ተረፍ

No comments

ሓጻር ዛንታ

ብኣኸድር ኣሕመዲን*

እቲ ዲቕ ዝበለ መሪር ኲናት ዝግ ምስ በለ፡ ነታ ንኽልተ ዓመታት ዝተፈለኹዋ ኣደይ፤ “እንታይ መሲለን ሒዘን ክኣትዋ እየ?” ዝብል ሓሳብ ክትል ክብለኒ ጀመረ። ኣብ ከምኡ ዝበለ ዘራእቲ ሓሳብ እንከለኹ፡ ጸላኢ ከይትርግኦ ኣብ ዘፍርሕ መጻብብ ዋርድያ ሓዲርና፡ ናብቲ መውዓሊና ዝተባህለ ቦታ፡ ነታ ዓዲ ንድሕረና ሓዲግና፡ ኣብ እግሪቲ ሰንሰለታዊ ታባታት ኣብ እንምለሰሉ ዝነበርና ቀዳማይ ንግሆ ብልበይ ምስ ረኣኽዋ’የ… ነታ ጐርዞ… ኣብ ልበይ ክስምዓኒ ዝጀመረ። ኣብ ቀረባ ስለ ዝጸናሕኩ፡ እቲ እዋን’ውን ንውረድ ደይብ ሓሳባት ዕድል ዝህብ ስለ ዘይነበረ፡ መፋጥርቲ ሓድሽ ዓለም ክትኰነኒ ብኡ ንብኡ’የ ብህግ ኣቢለያ። መጸበቒተይ፡ ፈዋሲተይ፡ መጥዓዪተይ፡ መታኣትውተይ… ክትኰነኒ ክቐርባ፡ ክነግራ ውሽጠይ ነዋነወኒ።

እቲ ጃሕጃሕ ዝበል ደም ጸሪሩ ተሓንኲኹ እዩ። ስጋ ሰብ ብሓጻውን ተመታቲሩ፡ በሲሉ፡ ዶኽ ኢሉ ተኺኹ፡ ቃሬት ሸቲቱ’ስ ሰማይ በጺሑ እዩ። ኣብ ጐድንኻ ንዝነበረ መዋድቕትኻ፡ በጃ ንዝሓልፈልካ፡ ኵሉምሉኻ ንዝዀነ ብጻይካ መመንዚዑ ዘይኣኽሎ፡ ንዝተረፈ ክሃድን ዝህንደድ ኲናት ግን ኣጋውላኡ ልክዕ እንታይ ምዃኑ ገና’ውን ኣይተፈልጠን ዝነበረ። እንታይ ኣትሪፍካ፡ እንታይ ኣጥፊእካ ተጸብጺቡ ከይተወድአ ከኣ፤ “ጸላኢ ሰሎኸ…! ሓለፈ…! ኣርክብ…!” ተባሂሉ ካብቲ ዝነበርናዮ ኢና ናብቲ ሓድሽ ቦታና፡ ምድሪ ምስ ጸልመተ ዝኣተና። ኣብቲ ዘኽረመና ተረርቲ ውዕሎ ኲናት ዝተሓናፈጠ ኣካለይ ዘገም እናበለ ዝቕምርር ደኣ ይዅን እምበር፡ ዓቕሚ ነብሰይ እዩ ነይሩ። ቍስሊ መንፈሰይ ግን ምጻር ስኢነዮ ወራሕኩ።

