ኣንቲ ሕንጢት ማማይ

No comments

ኣንቲ ማማይ

ኣንቲ ማማይ ማማይ

ማማማይ ማማይ

ንስኺ ትፈልጥዮ

ጥራይ ማይ

ጥራይ

ማይ

 

“ኣበይ ተወለድኪ ኣንቲ ማማይ?”

“ኣብ ባሕሪሪ እምበር

ባሕሪ ዝገያሻይ

“ኣብ ባሕሪ እምበር

ባሕሪ ዝገያሻይ”

 

ኣንቲ ማማማይ

ሕንጢት ማማማይ

ካብ ኮነልኪ ጕዕዞ

ካብ ማይ ናብ ማይ

ማይ ማይ

ማማይ

ማይ

 

“ሕንጢት ማማይ

ሓቛፊኺ መኔ?”

“ጨው ባሕሪ እምበር

መን ነበረ መኔ”

 

ማማማይ

ሃይ ኣይ ኣይ

ማማማይ

ኣይ ሃይ

ማማይ

ማይ

ንስኺ ትፈልጥዮ ጥራይ ማይ!

 

ካብ ናይ ማህጸን ኣደ

እቲ ኣተሓናብሳ ምተፈልየ

ፈሊጥኪ ዶ ሞት: ሰብ መ’ሕረሰ?

 

ገበርክና እባ ዕደ-ምደ

ዕደ ምደ እወ በዓል

ኣነ

ዕነ -ምነ !

 

ኣንቲ ማማይ ማማይ

ኣንቲ ሕንጢት ማማማይ

እነሀና በሊ ዛህላይ-ማህላይ

እነሀና በሊ ዛህላይ- ማህላይ

 

ልደተ-ሞት ምስተጎዛጎዘ

ብምልኡ እንከሎ ጡብ ኣደ

መዳሕንት’ኳ ከይተፈለ

ኖንዶ ንሰብ ዓሳ ደንገጸ

ሃይይይይ

ማማይ

ኣብ

 

ኣንቲ ማማማማይ

ሕንጢት ማማማይ

ማማማይ

ንስኺ ትፈልጥዮ

ጥራይ ማይይይ

ማይይይ

 

ጥራይ ማይ

 

ጥራይ ማይ

ማይይይይ

ማይይ

ማየየየየ

ማየ ማ

ማየ

ማየ

 

ሽጎማኖኺ ብዕጹፉ

ድሩቕ መሬት ብገፊሑ

ኣብቲን-ኣብቲን ከይተበጽሐ

ሞት መንዚዑ ልብና ጨንደሐ!

 

ኣንቲ ማማይ

ኣንቲ ሕንጢት ማማይ

ጌርክና ዶ ዛህላይ ማህላይ

 

ኣብቲ፤

 

ንብዓት ዘየርኢ

ድምጺ ዘየስዕ

 

ኣብቲ፤

 

ማንታ-ርእሲ ዘተጠልቂ

ደም ዘየጸይቕ

 

ኣብቲ፤

 

ናይ ባሕሪ መዓሙቕ

ከየድሃኺዶ በልኪ ኣጽቕጥ!

ጥዑም ድቃስ ዘልኣለም ዝጸቕጥ

 

“መን ‘ባ ክንሰምየኪ

ኣንቲ ማማይ?”

 

“እንታይ ክኾነኒ ስም ንኣይ

ንዘይብለሉ ኦሆይ

ኣቦይ ኣደይ ምስ ኮኑ መማውተይ

ምስቶም ኣማኢት ደቂ ዓደይ. . . “

 

ሃይይይ

ማማይ

ኣብ ማይ

ሕንጢት

ማማይ

 

ንስኺ ትፈልጥዮ ጥራይ ማይ

ንስኪ ትፈልጥዮስ ጥራይ ማይ

 

ኣንቲ ማማይ ሕንጢት

ቋጽርዮ ሕቶይ ቅድሚት ድሕሪት፡

ሰማየ-ሰማይ ኣዕርግዮ

ጸሓይ-ገነት ኣውቒዕኪ ልኣኽዮ

ተመሊስኪ ናባና ትሰድዮ

ነቲ ዘሎና ኮይንናዮ

 

ኣንቲ ማማይ ማማይ ማማይ

ጕዕዞ ዝኾነልካ ካብ ማይ

ናብ ማይ

ጕዕዞ ዝኾነልኪ ካብ ማይ

ናብ ማይ

ንስኺ ትፈልጥዮ ጥራይ ማይ

 

ኣንቲ

 

ኣርማ

 

ናይ ዘይንቡርነት ኲነት ዄንኪ

ኣታሓፊስክዮ ነቲ ሓታል ሓቂ

ከም ዝመጻኺ ካብ ኤርትራ

ዓዲ ምልኪ!

ኤርትራ ዓዲ ምልኪ

ማማይ

ኣብ ማይ

ኣሃይ

ሃይ

ሃይ

 

ኣንቲ ማማማይ ማማማይ

ሕንጢት ናጽላ ማማይ ማማይ

ንስኺ ምፈለጥኪ ጥራይ ማይ?!

 

ማማይ ውላድ ፍቕሪ

ንስኽ’ዶ ምሓቛፊኺ

ብጨው ባሕሪ?

ሞት ንሰብ ኣሕሪሱ

እንታይ ክትገብሪ?

ሳባ ኪዳነ

4 ጥቅምቲ 2020

ነዛ ግጥሚ ብድምጺ ንምስማዕ ኣብዚ ጠውቑ

ቅብኣ፤ ሚኪኤል ኣዶናይ “ስደተኛ ክኸውን ምርጫይ ኣይነበረን”

Print Friendly, PDF & Email