ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል*
ንኽእሰሩ (ወይ ብእሩም ኣዘራርባ ኣብ ቤት ንኽሕየሩ ዝገበሮም) ጠንቂ እንታይ ነበረ? ዝምድና መንግስቲ ኤርትራን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያንን’ከ ኣብቲ ጉዳይ ከመይ ከመይ ጌርካ’ዩ ክግለጽ ዝከኣል? ናይ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ስልጣን ምውራድ፣ ፖሊቲካዊ ጥራይ ድዩ ወይስ ሃይማኖታዊ ዛዕባ’ውን ኣለዎ? ንምዃኑ ኣቡነ እንጦንዮስ ከም ሰብ ብኸመይ ይዝከሩ? ዝብሉ ሓሳባት ሒዝና ኢና ሰለይ ክንብል።
ንፈላሲ “ኣባ”፣ ንጳጳስን ሊቀ-ጳጳስን “ብጹእ ኣቡነ” ንፓትርያርክ ድማ “ቅዱስ ኣቡነ” ዝብል ቅጽል ኣቐዲምካ’ዩ ዝስመ። ነቶም ፓትርያርካት ግን ነቲ ናይ ጵጵስናኦም ብጽእና’ውን ክንሓድገሎም ስለዘይንደሊ፣ (ሓደው ንሳቶም ስለዘይደልዩ’ውን ክኸውን ይኽእል’ዩ) “ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ” ኢልና ከም እንጽውዖም ክንፈልጦ፣ ኣብ ምርዳእ እዚ ጽሑፍ’ዚ ሓጋዚ ተራ ክህሉዎ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ።
ናፍቖት ዘኪርኩም “እቶም ዝናፈቑ” ዝብል እንተ’ንቢብኩም፡ ክልተ ነገር ክትዝክሩ ኢኹም። ንሶም እቶም ኣብ ገዛእ ዓዶም ክንሶም ህዝቦምን ቤተ-ክርስቲያኖምን ዝናፈቑ፣ ሳልሳይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ- ክርስቲያን ዘኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ። ኣብቲ “ዝናፈቑ” ዝብል ቃል፣ ነቲ ’ና’ ዝብል ፊደል ኣጥቢቕኩም እንተ’ንቢብኩሞ ድማ፡ ንሶም እቶም ንሕና እንናፍቖም፣ (እቶም ዝ’ናፈቑ) ዝብል ትረኽቡ። እቲ ሳልሳይ ግን ፍልይ ዝበለን ነዚ ጽሑፍ’ዚ ንኽዳሎ፡ ምናልባት እቲ ደራኺ ዝኾነን፡ ፍሉይ ኣበሃህላ እዩ፤ ንሶም እቶም ኣቦ፣ ያኢ ኣብ ሃይማኖታዊ እምነቶም ናይ ምጥርጣር ኵነት ዘርኣዩ (መናፍቕ ዝኾኑ፣ በዚ ናይዚ ዘመን ቋንቋ መንእሰያት ዝናፈቑ) ዝብል ሓድሽ ብሂል እዩ። ናብ ውሽጢ እቲ ዛዕባ እምበኣር ንእቶ።
ሰኑይ 18 ሓምለ 2005 ሰዓት 10 ቅድሚ ቀትሪ፡ ቦታ ፍጻመ፣ ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ኣስመራ። ፓትርያርክ እንጦንዮስ ዘይጸውዕዎን ዘይተዓደሙሉን ኣኼባ ኣባላት ሲኖዶስ ተገብረ። ኣብዚ ኣኼባ’ዚ፡ ካብ ሸሞንተ እቶም ሽዱሽተ ጳጳሳት ዝፈረሙሉ ነጥበ መቐይሮኣዊ ዝኾነ ውሳነ ድማ ተወስደ፤ “ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብዘይካ ብጸሎትን ቡራኬን ካብ ዝኾነ ይኹን ንጥፈታት ምሕደራ ቤተክርስቲያን ክግለሉ” ዝሕብር፣ ሽዱሽተ ዛዕባ ዝርዝር ትሕዝቶ ዘለዎ ውሳነ። ንቐዳሙ 23 ሓምለ 2005፣ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ክልተ ገጽ ዘለዎ ናይ መልሲ ደብዳቤ ጸሓፉ። ፋዕራኡ ዝገበረ ግን ኣይተረኽበን። ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ ኣመሓዳሪ እቲ ቤተክርስቲያን ዝነበረ ኣቶ ዮፍታሄ ዲሜጥሮስ ዝመርሖ ልኡኽ ሲኖዶስ ኤርትራ፡ ንሰኑዩ 25 ሓምለ 2005 ናብ ግብጺ ብምብራር ነገራት ከም ዝኸርር ገበረ። ዕላማ እቲ መገሻ ንፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ስልጣን ንምእላዮምን ብኻልእ ንምትካኦም ድማ ሕጋዊ ሰረት ንምንጻፍን ነበረ።
ዘይከም ትጽቢት እቲ ምሽብሻብን እቲ ላዕልን ታሕትን ምባልን ግን፣ ብወገን ግብጺን ካልኦት ኣብያተ-ክርስቲያናትን እቲ ሓሳብ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ስለዚ ድማ ዓርቢ 13 ጥሪ 2006፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ብምስጢር ተኣኪቡ፡ ንፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ስልጣን ብምልኣት ኣለዮም። እዚ ውሳነ እዚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ብረድዮ ድምጺ-ሓፋሽ፣ ኣማስያኡ ድማ ብኤረ-ቲቪ ተቓልሐ። ካብታ ዕለት እቲኣ ኣትሒዞም ከኣ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብመንግስቲ ካብ ዝተላእኩ ኣባላት ጸጥታን ፖሊስን ኣብ ትሕቲ ከቢድ ሓለዋን ጥቡቕ ምክትታልን ኣተዉ።
ኣብ ዓመቱ፡ ብ20 ጥሪ 2007–ቀዳም መዓልቲ–ክልተ ካህናትን ገለ ኣባላት ጸጥታን ዝርከቡዎም፡ ናብ መንበሪ ገዛ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብምእታው፡ ነቲ ናይ ፓትርያርክነት ልብሰ-ተክህኖ ወሰዱዎ። ሰንበት 27 ግንቦት 2007 ድማ ሚኒስተራትን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም (ቤተ-ክርስቲያን እንዳ ማርያም ኣስመራ) ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ዝበሃሉ፣ ናይ መንበረ መንደፈራ ጳጳስ፡ ራብዓይ ፓትርያርክ ንምዃን፣ ናብ መንበረ ስልጣን ምድያቦም ዝሕብር ስርዓተ-ጽምብል ተገብረ።
ናይታ ቤተ-ክርስቲያን ውሉደ ክህነትን ምእመናን (ካህናት፡ ዲያቆናት መምህራን ወዘተ) ኣብ ክልተ፡ ጸኒሖም ድማ ኣብ ሰለስተ ተመቕሉ- ነቲ ምውራድ ዝድግፉ፣ ነቲ ምውራድ ዝቃወሙን። ኣይ ኣብቲ ኣይ ኣብዚ፣ ምስ ግብጺ ሓደው ምስ ኢትዮጵያ’ኳ ይሕሸና ዝብሉን ኰይኖም ከኣ ተጐዛዘዩን ጐዛዘዩን። ክሳዕ ለይተ ሎሚ ከኣ ብኸምዚ ይቕጽል ኣሎ። ላዕለ-ላዕሊ ናይቲ ህሉው ኩነታት ብድብዱቡ ነዚ’ዩ ዝመስል። ነቲ መሰረታዊ ጠንቂ ንምልላይ ግን ብርግጽ ኣዕሚቝካ ምዅዓትን ምፍሓርን ከድሊ’ዩ።
ምናልባሽ ዝሰፍሐ ርድኢት መታን ክንሕዝን ብቐንዱ’ውን ነቲ ብተናጸል ደጋጊሙ ዝቈናጨል ዛንታ ንምስናዱን ምልስ ኢልና ብታሪኽ ህይወቶም ክንጅምር።
ሓጺር ታሪኽ ህይወት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ

ገና ካብ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ዕድመኦም ሒዞም እዮም ወዲ ገዳም ኰይኖም ዓብዮም። ገዳም ካብ ዝኣትዉ ድሕሪ 62 ዓመታት፣ ላዕለዋይ ተጸዋዒን ሓላፊን ናይታ ዝነበሩዋ ገዳም ካብ ዝኾኑ ኸኣ ድሕሪ 39 ዓመታት፣ ማዕርገ ጵጵስና ተቐበሉ። ብምኽንያት እቲ ማዕርግ ስሞም ናብ እንጦንዮስ ቅድሚ ምቕያሮም፡ ወለዶም ዝሰመዩዎም ስም የማነ-ብርሃን ዝብል’ዩ ዝነበረ። ኣብነ እንጥንዮስ ካብ ኣቦኦም ቀሺ ገብረመድኅን ደብረጽዮንን ኣደኦም ወ/ሮ ኢለን ቀለታን ኣብ ዞባ ማእከል፣ ሕምብርቲ ኣብ ዝተባህለ ዓዲ ብ1927 ዓ.ም.ፈ ተወልዱ።
ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻን ምስ ኰኑ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ሰፍኣ ኣብ ዝተባህለ ዓዲ ኣብ ዝርከብ ገዳም ኣቡነ እንድርያስ፣ ካብ ንባባት ፊደል ክሳብ ናብ ማዕርገ ዲቁና ዘብጽሕ ተማሂሮም፡ ኣብ መበል 12 ዓመቶም ብብጹእ ኣቡነ ማርቆስ መዓርግ ዲቁና ተሾሙ። ብ1950 ከኣ፣ ግብረ ክህነት ተማሂሮም መዓርግ ምንኩስናን ክህነትን ለበሱ’ሞ፣ “ኣባ የማነ ብርሃን” ብልምዲ ግን “ኣባ የማነ” ብዝብል ስም ከኣ ፈላሲ ኰይኖም ኣብቲ ገዳም ነበሩ።
ኣብ ገዳም ካብ ዝኣትዉ ድሕሪ 13 ዓመታት“ ብወግዒ ፈላሲ ካብ ዝኾኑ ድማ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት“ ማለት ኣብ ዓመተ 1955 ከኣ ብኣባላት ገዳም፡ ንኣበምኔት (ኣመሓዳሪ፣ ሓላፊ ገዳም) ንምዃን ተመሪጾም፡ ናይቲ ገዳም ላዕለዋይ ተጸዋዒን ሓላፍን ኰኑ። ሓርነት ኤርትራ ምስ ተረጋገጸ፣ ጨንፈር ኢትዮጵያ ኮይና ዝጸንሐት ቤተክርስቲያን ኤርትራ፣ ብዕለት 02 ጥቅምቲ 1991፣ ግዚያዊ ሲኖዶስ ብምቛም ካብ ኢትዮጵያ ተፈልያ ርእሳ ከኣለት–ብኢደ ዋኒና። ኣባ የማነ፣ ብ19 ሰነ 1994 ብመላእ ሕዝቢ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስቲያን ኤርትራ፡ ንጳጳሳት ካብ ዝተመርጹ ሓሙሽተ ኣቦታት መነኮሳት ሓደ ኮይኖም ስለ ዝተመርጹ፡ ብግብጻዊ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ሲኖዳ፣ ብጹዕ ኣቡነ እንጦንዮስ ብዝብል ማዕርግ ማዕርገ ጵጵስና ተቐብኡ። ድሕሪ’ዚ ናይ ዞባ ማእከል ጳጳስ ኰይኖም ኣገልገሉ’ሞ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይ 1998 ድማ “ሊቀ ጳጳስ” ዝብል መዓርግ ተዋህቦም።