ኲናት ዝሓደገልና ኣይነበሮን። ትኽትኽ ኢሎም ንዝመጹ ጸላእቲ ኰስቲርካ እንተ ኣህተፍካዮም’ውን፡ ኲናት ኣገጫጫብ ሓዊ ብዘይ ማይ ምዃኑ ስለ ዘይተርፍ ቃንዛኡ ዝከኣል ኣይኰነን። ጕብዝና ክዕጥርስ፡ ሰብኣውነት ክቕበር፡ ንእስነት ክቕንጠስ፡ ፍቕሪ ክበጣጠስ፡ ሕልሚ ክሕንክስ…፡ መዓልታዊ ምርኢት ኰይኑ ስለ ዝቐነየ፡ ልበይ ተበጃጂሉ ዝሕዞ ስኢኑ ምሕዋይ ዕጭ ሓንፈፈ። ትርጕምን ዕላማን ነፍስ-ወከፍ ዝወዓልኩዎ ምርኢት እናኣላገብኩ ሓሳበይ ከህድእ‘ውን ምዃን ኣበየኒ። በዚታት ኣመና ዝተጐድአት ልበይ ከኣ፡ ንዅሉ ምስካም ስኢና፡ ሕልናኡ ዘዕረበ ዛህላል ሰሪሓትኒ ቀንያ ነበረት። እታ ኣብ ጫፍ ዶብ እትርከብ ኣጸልሚትና ዝኣተናያ ዓዲ’ውን፤ “ሓሚምካ እንተ ኸድካዮም’ስ ሞይቶም ይጸንሑኻ!” ኰይኑ ነገሩ፡ እናሻዕ እንክርእያ መመሊሳ እያ ንቝስልታት ውሽጠይ ጐዳዲኣቶ። እታ ዓዲ ብሰንኪ’ቲ ዝቐነየ ኲናት ሕሱም ትርኢት’ያ ርእያ። ኵሉ’ቲ ግናይ ትርኢታ፡ ስእሊ ምረት ኲናት ንምዃን ዝበቅዕ ነበረ። ጸላኢ ንሒደት መዓልታት ረጊጽዋ ስለ ዝነበረ፡ ህዝባ ተፈናቒሉ ብጽምዋ ተጸዊጋ እያ ጸኒሓትና።

“እቲ ዝኸውን ኣብ ገዛና ይዅነልና! ዝወረደት ትውረድ…!” ኢለን ዘቕበጻ፡ ነነጢረን ዝነበራ ሓደ-ክልተ ስድራቤታት፡ ጸላኢኣ ምስ ተጸርገ’ውን፡ እታ ዓዲ፡ ዓዲ ሰብ ምንባራ ከመስክራ ዓቕሚ ሰኣና። እቲ ዝዓነወ ሃዳሙ፡ ፈራስ መራስ መረባብዕ፡ ብጥንቲ ጥቅምቲ ዝተሓድገት ዑና ዓዲ ኣምሲልዋ ይርአ ነበረ።

ካብቲ ዝሓደርናዮ ናብቲ መውዓሊ ቦታና መስርዕ ከይበተኽና ክንሓልፍ እንከለና፡ እታ ጸሓይ ሰማይ፡ ፋሕሺዩ ዝኸርፍሐ ገጽ ሰብን ዓዲን ግዲ ኣጽሊእዋ፡ ብምብራቓዊ ሸነኽ ብዝርከብ ኳዕናን እምባ፡ ብትህኪት ማዕጠጥ እናበለት ተሳሒጋ ከተንቃዕርር ትርአ ነበረት። ብርሃና ከኣ፡ ነታ ኣብ ፈራስ ኳና ናይ ሓደ ህድሞ ሓሊፍካ ኣብ ዝነበረ ገበላ፤ ኣብ መንበራ ኣራጢጣ ዝነበረት ጐርዞ ጥራይ መዓርፎኡ ከም ዝገበረ፤ ኣብቲ ምጩው ገጻ ዓሊቡ፡ ዓይኒ ዝገዝእ ምርኢት ፈጠረ። ሽዑ ንሽዑ ፍዅስ ክብለኒን፡ ብልበይ ንውሽጠይ ፍሽኽ ክብል እንከለኹ፤ “መንፈሰይ’ሲ እምበኣር ክጽገን ይኸውን’ዩ…” ኢለ ንድሩቕ መጻኢየይ ከተርክስ ብተስፋ ተወናወንኩ። ጽቡቓትን ፍሩያትን ኣዒንቲ እታ ጐርዞ፡ ነተን ተረፍ ኲናትን ደርቅን፡ ዓመጽን በለጽን ዝዀና ቊንጣሮ ጥሪት፤ ነቲ ከይረገጽካዮ ዝተጕግ ነቓጽ ምድሪ ከዳሩና’ውን ዓቕሚ ስኢነን መገደን ከም መገዲ ጻጸ ተር ኢለን ንበረኻአን ዝሃትፋ ዝነበራ፡ ብዓይኒ ጓሂ ዝጥምት ክመስል ቀው ኢሉ ናብ ሓደ ኣንፈት ደሪቚ ነበረ። ሓሊፍናያ ኬድና ኢና፤ እንተዀነ፡ እቲ ጋመ ተቘኒኑ ዝወረደ’ሞ ካብ ፍርቁ ተፈቲሑ፡ መተርኣስ በዓል እንዳኣ ኰይኑ ከም ዝሓደረ፡ ኣብ እንግድዓኣ ተደርቢዩ ዘው ኢሉ ዝነበረ መጸበቒኣ ጸጕሪ፤ “ጠምታ ጠምታ!” እናበለ ዝነዋንወካ፤ ምስ ሕብሪ ገጻ ዝተሳነየ ተኸዲናቶ ዝነበረት ሽፎን ጓል ሃገረ-ሰብ፤ እቲ ንድፍረትካ ዝዳፈር ካብ ልባ ዝተላእከ፡ ምስ ልባ ጥራይ ዝዛረብ ዝመስል ጸዋዕ-ፍቕሪ ኣጣምታኣ፡ ካብ ቅድሚ ዓይነይ ምትራፍ ኣበየ። ኣብ መዕረፊና ምስ በጻሕና፡ ድሕሪ ቝርሲ ክድቅስ ኢለ ምስ ተገምሰስኩ፡ ብዛዕባኣ ሓሳብ ከይኰልፍ ምስ ድኻመይ ተቓለስኩ። ክሓስብ፡ ክግምት፡ ክሓልም… እንታይነት ‘ዛ ጓል ክፈልጥ ኣእምሮይ “ንዓ ሓግዝ!” ኢለ ልምን ኣርፈድኩዎ። ወተሃደራዊ ናብራ ግን፡ ናቱ፡ ናይ ሓባር ከኣ እንተዀይኑ‘ምበር ውልቀ-ሓሳብን ድሌትን ስለ ዘየሳሲ፡ ብመሰረት’ቲ ዝተረኽበ ስለያዊ ሓበሬታ፡ ካብታ ምሉእ መዓልቲ ከተጓዕዘና ዝወዓለት መኪና ወሪድና ብኡንብኡ ቦታና ስለ ዝሓዝና፤ እቲ ቅድመኡ መዓልቲ ዝወዓለን ዝሓደረን ድኻም ሰዓረኒ’ሞ ነቲ ሓሳብ ኣመንገኹዎ።

