 ጸሓፍትናን ጋዜጠኛታትን ብብዝሒ ወይ ብጉጅለ ክንጭወ እንከለና ህዝብን ዓለም ዝፈለጠቶ ስለዘይተፈልጠ’ዩ እምበር ሓደ ካብቶም ተዘከርትን ልሉያትን ናይ ደረቕ ስእሊ ሰኣልቲ ዝዀነ ሰኣላይ የማነ ዓንደብርሃን ‘ውን ምስ ቢኒያም’ዩ ተጨውዩ።
ሰኣላይ የማነ ዓንደብርሃን ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ኣስመራ ተራኺብና ንሓጻር ግዜ ከነዕልል እዝክሮ። ትሑትን ህዱእን ሰብ ምዃኑ ኣብታ ሓጻር ህሞት እዝክር። የማነ ዓንደብርሃን ከም ሰኣላይ መን ነበረ ዝብል ሕቶ ምስ ኣልዓልኩ ድማ የማን ብፍሉይ ዝዝክረሉ ኣብ 1991 እታ ናጽነታ ዝተሓድገት ናጽነት ምስ መጽአት ካብቶም ኣብ ጐደናታት ወጺኡ ኣዝዩ ብዙሕ ስእልታት ዝሰነደን ድሒሩ ውን ነቲ ሽዑ ዝሰነዶ ስእልታት ከም ምርኢት ንህዝቢ ኣቕሪብዎ ከም ዝነበረ ብቀረባ ንየማን ዓንደብርሃን ዝፈልጥዎ ይምስክርሉ። ድሒሩ ድማ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ከም ሰኣላይ ደረቕ ስእልታት ኰይኑ ከም ዝዓየየ ደጊሞም እምስክርሉ።
በዚ መንጽር የማነ፡ ነቲ ተባዕ ተጋዳላይ ሰኣላይ ስዩም ጸሃየ የዘኻኽረኒ። ብመሰረት ሰኣላይ የማነ ዓንደብርሃን ብኣንደበቱ ኣብ ኤሪኤክስፕረስ ዝብሃል ናይ ዩትዩብ ቻነል ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ከም ዝገለጾ ኣብ ሞያ ስእሊ ንልዕሊ ኣርብዓ ዓመታት ከም ዝዓየየ ይጠቅስ።
ኣብዚ ቃለ መሕተቱ ንዓይ ዝዓጀበኒ ድማ ወትሃደራዊ ታዕሊም ከይቀመሰ ኣብቲ ክልተ ሓለውቲ መናብሮም ዝወልዕዎ ” ዶባዊ ኲናት” ዝተሰምየ ደሓር ግን ክልቲኦም እቶም ሓለውቲ መንበሮም ናይ ዶብ ኲናት ከም ዘይነበረ ዝመስከሩሉ፡ የማነ ኣብ ግንባራት ከይዱ ክስእልን ክስንድን ከም ዝተላእከ ይገልጽ። የማነ ወተሃደራዊ ታዕሊም ከይቀስመ ናብ ኲናት ካሜርኡ ሒዙ ዝወፈረ ሰኣላይ ነይሩ።

[የማነ ዓንደብርሃን ኣብ ግዜ ዶባዊ ኩናት ኤርትራን ኢትዮጵያን]
ከም ሰብ ድማ ትሑትን ኣፍቃሪ ሞያኡ ምንባሩ እገልጹ። የማነ ዓንደብርሃን ክጭወ እንከሎ ጀሚሩ ኣሰካፊ ውሽጣዊ ሕማማት ስለዝነበሮ መጨወይቱ ዝያዳ ኣሻቓሊ ከም ዝገብሮ ድማ ወሲኾም ይምስክሩ። እሞ ነዚ የማነ እዚ ዶ ምዝካሩ ይዓብዮ! እሞ ነዚ ከምዚ ዝበለ ኣፍራዪ ዜጋ ዶ ” ኣበይ ተሰወረ፧” ቢልካ ምሕታት ዓቢ ነገር’ዩ! እሞ ነዚ የማነ እዚ ዶ ሃለዋቱን ኩነታት ጥዕንኡን ምሕታትን ምዝካርን ዘነይት ነገር ኰይኑ!
ኣይፋል! ፍጹም ዓቢ ነገር ኣይኰነን። ንየማነ ውን ይንእሶ እምበር ኣይዓብዮን። ግናኸ ኣነ ከም ምስክር ጭውያት ደቂ ሃገረይ ኣብዚ መድረኽን እዚን ግዜን እታ ዝንኣሰት ንየማነን ቢኒያምን ካልኦት ኣሻሓት ጭዉያት ደቂ ሃገረይ ክገብረሎም ዝኽእል ክዝክሮም፡ ክምስክረሎምን “ኣበይ ኣለው፧” ቢልና ንሕተት ኢለ ንህዝቢ ከዘኻኽርን ጥራይ ‘የ ዝኽእል።
ልዕሊ ጸሓፊ ንዝተጨውየ ጸሓፊ መን ክምስክረሉን ድምጺ ክዀኖን ይግባእ! ልዕሊ ጋዜጠኛ ንዝተጨውየ ጋዜጠኛ መን ክዝክሮን ክምስክረሉን ይግባእ!
ልዕሊ ሰብ ንዝተጨውየን ዝተዓመጸን ሰብ መን ክቖመሉ ይኽእልን ይግባእን! እዚ ሕቶ ፡ ሕቶ ንኹልና’ዩ። መልሱ ድማ ኣብ ገጻት ሕልና ነፍሲ ወከፍና ተጻሒፉ ኣሎ። እንኮስ ንገጻት ሕላናን ዘንብብ ዓይነ ልቦና ጥራይ ይሃልወና።
***
ነዚ ጽሑፍ ብድምጺ ንምስምዑ ኣብዚ ሊንክ ERIPM ኣቲኻ ምስምዑ ይክኣል።
***
# መሰንይታ ስእልታት፡ ናይ ቢኒያም ፍስሃጽዮን ካብ ገጻት ፈይስቡክ ናይ ቢንያም
# መሰነይታ ስእሊ የማንን ኣብ 1991 ” ናጽነት ባዕሉ የማነ ዝስኣሎ ስእልታትን ካብ ብፈለጥቱ
# ስእልታትን ካርቱንን ቢኒያም ሰለሙን ኮብራ ድማ ካብ ገጻት ፈይስቡክ
***
