ለካቲት 11 2021
ካብ መቕድም መጽሓፍ መሰረተ ልብወለዳዊ ስነ-ጽሑፍ ኤርትራ (2021) ብኣበባ ተስፋጊዮርጊስ በዓታይ ዝተወስደ
እቲ ኣብ ሓሙሳታት ተወሊዱ ኣብ ሱሳታትን ሰብዓታትን ዝዓኾኸ ልብወለዳዊ ስነ-ጽሑፍ ኤርትራ ብደቀ-ተባዕትዮ ደረስቲ ዝተዓብለለ’ዩ ነይሩ። እዚ ድማ: ነታ ኣብ መንጎ 1967-1974፡ ኣብ ስነ-ጽሑፋዊ ታሪኽ ናይ’ታ ሃገር ክልተ ልብወለዳዊ ስርሓት ዘፍረየት ደራሲት ኣበባ ተስፋጊዮርጊስ በዓታይ ከም ፈላሚት “ኣደ ሰነ-ጽሑፍ ኤርትራ” ከም ትፍለጥ ይገብራ። እዚ ኣፍልጦ’ዚ፡ ንፈላሚ ታሪኻውን ስነጥበባውን ተራ ኣበባ ተስፋጊዮርጊስ ከም ጓል ኣንስተይቲ ጸሓፊት ኣብ ኤርትራ ዘረጋግጽ ጥራሕ ኣይኮነን። ሓደ ናይ BBC ትግርኛ ጋዜጠኛ ኣስፊርዎ ከም ዘሎ፡ ኣብ ታሪኽ ስነ-ጽሑፍ ኣፍሪቃ ብሓፈሽኡ እውን፡ ጎድኒ ጎድኒ እተን ካልኦት ተመሳሳሊ ግደ ዝተጻወታ መዘናታታ ኣፍሪቃውያን ደቀንስትዮ ጸሓፍቲ ተሰሪዓ፡ ሓንቲ ካብተን ኣዴታት “ሰነ-ጽሑፍ ኣፍሪቃ” ዝብሃላ ኤርትራዊት ደራሲት ምዃና’ውን ዝምስክር ኢዩ።
* * *
እዘን ሕጂ እንደገና ተሕቲመን ንኣንበብቲ ዝቐርባ ዘለዋ ክልተ ልብ-ወለድ ታሪኻት ኣብ 60ታትን 70ታትን ዝተሓትማ ኮይነን፡ ብዛዕባ ኣብቲ እዋን’ቲ ተጋሂዶምን ዝጋሃዱን ዝነበሩ ማሕበረ-ምጣነሃብታውን ፖለቲካውን ቅልውላዋት ይትርኻ። ብፍላይ ኣብ ናይ መንእሰያት ስራሕ-ኣልቦነትን፡ ፖለቲካዎ ግድላትን ኣተኲረን ድማ ይዛረባ። እታ ቀዳመይቲ መጽሓፍ፡ ዋይ ኣነ ደቀይ! ሰኣን ምምልካት’ዶ! (1967/68)፡ ብዛንታ ብሰላም ዝናበራ ዝነበራ ቊሸታትን ማሕበረ-ሰብን ጀሚራ፡ ብሰንኪ ሕማቕ ምምሕዳር፡ እታ (ልበ-ወለዳዊ ሽም ዝተዋህባ) ሃገር ክትዓኑን፡ እቶም ዜጋታታ፡ በብቚሩብ፡ ናብ ናይ ምረትን ሕንፍሽፍሽን ናብራ ክንቆቱ እንከለውን ተርኢ። ሓይሊ ናይ’ታ መጽሓፍ፡ ዝተፈላለዩ ኣብነታትን ተረኽቦታትን ብምጥቃስ ንድኽመታት ናይ’ቲ ስርዓት ኣብ ምትንታንን፡ ብተዘዋዋሪ ይኹን’ምብር፡ ነቔፈታን ተግሳጽን ኣብ ምቕራብን ኢዩ። እንተኾነ፡ ብፍላይ ድሕሪ ግዜ ክትመዝና እንከለኻ፡ እቲ ቀንዲ ጉድለታ፡ ካብ ንድኻማት ምምሓዳር ምሕባርን “ጸጋኒ” ለውጢ ንከምጽእ ኣብቲ ሽዑ ዝገዝእ ዝነበረ “ማርሻል” ተስፋ ምንባርን ሓሊፋ፡ መተካእታ ዝኸውን ደሞክራስያዊ ራእይ ዘይምቕራባ’ዩ ክብሃል ይከኣል።
ንመን’የ ዝነግሮ? (1973/74)፡ እታ ካልኣይቲ መጽሓፍ ኣበባ ተስፋጊዮርጊስ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት እታ ቀዳመይቲ’ያ ተሓቲማ። ኣብ ውሽጢ እተን ዓመታት እቲአን ደራሲት ዘማዕበለቶ ክእለት ስነ-ጽሑፋዊ ኣተራርኻን ዝደለበቶ ፖለቲካዊ ብስለትን ድማ ተርኢ። ንመን’የ ዝነግሮ? ምስታ ቀዳመይቲ ልብወለድ ደራሲት ተመሳሳልነት ኣሎዋ። ንክልቲአን መጽሓፍቲ ዝጠምር ናይ ጽዋ ተክኒክን፡ ቴማዊ ዝምድናን ኣሎ። እንተኾነ፡ ንመን’የ ዝነግሮ? ከም ጽሕፍቲ ዝያዳ ጥምረትን ዋሕዚ ኣተራርኻን ኣለዋ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እቲ እተቕርቦ ማሕበራውን ፖለቲካውን ነቐፌታ እውን ትኩርን ንኣድላይነት መሰረታዊ መቐይሮ ኣብ ሕብረተሰብ ዝሓትትን ኢዩ። እቲ ቀንዲ ገጸ-ባህርይ ናይ’ታ ዛንታ፡ ዕጹብ ዝስሙ፡ ኣብ ዩኒቨርሲት ናይ ሕጊ ተማሃራይ ኢዩ። ንዝረኸቦ ሞያዊ ትምህርቲ ኣብ መዓላ ህዝቡ ንምውዓል ብዘለዎ ድፍኢት ተደሪኹ፡ ብዛዕባ ዝሪኦ ማሕበራዊ ግፍዕን ናቱ ጠንቂ ዝኾኑ ረቛሒታትን ብምዝርዛር ትንተና የቕርብ። ካብቲ ብዙሕ፡ ብፍላይ እቲ ንሱ ብዛዕባ መዝመዝትን ተመዝምዝትን ኣካላት ማሕበረሰብ ዘቕርቦ ትዕዝብቲ፥ ከምኡ’ውን ብዛዕባ እቲ ሽዑ ኣብ ኢትዮጵያ ወሪዱ ዝነበረ ዓቢ ናይ ጥምየት ፓንደሚክን ዝሰዓበ ጃምላዊ ህልቂት ህዝቢን ዝህቦ ስእሊ፡ ሓያልን ኣዝዩ ሓባርን’ዩ ኢዩ። ብስውር ቋንቋ ይኹን’ምበር፡ ንመን’የ ዝነግሮ? ብዛዕባ ክሳብ’ቲ እዋን’ቲ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ክጥቀስ ዘይከኣል ዝመስል ዝነበረ ብረታዊ ገድሊ ኤርትራ እውን ተውክእ ኢያ። እዚ ሓቅ’ዚ ኣብ ታሪኽ ስነ-ጽሑፍ ኤርትራ ንባዕሉ ኣገዳሲ ተርእዩ ኢዩ።
እዞም ኣብ’ዚ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለው ነጥብታት ንኩሎም ተምሳላት ናይ ኣብተን ሕጂ፡ ድሕሪ ኣስታት ሓምሳ ዓመት፡ እንደገና ተሓቲመን ንኣንበብቲ ዝቐርባ ዘሎዋ ክልተ ስርሓት ደራሲት ክትክኡ ወይ’ውን ክዓሙ ኣይክእሉን’ዮም። እዚ ርዱእ ኰይኑ ግን፡ እዞም ኣብ’ዚ ሓጺር መእተዊ’ዚ ተጠቒሶም ዘሎዉ ሓበሬታትን ገምጋማትን፡ ብፍላይ ንሓደስቲ ኣንበብቲ ስርሓታ፡ ሓገዝቲ ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም ዝብል እምነት ኣሎኒ። ብዝያዳ ከኣ፡ ኣቐዲሙ ከምዝተጠቕሰ፡ ደራሲት ኣበባ ተስፋጊዮርጊስ ፈላሚት “ኣደ ስነ-ጽሑፍ ኤርትራ”ን ብሓፈሽኡ ኣብ ታሪኽ ስነ-ጽሑፍ ደቀ ኣንስትዮ ኣፍሪቃ ግሁድ ቦታ ዘሎዋን ጥራሕ ዘይኮነትስ፡ እዘን ጽሑፋት’ዚአን ከምዝምስክርኦ፡ ብፍላይ ኣብ ምዕባሌ ቴማን ቅድን ጃንዳ ልብ-ወለድ ትግርኛ ክላሲካዊ ተራ ዘሎዋ ጸሓፊት ብምዃና፡ ተመራመርቲን ተማሃሮን ስነ-ጽሑፍ ኤርትራ ንስርሓታ ብተገዳስነትን ቀጻልነትን ከንብብዎን ክመራመርሉን ዘሎኒ ልባዊ ተስፋ፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ክገልጽ እፈቱ።
ፕሮፈሶር ግርማይ ነጋሽ (ኦሃዮ ዩኒቨርሲቲ)
እዚ ጽሑፍ ካብቲ ፕሮፈሰር ግርማይ ነጋሽ ንሓዳስ መጽሓፍ መሰረተ ልብወለዳዊ ስነ–ጽሑፍ ኤርትራ ኣመልኪቱ ዝጸሓፎ ዝተወስደ’ዩ። ምሉእ ትሕዝቶ እዚ መቕድምን ዳግም ዝተሓትማ ክልተ ቀዳሞት ልብወለድ ትግርኛ ንምንባብን ምግዛእን ኣብዚ ተወከሱ።