ካልኣይ ፓትርያርክ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ያእቆብ ምስ ሞቱ፡ ብ03 ለካቲት 2004፡ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ፓትርያርክ ክዀኑ ተመርጹ። 25 ሚያዝያ 2004 ከኣ ግብጻዊ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ፡ ምስ ሰዓብቶም ሊቃነ ጳጳሳት፡ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት፡ ኣብ ዝተሳተፉዎ፡ ኣብ ርእሰ-ኣድባራት ደብረጽዮን ቅድስት ማርያም፡ ፓትርያርክ ቤተ-ክርስቲያን ኤርትራ ኰይኖም ክሰርሑ፡ ስርዓተ ተቐብኦ ተገብረሎም። ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ድማ ገና ካብ ናይ ዞባ ማእከል ጳጳስ ከለዉ ኣትሒዞም ዘርኣዩዎ ካብ ናይ ካልኦት ጳጳሳት ፍልይ ዝበለ ንጥፈትን፡ ቤተ-ክርስቲያን ርእሳ ክኢላ ክትመሓደር ትኽእል’ያ ዝብል ንጹር መርገጽን ኣብ ጠመተ ኣእትዩዎም ስለ ዝጸንሐ ግን ብገልጠምጠምን ብኽንደይ ናይ ውረድ ደይብ ክትዓትን ሓደ ዓመት ጥራይ ምስ ሓለፈ፣ እቲ ዝተጠጅአ ነገር መዓልቲ ሓልዩ ተፈንጀረ።
ሰኑይ 18 ሓምለ 2005፣ ቤት ጽሕፈት ቅዱስ ሲኖዶስ ኣስመራ፣ “ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብዘይካ ብጸሎትን ቡራኬን ካብ ዝኾነ ይኹን ንጥፈታት ምሕደራ ቤተክርስቲያን ክግለሉ” ኣዘዘ። ዓርቢ 13 ጥሪ 2006 ድማ፣ ቅዱስ ሲኖዶስ ብምስጢር ተኣኪቡ፡ ንፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ስልጣን ብምልኣት ኣለዮም። ካብታ ዕለት እቲኣ ኣትሒዞም፣ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብመንግስቲ ካብ ዝተላእኩ ኣባላት ጸጥታን ፖሊስን ኣብ ትሕቲ ከቢድ ሓለዋን ጥቡቕ ምክትታልን ኣተዉ። ቃላትና እርም ከነብሎ፣ ኣብ ትሕቲ ናይ ቤት ማሕዩር ኣተዉ። ክሳዕ ለይተ-ሎሚ ድማ ብኸምኡ ይቕጽሉ ኣለዉ።
መንግስቲ ኤርትራን ኣቡነ እንጦንዮስን፣ “ሰብኣይ ኣይተስርሓናን’ያ”
ኣጠቓልል ኣቢልና እንተረአናዮ እቲ ናይ ዘይምስምማዕ ጠንቂ፣ “ርእስና ክንክእል፣… ኣይፋልን ተማእኪልኩም ደኣ ኪዱ” ዝብል እዩ። ገለ ደቀቕቲ ዝመስሉን ካልኦት ፍሩያትን ኣብነታትን ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፣ ሚያዝያ ዝተቐብኡስ ንሰነኡ፣ 22 ሰነ 2004 ኣብ ጻዕዳ ክርስቲያን “ጉባኤ ኣንጻር ጥንቆላን ተሓባበርቶምን’’ ብዝብል ዛዕባ፡ ላዕለዎት ኣርባዕተ ሊቃውንት ልኡኻት ቅዱስ ፓትርያርክ ዝመርሑዎ ዝምልከቶም 150 ውሉደ ክህነት ዝተሳተፍዎ ኣብ ጻዕዳ ክርስቲያን ኣካየዱ። “ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ክምእከል’የ ዝብል ጥንቍልና ይሕደግ፡ ሓደው ካብ ቤተ-ክርስቲያን ይፈለ” ዝብል ተሪር መርገጺ ዘለዎ ውሳነ ድማ ተወስደ። ገለን ተሓጕሶም ተቐበልዎ ገለን ከኣ ሓሪኖምን ሓሪቖምን–እዚ ንገለ ኣባለት ቤተ-ክህነትን ምእመናንን’ውን ዘጠቓልል’ዩ።