ኣብቲ ካልኣይ ንግሆ፡ እታ ጽብቕቲ ጓል ከምታ ዝነበረታን ዝተኸድነታን ኣብታ ቦታ ስለ ዝረኣኹዋ ግን፡ ሓሳበይ ብዛዕባኣ በቲ ሓንሳእ ዝተዀልፎ ክተርፈለይ ኣይከኣለን። ዝህልል ክብል ዘስተውዓለ መራሒ መስርዐይ’ውን፤ “እንታይ ኴንካ ‘ለኻ?” ሕቶ ጀመረለይ። ኣብታ ድሕሪ ቊርሲ ጸሓይ ክጽሎ ኢለ ኰፍ ዝበልኩላ ዓባይ እምኒ መጺኡ ማዕረይ ኰፍ እናበለ።

“እንድዒ…! እንታይ’ዶ ኰይነ እየ?”

“ስቕ ኣብዚሕካ…”

“እሞ ኣዛርበና‘ምበር፡ ኣኼባ እንዶ በለና…! ሕቶ፡ ርእይቶ እናበልና ብዘረባ ከነረብርበካ!”

“ኣኼባ ኣገባብ ኣለዎ ‘ታ ወዲ! ኣብ ጠባይካ ሓድሽ ተርእዮታት ኣስተውዒለ እብለካ ኣለኹ… ይርድኣካ’ዶ ኣሎ። ኣብዛ ዓዲ ካብ እንኣቱ’ኮ ዋላ ሓንቲ ኣይተዛረብካን? ከተዕለብጥን ክትድቅስን ጥራይ እየ ርእየካ…፡ እንታይ ጸገም ኣሎ ድዩ?”

“ኣይ ናይ ድኻም ጥራይ እዩ ዝኸውን።”

“ድኻም ደኣ መናብርትና እንድዩ…! ሓድሽ ቦታ ምስ ኣተና ግን ከም ቀደምካ ብውሑዱ ንኣተሓሕዛ ቦታ፡ መሕደሪን መውዓሊን ናይዛ መስርዕ ገለ ክትዛረብ እየ ተጸብየ ነይረ።”

“ጽቡቕ እንድዩ ዘሎ!”

“እምበኣር ጽቡቕ እዩ ዘሎ…! ኣብ ቅድመና’ኮ ዓዲ’ላ፡ ኲናት ከኣ ዘይተርፍ እዩ ዝመስል፡ ነዚ ተሪፉ ዘሎ ሰብ ብዘይከልበትበት ንምትራፍ ዝሓሸ ነገር ኣይረኣየካን…?”

“ዝሓሸ ደኣ ኲናት ምትራፍ እንዳኣሉ!”

