ዓርቢ 11 ጥቅምቲ ዝጀመረ ዓመታዊ ጽምብል ዓስራይ ዓመትን፡ ዓመታዊ ኣኼባን ፐን ኤርትራ ኣብ ኦስሎ-ኖርወይ ኣብ ምቅናዕ ይርከብ። ዓርቢ ብወግዓዊ ጽምብል ዓስራይ ዓመት ምስረታኡን፡ ምዕዳል ሽልማት ዕዉት መሰል ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት 2024 ዝጀምረ ኣጋጣሚ፣ ንኹሉ ህዝቢ ክፉት ብምንባሩ ብርክት ዝበሉ ኣብ ስነጽሑፍን፡ ኣብ መሰል ምግልላጽ ናጽነት ሓሳባትን ዝግደሱ ደገፍቲ ፐን ኤርትራን ተረኺቦም። ዕዉት ሽልማት ፐን ኤርትራ 2022፡ ስነጥበበኛ ኣብራር ዑስማን ምስ መሳርሕቱ መዚቀኛታትን፡ ብውልቂ ድማ ብኽራርን ሙዚቃዊ ምርኢት ኣቕሪቡ። ዋና ጸሓፊ ፐን ኖርወይ ዮርጊን ቫትነ ፊሪነስ ኣብቲ ጽምብል ተረኺቡ ንምሕዝነት ክልተአን ፐናት ዘንጸባርቕ ቃል ኣስሚዑ። ዳይረክተር ፐን ኤርትራ ዓወት ፍስሃየ ህላወን ምዕቃብን ከም ፐን ኤርትራ ዝኣመሰላ ትካላት ምስሳን ዘለዎ ኣገዳስነት ገሊጹ። ኣብቲ ወግዓዊ ናይ መኽፈቲ ጽምብል ብቛንቋታት ትግርኛ፡ እንግሊዝናን ኖርዋይን ግጥምታት ቀሪቡ።
ዕዉት ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት 2024፡ ደራሲ ዳንኤል ሰመረ ተስፋይ ሽልማቱ ካብ ኢድ ፕረዝደንት ፐን ኖርወይ William Nygaard ተቐቢሉ። ድሕሪ’ቲ ናይ ዓርቢ ጽምብል፡ ፐን ኤርትራ ንኣባላቱ ጥራይ ዘማእከለ ኣኼባኡ ካብ 12-13 ጥቅምቲ ኣብ ምቕጻል ይርከብ።
ፐን ኤርትራ፡ ኣብ መበል 80 ዓመታዊ ጉባኤ ፐን ኢንተርናሽናል ኣብ ከተማ Bishkek Kyrgyzstan እዩ ወግዓዊ ኣፍልጦ ረኺቡ።
