ይርጋኣለም ፍስሃ*
ቀዳመይቲ ንግሆ “ንመተኣስርተይ ከመይ ሓደርኩም ክብል”
ኣቶ ኣርኣያ ደፎጭ ኣብ ሚ/ት/ክ/ት/ን/ሚድያ (ሬድዮ ባና) ተሓዚ ንብረት ዝነበሩ ቀይሕ ቆማት ኣቦ’ዮም። ገርሂን ሕያዋይን ድማ! ምዱብ ስራሖም፡ ንሰራሕተኛታት ዘድሊ መሳርሒታት ቤት ጽሕፈት፡ ብሓለፍቲ ተፈቒዱ ምስ ተፈረመ፡ ኣብታ እንተላይ መኽዘን ዝዀነት ቤት ጽሕፈቶም ኰይኖም ቢሮ፡ መሕተምን መጽሓፍን ወረቓቕቲ፡ tab record… ዝኣመሰሉ ንገራት ንሰራሕተኛታት ምዕዳል’ዩ።
ብተወሳኺ ኣብቲ ኣብ ኣቀራርባ ሬድዮ ባና ዝውቱር ዝነበረ ትምህርታዊ ድራማታት ብምውሳእ ልሉይ ተራ ነበሮም። ኣብ ገጠር ናይ ዝነብር ኣቦ ጠባይ ዝድለየሉ መልእኽቲ ምስ ዝህሉ፡ ብልክዕ ዝዋጽእዎ ኣቶ ኣርኣያ’ዮም። ቀዳማይ ምርጫ ናይ ኵሉ ኣዳላዊ መደብ ድማ ነበሩ።
19 ለካቲት 2009 ኣባላት ሬድዮ ባና ተኣኪቦም ናብ ዓዲ ኣበይቶ ክውሰዱ ከለዉ፡ ንኣቶ ኣርኣያን ሓያሎ መዛንኦምን’ውን ዘጠቓለለ’ዩ ነይሩ። ገሊኦም ንምሸቱ ክፋነዉ ከለዉ፡ ኣቶ ኣርኣያ ምስ’ቶም ከይወጹ ዝተደልዩ ኰኑ። በዚ ድማ ካብታ ንዓመታት ኣብ ቀይዲ ዝጸንሐት 26 ዝኣባላታ ጕጅለ፡ ዝሸምግሉ ምናልባት ከኣ ካብቶም ውሑዳት ዝዓበዩ ኣቦታት ነይሮም።
ነሓሰ 2009 እታ ኣብ ዓዲ ኣበይቶ ዝነበረት ጕጅለ ናብ ማይ-ስርዋ ተወሲዳ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሸላ ምስ ተዓጽወት፡ ንጽባሒቱ ንግሆ ዋርድያ ናብ ሸላ ኣቶ ኣርኣያ መጺኡ፤
“እንድያሞ ንሽንቲ” ኢሉዎም ማዕጾ ከፊቱ።
“ጽናሕ በል ዝወደይ…” ናብታ ጎረቤቶም ሸላ ኣላጊሶም። ነታ እሱር ንእሱር መታን ከይርአአ ዝተዓጽወት መስኮት ድማ ከፊቶማ። ቅልቅል ኢሎም “ከመይ ሓዲርካ፧ ድሓንዶ ሓዲርካ፧” ስም እናጠቐሱ ሰላምታኦም ኣብጺሖም ናብታ ጎረቤታ ሰጊሮም።
እቲ ዋርድያ እንታይ ይገብሩ ከም ዘለዉ ኣይተረድኦን።
“ኣታ ሰብኣይ እንታይ ትገብር ኣለኻ?” ብግራመ ኣጓጢጥሎም።
“ሓንሳብ ዝወደይ… ብጮተይ እንድዮም… ሓደርኩም ክብሎም። ደው’ዶ ኣቢለካ?” ናብታ ሳልሰይቲ ሰጊሮም መስኮት ከፈቱ።