“ብኣና ዝውሰን ኣይኰነን እምበር ንሱ ደኣ ብዓቢኡ እንድዩ።”

“እሞ እንታይ ክንዛረብ ደኣ ስቕ ንበል እምበር?”

“ኦይ…! ሎም መዓልቲ ኣይደሓንካን ኢኻ…” እናበለ እናጕረምረመ ገዲፉኒ ምስ ተዓዝረ፡ ማዕረ ክንደይ ተቐዪረ ከም ዘለኹ ክርድኣኒ ጀመረ። ከም ወተሃደር፡ ዘይንቡር ሓድሽ ባህሪ ከተንጸባቕ እንከለኻ ብዓይኒ ጥርጣረ ከም ዘጠምተካ’ውን እፈልጥ እየ። ሓደ ወተሃደር ዘይንቡር ጠባይ እንተ ኣንጸባሪቝ፡ ሓሳቡ ክብርበር ግድን እዩ።

ኣብታ ሳልሰይቲ ዋርድያ ዝሓደርናላ ለይቲ፡ ነቲ ምስ መራሒ መስርዕና ዝተዘራረብናሉ ነገራትን ጉዳይ‘ታ ጓልን እና’በራረኹ ምሉእ ለይቲ ክሓስብን ምስ ሕልናይ ክማጐትን እየ ኣውጊሐያ። ኣብቲ ህልም ዝበለ ጽምዋ ለይቲ፡ ኣዒንተይ ንቕድመይ ተኺለ ጸላኢ እናኣቋመትኩ ምስ ነብሰይ፡ ሓንሳእ ዕላል ሓንሳእ ቈየቛ ሓዝኩ።

‘እዚኣ ደኣ ግርማን ቅርስን ናይዚ ዓዲ ትኹን ኢሎም እዮም ገዲፎማ ዝዀኑ እምበር! ዓዲ ብዓዳ ነዛ ጽብቕቲ ከተትርፍ ኢላ እንተ ትዋጋእ’ውን መጸበቐላ። ውግእ እንታ‘ዲኡ ትርጕም‘ዶ ኣለዎ እዩ ካልእ? ንምንታይ ግዲ ኢና ንዋጋእ? ዶራን ሓመድ ከተኽብር ኢልካ ጥራይ ካብ ምውጋእ፡ ንከምዚኣተን ጽቡቓት ከተትርፍን ከተኽብርን ኢልካ ምውጋእ ዝያዳ ሽም እንተ ዝወሃቦ ምሓሸ…’ እናበልኩ ንሕልናይ ዓቕሉ ምስ ኣጽበብኩሉ ብግደኡ፤ ‘ኣይትቕተለኒ’ባ!’ ዝብለኒ ኰይኑ ከኣ ይስምዓኒ። ልክዕ ከም ኣብ ውሽጢ ኰይኑ ዝዛረብ ካልእ ኣነ እናመሰለ፡ ‘ሕልናኻ ኣይትቕተል ኣታ! ንቕድም ጸላእትኻ ኣለሊ! ትብዓትካ ከኣ ነቶም ጸላእትኻ እምበር ንሕልናኻ ኣይትግበሮ! ምስ ሕልናኡ ዝተናዀል ሰብ ዕምሪ የብሉን…! ልኡላውነት ዝበሃል ነገር ኣሎ! ልኡላውነት ምድሪን ደቂ ምድሪን፤ ልኡላውነት ጽቡቓትን መጸበቕትን፤ ልኡላውነት ወለድን ኣሕዋትን፤ ልኡላውነት ሰብኣዊ ክብሪ… ኣታ እንታይ እዩ ወሪዱካ… ኪድ ድሁል! ምስ ቀታል ሕልናኻ ተቓተል!’ ዝብል ዘረባ ብውሽጠይ ስለዝሰማዕኩ ቀጨውጨወይ ተገንሐ። ኣብቲ እንዳ ዋርድያ ግን ብድሕረይ ንዝነበሩ ደቂ መስርዐይ ከየተሳእኩ እዩ መሬት ወገግ ክብል ዝደለየ። ኣብ ወጋሕታ ገጹ ስለ ዝነበረ ከኣ፡ ኣብ ጕዕዞ ብዛዕባ’ታ ክርእያ ዝኽእል ጽብቕቲ ጓል መሊሰ ክሓስብ ጀመርኩ። ምስተን ኣብ ጐድነይ ዝነበራ፤ ሰብኣውነተን ጽቡቕ፡ መልክዐን ጽቡቕ፡ ትብዓተን ጽቡቕ ዝነበራ’ሞ እቲ ጨካን ኲናት ዘሕደገኒ እናኣመሳሰልኩ ከኣ ከም መተካእታአን ክጥምታ ፈቲነ።