እታ ብ1952 ዝተመስረተት እንኮ ልሳን ቤተ ክርስቲያን ዝኾነት ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃንን ከምኡ’ውን እታ ብ1996 ዝጀመረት መጽሔት ብስራተ ግእዛንን ዳግም ምሕታም ክጅምራን ጽሑፋተን ክቕጽላን ዝብል መደብ ብሓደ መዳይ፣ ምስ ግብጻዊት ቤተክርስቲያን ብምትሕብባር መንፈሳዊ ኮሌጅ ኣብ ቅድስት ስላሴ ቤተ-ክርስቲያን ኣስመራ ክስራሕን ናይ ማህደረ ትምህርቲ ምልውዋጣት ክግበርን ዝብል ድማ በቲ ካልእ መዳይ ከኣ፣ ኣብቲ ቤተ-ክርስቲያን ርኡይ ለውጢ ንምምጻእ ምዃኑ ንጹር ኮነ። ነዚ’ውን ገለ ቤተክህነትን ምእመናን ይቃወምዎ ነበሩ። እቶም ንለውጥን ርእስኻ ክኢልካ ደው ንምባልን ዓጢቖም ዝትላዕሉ ኣቦ ግን ኣብ ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያን ተዋህዶ ንመጀመርያ ግዜ ቅብኣ-ቅዱስ (ሜሮን) ኣብ ኤርትራ ተሰሪሑ ቤተ-ክርስቲያን ተዋህዶ ተጠቃሚት ናይዚ ፍርያት’ዚ ኰይና ንኽትርከብ ኣኽኣሉ። እዝን ካልእ ምስቲ ሓፈሻዊ ንለውጢ ዝዕድም ኣከያይዳ ህይወትን ስለ ዝዘበሉ ከኣ ከም ምሕላው ማእከልነትን ተማእዚዝካ ዘይምኻድን ስለ ዝተራእየ፡ ኣብ ዓይኒ መንግስቲ ክኣትዉ ከም ዝገበሮም ብዙሓት ይሰማምዑሉ።
ነገራት በዚ ኸምዚ እናቐጸለ እንከሎ፣ ነቲ “ቃለ-ኣዋዲ” ተባሂሉ ዝስመ ቅዋም ቤተክርስቲያን፣ “መመሓየሺ ሕጊ” ተባሂሉ ኣብ ዝወጸ ካልእ ጥራዝ፣ ፈጻምን ኣፈጻምን ስራሕ ናይቲ ቤተ-ክርስቲያን፣ ፓትርያርክ ዘይኮነስ ዋና-ጸሓፊ እዩ ዝብል ዓንቀጽ ስለ ዘስፈረን፡ ኵሉ እቲ ምምሕዳራዊ ሓላፍነት ከኣ ናብ ዋና ጸሓፊ ጥራይ ክጥቕለል ስለ ዝገበረን ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ነቲ ዝወጸ መመሓየሺ ሕጊ ደው ክብልን ኣብ መዓላ ከይውዕልን ወገዙ። ዋና ጸሓፊ ማለት እቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋህዶ ከም ሓገዝ ዝተዋህበ፡ ኣቶ ዮፍታሄ ቀሺ ዲሜጥሮስ ማለት’ዩ። ነዚ መመሓየሺ ሕጊ ምንጻግ ማለት እምበኣር፡ ንኣሰራርሓ እቲ መንግስቲ ምቅዋም ማለት ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ምትፍናን ሰማይ ኣዕረጎ።
ካልእ ብቐንዱ ሕቶ መንእሰያትን ትምህርቲ ሰንበትን እዩ። መንግስቲ፡ መንእሰያት ደለየ፡ ቤተ-ክርስቲያን ከኣ መንእሰያት ደለየት። እቲ ዝነበረ ናይ ትምህርቲ ሰንበት ዕድላት ንብዙሓት መንእሰያት ሰሓቢ ብዝዀነ መገዲ፣ ትምህርቲ ክህብን መደባት ከሰርዕን ጀሚሩስ፡ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ደይቡ ነበረ። ኣብ ቤተ-ክስርቲያን መካነ ህይወት ሆስፒታል ኣስመራ ጥራይ ንኣብነት ክሳዕ 3000 ዝኣኽሉ መንእሰያት ብጥርኑፍን ጽፉፍን ትምህርቶም ይከታተሉን ቤተ-ክርስቲያን ይመላለሱን ከም ዝነበሩ፡ እቲ ጽልዋታት ድማ ኪንዮ ኣስመራ ሓሊፉስ ኣብ ብዙሓት ከተማታት’ውን ምስፋሑ ግሁድ ኰነ። እዚ ለውጢ እዚ ብገለ ኣባላት ቤተክህነት ኰነ ምእመናን ፍንፉን ኰይኑ ተረኽበ። ነዚ ከኣ እቲ መንግስቲ ይፈልጦ ነበረ። ነዚ ናይ መንእሰያትን ትምህርቲ ሰንበትን ጉዳይ፣ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ንምድኻሙ ተፈቲኑ (ንኣብነት እቲ ኣብ እንዳ ስላሴን እንዳማርያምን ዘገጠመ ምንዳድ መጽሓፍ ቅዱስን ናይ መዘምራን ልብስን) ወዘተ ምስላጥ ምስ ኣበየ፣ “ዕጸውዎ” ዝብል ቀጥታዊ ትእዛዝ ናብ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ መጸ። ኣቡነ እንጦንዮስ ግን ኣቕበጹ። “ቤተ-ክርስትያን ክኸፍት እምበር፣ ዝተኸፍተ ክዓጹ ኣይኰንኩን መንበር ተረኪበ” ዝብል ውዱእ መልሲ ሂቦም ከኣ ዛዘሙ።