“ሕሙም ዲኻ? ሰላም ክትብሎም ኣይኰነን ከይትርእዮም እንድዮም ትዓጽዮም ዘለዉ።”
“ብጮተይ’ኮ’ዮም። እዞም ትማሊ ብሓንሳብ ዝመጻና ኢና።”
ተጋግዩ ከይህሉስ ከረድኡዎ ፈቲኖም።
“ሕለፍ ጥራይ… ኣብዚ ከምኡ ዝብሃል የለን። ምስ ዝዀነ ሰብ ምዝራብ፡ ሰላም ምባል ወላ ምጥማት ኣይፍቀድን’ዩ። ትኽ ኢልካ ሸንካ ትምለስ…”
“ኣቶ ኣርኣያ ሸላታት ከፊቶም ንእሱራት ሰላም ኢሎም” ዝብል ዕላል ምስ በጽሓና ገለና ክሳብ ንነብዕ ገለና ክሳብ ንሸይን ስሒቕና። ሂወት ኣብ ሸላ ንዘይፈልጥ እዚ ዕላል ምናልባት’ውን ኣይርድኦን ይኸውን። ርእስኻ ምሕካኽ ወይ ዓይንኻ ሰምሰም ምባልኳ “እንታይ ማለትካ’ዩ” ተባሂልካ ኣብ ዝሕተተሉ ቦታ፡ “ሸላ እሱር ከፊቱ ክዛረብ ተረኺቡ” ፈጺሙ ተገይሩ ዘይፈልጥ ከቢድ ጉዳይ’ዩ። ምስ ግርህናን ንጽህናን ኣቶ ኣርኣያ ኣወሃሂድና ግዳ ንነዊሕ እዋን ስሒቕናሉ።
ካብ ዕለተ ማእሰርቲ ኣትሒዞም ጥዕና ዘይረኸቡ ኣቶ ኣርኣያ፡ 2012 ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት ተራኺብናን ንሰለስተ ሰሙናት ደቂስና ተሓኪምናን። ብዛዕባ መርመራና፡ ጥዕና ሓድሕድናን ህይወት ማእሰርቲን ብሰፊሑ ንምዕላል ዕድል ረኺብና።
“መርማሪ ንኽሳደይ ብገመድ ሓኒቑኒ”
“ጥዕናኹም ከመይ ትዀኑ’ለኹም፧” ሓቲተዮም ኣብ መንጎ እቲ ዝቐነናሉ ዕላል።
“ካብታ ንእሰር ኣይጥዓኹን። ከብደይ ተረሚጨ፡ ክልቲኡ ኣእጋረይ ብቓንዛ ትንፋስ ከሊኡኒ። ኵሉ ነብሰይ ኣይጥዓኹን። ኣንቲ ‘ርጋ ጓለይ የውጽኡናዶ ትብልዮም’ኺ?” መላእ ሰብነቶም እናተናኸፉ ክዛረቡ ጸኒሖም ኣብታ ሕቶ ገጾም እስር ኣበሉ።
መልሲ ክመርጽ ደለኹ። ይሓይሽ’ዩ ኣብ ዝበልኩዎ ድማ ተወላወልኩ።
“እንታይከ ኢሎምኹም ኣብቲ መርመራ?”
“እንታይ’ሞ ክትብልዮ፧ ሓቂ ተዛረብ’ዮም ዝብሉኒ።”
“እንታይ’ዩ’ቲ ዝደልዩዎ ሓቂ?” ንኣቶ ኣርኣያ ክሳበበሎም ዝኽእል ክሲ ንምፍላጥ ተሃንጥየ ነበርኩ።
“ካብቲ መኽዘን ንመን ንብረት ሂብካ ትፈልጥ ሓቂ ተዛረብ፡” ኢሎምኒ።
“እሞኸ?”
“ሓለፍቲ ዝፈረሙሉ ወረቐት ሒዙ ንዝመጸ ኣባል ይህብ ነይረ፡ ምስ በልኩዎ ‘ካልእ’የ ዝብለካ ዘለኹ…’ ኢሉ ገመድ ገይሩ ክሳደይ ሓኒቑኒ።”
“ክሳደይ ሓኒቑኒ?” ብዓውታ ደገምኩሎም። ድምጸይ ክቈጻጸር ኣይከኣልኩን። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ብዙሕ ግፍዒ ርእየን ሰሚዐን’የ። ኣብ ነብሶም ሽጋራ ዝጠፍአ፣ ብጕስጢ ኣስናኖም ዝረገፈ፣ ኣሲሮም ምስ ኣንጠልጠልዎም ዝረስዕዎም’ሞ ዝለመሱ፣ እናተቐጥቀጡ ዝሞቱ. . .። ምሕናቕ ግን ንፈለማየይ ነበረት።
“እወ ገመድ ገይሩ ዓቕለይ ክሳብ ዝጸበኒ ሓኒቑኒ። ‘በጃኻ… ዝወደይ ዓቕለይ ጸቢቡኒ. . .’ ኢለ ለሚነዮ። ንሱ ግን ሓንቲ’ያ ዘረባኡ። ‘ሓቂ እንተ ዘይተዛሪብካ ክቐትለካ’የ’ እቲ ጸርፊ’ሞ ዘይለግብ ኮይኑ’ምበር…”
“መን’ዩ መርማሪኹም?”
“መሓሪ፡ እቲ ጸሊም እንዶ ኣየለክን። ትፈልጥዮ’ዶ ትኾኒ?”
“ጽቡቕ ገይረ እፈልጦ። ንዓይ’ውን ንሱ’ዩ መርማሪየይ።”
“ንሱ’ምበኣር’ዩ መርማሪኺ፧ እሞ ድሓን ዲኺ?” ካብ ማሕነቕቲ ማለቶም’ዩ ዝኸውን።
“እንታይ ክድሕን ደኣ…” እቲ ዝሓለፍክዎ ምዝርዛሩን ዘይምዝርዛሩን ኣየናይ ከም ዝሓይሽ ኣይወሰንኩን።
“ዋይ ጓለይ! ክጭክን መዓት’ንድዩ። ርጉም!” መሊኦምለይ። ብሓሳበይ ናብ እዋን መርመራይ ተዓዘርኩ።
ንኣቶ ኣርኣያ ብገመድ ክሳዶም ሓኒቑ፡ ልመንኦም ዘይዓጠጦ መርማሪ፡ እቲ ጥቅምቲ 2010 ማህረምቲ በዚሑኒስ “ኡይ” ኢለ ከየስተንፍስ ብሻርባይ ኣፈይ ዝወተፈ፡ “ወርሓዊ ጽግያት ኣለኒ መዓልቲ መርመራ ቀይረለይ” ዝብል ልመናይ መሊሱ ዘነደሮ መርማሪ’ዩ። መላእ ኣካላተይ ገለ ስምዒት ተኻዕወኒ። ነብሰይ ከረጋግእ ኣዒንተይ ከደንኩ።
ኣይኰነለይን። ማይ ክሰቲ ተንሳእኩ።
(ኣብዚ እዋን መሓሪ ምስቶም ዝቐጥቀጦም፡ ዘሰንከሎም፡ ዘከላበቶም እሱራት፡ ቅዩድ ኰይኑ ኣብ ቤት ማእሰአርቲ ማይ-ስርዋ ይርከብ። እዚ ካብ ዝኸውን ኣርባዕተ ዓመት ሓሊፉ’ሎ።)
ንጽባሒቱ ብሕት ዘይበለ ናይ ሓባር ዕላል ጀሚርና። ኣርእስትና ድማ ካብ ባህርያትን ተግባራትን መርምርቲ፡ ናብ ዋርድያታት ሰገረ።
“እቲ ኣብ እዋን ሽንቲ ዝሃረመኩም ዋርድያኸ እንታይ ኣቢስኩም’ዩ ዝብል?” ንኣቶ ኣርኣያ ተወኪሰዮም።