ድሕሪ’ዚ፣ ገለ ካብ ወገን ሰበ-ስልጣን መንግስቲ፡ ኢሎሞ ተባሂሉ ዝውረ ዝነበረ “ሰብኣይ ኣይተስርሓናን’ያ” ዝብል ብሂል ኣብ እዝኒ ብዙሓት ተሰምዐ። እቲ ክዕሸግን ክዕጾን ዝነበሮ ተዓሺጉ፡ እቶም መራሕቲ ከም ዝዀኑ ዝንገረሎም ካህናትን መምህራንን ተኣስሩ፣ ንቕዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ካብ ስልጣን ንምእላይ ድማ ከምቲ ልዒሉ ዝተጠቕሰ ኣሎ ዝበሃል ፈተነታት ተፈተነ። “መናፍቓን” እትብል ቃል፣ ኣብ ትግርኛ ኣትያ ቋንቋ ክሳዕ እተበላሹ፣ “ቤተ-ክርስቲያን ስዒመ’የ” ናይ ዝብል ኵሉ መጽረዪ-ኣፍ ኰነት። “ካብ መናፍቓን ተጠንቀቑ፣… እከለ መንፊቑ፣ ንሱ ደኣ መናፍቕ እንድዩ…” ወዘተ።
ብኸምዚ ኣብ መንጎ እቶም ንመሰረተ-እምነት ብዘይትንኪ ኣገባብ ለውጢ ዝቕበሉን፡ ኣብ መንጎ እቶም ፍጹም ዓቃባውያን ዝዀኑ ውሉደ ክህነትን፡ ሓድሕድ ምውቕቓስን ምንኽኻስን ኰነ። ነዚ ኸኣ እቲ መንግስቲ ኣጸቢቑ ፈለጦ እሞ ብዘይ መጠን ድማ መዝመዞ። ብዛዕባኦም ዘይርጡብ ወረታት ከም ዝላባዕ ብምግባር ድማ ብተራ ሓለፍቲ- መገዲ’ውን ተዘንጢሎም ስሞም ከም ዝለዓል ክሳብ ዝዀኑ ገበሩ። በቲ ሓደ መዳይ ግና፡ ቀዳም 07 ታሕሳስ 2013 Stephans-stiftung (መሰረተ-እስጢፋኖስ) ዝበሃል ኣብ ጀርመን ዝመደበሩ ተጣባቒ ሰብኣዊ-መሰል፡ ን3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ “ሃዋርያ ሰላም” ዝብል ናይ ክብሪ ሽልማት ክህቦም ከሎ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት 2015 ከኣ፡ መትሮፖሊታን ሊቀ ጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ግብጺ ዝመርሕዎ ጕጅለ፡ ምስቶም ኣብ ዘቤታዊ ቤተ-ማሕዩር ዝርከቡ 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ኣስመራ ተራኺቦም።
***
መወከሲታት
ታሪኽ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ፡
ዘውገ ምሁራን ይትባረክ በርሀ
ውልቃዊ ዝኽርን መዘክር
መርበብ ሓበሬታ http://www.tewahdo.org
*ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል፡ ኣብ ርእሲ’ቲ መንፈሳዊ መዓርጎም፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ በበይኑ ግዜ ከም ጋዜጠኛ ኰይኖም’ውን ሰሪሖም’ዮም። ኣባል ቦርድ ፐን ኤርትራ ዝዀኑን ሕጂ ኣብ ሃገረ-ሽወደን ዝርከቡን ቀሺ ዮናስ fr.yonas@gmail.com ብዝብል ኢመይል ምርካቦም ይከኣል።