“ኦይ ንሱ ደኣ እንታይ ምኽንያት ይደሊ ክንደይ እሱራት ድዩ ኣሰኪሑ፡” ካልእ መተዓልልትና መሊሱለይ።
“ይኹን ኣይዅንሲ እንታይ’ከ ይብል?” ቀጸልኩ።
“ኣንቲ ጓለይ… ኣብቲ ሸላ ካልኣይየ ኣለኒ’ንድዩ” ዘረባኦም ምጥጥ እናበሉ ጀመሩ።
“እወ ኣብ ሸላ ቁጽሪ 43 ከለኹም እርእዮ ነይረ። ብሓንሳብ ድዮም ቀይረምኹም ናብ ቁጽሪ 51?” ሓተትኩ
“እወ ብሓንሳብ ኢና ዘለና። ክልቴና ጥዕና የብልናን። ኣብ እዋን ሽንቲ እኹል ግዜ ስለ ዘይህቡና ከኣ፡ ድርቀት ገይሩሉ ቀልቀል ተሸጊሩ ቀንዩ። ምሸት ‘ክፍትን’የ’ ይብለኒ።
‘ኣብዛ ጸባብ ክፍሊ ደገ እንተ ወጺእካ ኣነኸ እንታይ እኹን’ እብሎ።
‘እሞ ኣነኸ እንታይ ይግበር’ ይብለኒ። ሓቁ ከኣ’ዩ። ኣብታ ንሽንቲ ትወሃበና ሰዓት ሽንቲ ማይን ኣብ ኢድካ ዝጽንሐ ጎሓፍን ጥራይ ኢኻ ከተፋኑ ትኽእል።
‘በጃኻ ጽባሕ ደኣ ግዜ ክህቡኻ ንልምኖም’ምበር ኣብዚኣስ ኣይጽብቕትን’ያ’ እብል ኣነ ከኣ።
‘እናጓየዩ ወሲዶም ብዘብዘብ ከይሸንና ክመልሱና ትርእዮምዶ የለካኻን፡ ሕጂ ንስኻ ተሸፊንካ ደቅስ ኣነ ኣብዛ ግዛዕ ክፍትን’የ። ጽባሕ ንግሆ ከኣ እጉሕፎ’ ኢሉ ኣቕቢጩኒ።
በዚኣ ክንካታዕ ለካ እቲ ዋርድያ ይጸናጸነና ነይሩ። ንጽባሒቱ ‘ትማሊ ምሸት ንመን ኢኹም ትሓምይዎ ዝነበርኩም’ ኢሉ ብበትሪ ዘዝባንና ተሳሂሉና።” ክሳዶም ናብ የማናይ መንኩቦም ኣውዲቖም ኣዒንቶም ኣብተን ሕበጠን ዝርአ ኣእጋሮም ተኺሎም መልሶም ዛዘሙ።
“በቃ፧” እዚ ወዲ 20ታት ነዞም ወዲ 60ታት ኣቦ ብዘይ ምኽንያት ኣባትር ኣብ እንግድዕኦም ከዕልብ ምስኣል ዓቕለይ ኣጽበበለይ።
“ኰይንዋ” ነዛ ቃል ክልቲአን ኣእዳዎም ብምልዓል ብምልክት ኣሰነይዋ።
(እዚ ብስሙን ብተግባሩን ዝፈልጦ ዝነበርኩ ብስም መበቈል ዓዱ ዝጽዋዕ ዋርድያ፡ መልክዑ ከይረኣኽዎ’የ ስግረ-ዶብ ከም ዝኸደ ሰሚዐ። ብምኻዱ ብዙሕ እሱር ተሓጒሱ። እንተዀነ ናብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ፡ ብሱዳን ኮሊሉ ናብታ ኣሃዱ ደኣ ተመልሰ። ንሕና ድማ ኣብታ ዝገደፈና ጸኒሕናዮ። ኣባል እታ ኣነ ዝርከቦም እሱራት ትሕሉ ጋንታ ኰይኑ ስለ ዝተመደበ ከኣ ጽቡቕ ገይረ ፈሊጠዮ። ምምላሱ ዝሰምዐ ዘበለ ሰንቢዱ!)
ምስ ኣቶ ኣርኣያ ደጊምና ዝተራኸብና 2015 ኣብ ማእከላይ ቤት ጽ/ሚ/ትምህርቲ ኣብ ቦታ ደሞዝ’ዩ።
“ሰላም” ኢለዮም። መሊሶሙለይ ግን ጋግዮሙኒ። መን ምዃነይ ከዘክሮም ፈቲነ።
“እዋይ ጓለይ! ወጺኺዶ እንቋዕ እዝጊሀር ተዓረቐና!” ኢሎምኒ።
“ትጥዕዩ’ዶ ኣለኹ?” ብዙሕ ኣሳእል ቤት ማእሰርቲ ኣብ ገጾም እናሰኣልኩ ንዕላል ዓዲመዮም። ምስ ማእሰርቲ ዝኣተዎም ሰለሎን ሕማምን ልዕሊ 4 ዓመታት ከም ዘሳቐዮም ጋሻ ኣይነበርኩን።
“ጥዕናሲ ኣይረኸብኩን እንቋዕ ደኣ ካብቲ ጸልማት ወጻእና’ምበር፡” መሊሶሙለይ።
ኣብ ዝቐጸለ ግዜ ንሕክምና ውሑድ ዘይኰነ ጻዕሪ ከም ዝገብሩ ሰሚዐ። እንተዀነ ስድራ ትሕዞኣ ነጊፋ፡ ቤተሰብ ተሸጊሩ’ምበር ኣቶ ኣርኣያስ ኣይሓወዩን፣ 2017 ዓሪፎም!
ኣብ ዕለተ ዕረፍቶም ኣብ ማይ ጭሆት (ኣስመራ) ኣብ ዝርከብ ቤቶም ክበጽሕ ከለኹ፡ ምስዚ ኵሉ ዝተሓዋወሰ ዝኽረይን ‘ናይዚ ኩሉ ተሓታቲ መን’ዩ?’ ዝብል ዘይተመለሰ ሕቶይን ነበርኩ። ክሳብ ሕጂ ድማ ዝኽረይ ኣይሃሰሰን፡ ሕቶይ’ውን ኣይተመለሰን።
______________________________
*ገጣሚትን ጋዜጠኛን ይርጋኣለም ፍስሃ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻትን ማዕከናት ዜናን ኤርትራ ስራሓታ ዘሕተመት’ያ። ይርጋኣለም ካብ መስከረም 2003 ጀሚራ ኣብ ትምህርታዊ ሬድዮ ባና ክትሰርሕ ድሕሪ ምጽናሓ፡ ምስ ምዕጻው ናይታ መደበር ሬድዮ ብዕለት 19 ለካቲት 2009 ንማእሰርቲ ድሕሪ ምውሳዳ፡ ብዘይ ዝዀነ ፍርዳዊ መስርሕ ኣብ ወተሃደራዊ ቤት-ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሓ ዕለት 21 ጥሪ 2015 ተፈቲሓ። ይርጋኣለም ካብ ኤርትራ ኣብ መጋቢት 2018 ድሕሪ ምውጻኣ፡ ሕጂ ብምትሕብባር ፐን ጀርመን ኣብ ዝወሃብ ናይ ጸሓፍቲ ማህደረ-ትምህርቲ ንምስታፍ ኣብ ጀርመን ትርከብ። ይርጋኣለም፡ ብመገዲ ኣሕታሚ እምኩሉ፡ ኣለኹ እትብል መጽሓፍ እኩብ ግጥምታት ንምሕታም ትቀራረብ ኣላ።