‘ምዃን’ኳ እዚኣ እትመስል ጐርዞ ካብ ቅርዓት ገዛኣ ኣውጺእካ እንታይ ክትገብራ ኢኻ? ከምዚኣተን ሉል ዝመስላ ተረፍ ውግእን ከልበትበትን እንተ ሃልየናና ደኣ እንታይ ከፊኡና? እዚኣ ኰነ ኢሎም ዘትረፉዋ እያ! ቅዱስ ማህጸና ዓሰርተታት ፈርዩ ሓረግ ትውልዲ ውሑስ ክኸውን ዝተራእዮም ለባማት ዝሓሰብዎ እዩ እዚ! ከምኡ ከኣ ክኸውን ኣለዎ‘ምበር! ኣብ ድፋዓት ኣቲኻ ክትሕሉ እንከለኻ ዝተርፍን ዝሕሎን ክህሉ ኣለዎ፡ መዓንጣ ገጥ ክብል…፡’ እናበልኩ ምስ ነብሰይ ከዕልል እንከለኹ ልበይ ብተስፋ ክበርህ ጀመረ። መልክዓ፡ ከምታ ገና ከይተራእየት ብርሃና ዝቕድም ጸሓይ ኰይና እናተሰምዓትኒ ጠጥዒ ሓሳበይ ክዕንብብ ዝቐረበ መሰለኒ። ኣብ መገድና ክትጸንሕ’ያ ትኸውን! እናበልኩ ድማ እህንጠ።

ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲና ግን ግድነት ክዛረባ እየ ነቒለ። ምናልባት ዕድል እንተ ተረኺቡ ንስድራይ በዚኣ ክድብሶም ምስ ነብሰይ ወሲነ እየ። ተዋጊእና ተሰዊእና ንከምዚኣተን ግሩማት ኣድሒንና ክብላ እንከለኹ ኣደይ ክስምዓ ዝኽእል ታሕጓስ ወሰኑ ምርኣይ ኣይክእሎን እየ። ንኣደይ ደኣ’ሞ ብምንታይ ካልእ እየ ክድብሳ? ተረፍ ወፊሮም ዘይተመልሱ ሓደ ኣነ እየ። ኣነ ክንዲ ኵሎም ዘይመነወቶም ደቃ ክኸውን፡ እዛ ጽብቕቲ ድማ ደቂ ወዳ እተስዕማ ብርኽቲ ክትኰነላ ብዓቢኡ ከኣ ንዓይ፡ ልበይ ብፍቕሪ እንተ ደሪዛትለይ ክሓዊ እየ። ቃንዛ ሰንኪ ኵሎም’ቶም ዝሰኣንኩዎም፡ መተዓብይተይ፡ መናብዕተይ፡ መሳሕቕተይን መፋቕርተይን እትእብድ፤ ምስሊ ወዶም ጓሎም ብጾተይ ኣብ ገጻ ዝደምቀለይ ካልኣይቲ እንተ ረኺበ ደበሰይ ምሉእ ክኸውን እዩ። ኵሉ ከኣ ክጠፍኣለይ እዩ… ኣይክዝክሮን’ውን። በቃ! ሰሊዐ ልበይ ሂበ ንፍቕሪ ክዕድማ እየ፡ ብፍቕሪ ዘይፍወስ ድማ እንታይ ከይህሉ!

ስለዚ፡ ግዜ ከይወሰድኩ ብውሕዱ ከምቲ ናይ ደቀ’ስመራ ኣመቅር ኣቢለ፤ ‘መን እዩ እሞ ሽምኪ ጽብቕቲ?’ እንተ ኢለያ ንምፍላጣ ቀዳማይ ስጕምቲ እዩ። ካብተን ጐሎአን ዝማጦገ ዓባሩ ጥሪቶም’ኳ እንታይ ከይሕለብ! ጽሩይ ማይ ቀዲሓ እንተ ኣስቲያትኒ ግን፡ ከም መጀመሪ ክንዲ ኵሉ ክሓስቦ እየ ኢለ ተዳለኹ። ኢደይ ሰዲደ ሰላም ክብላ እንከለኹ ከምቲ ንዓይ ክስመዓኒ ዝኽእል ተዘዝታ ከም ዝስምዓ ገይረ ብኣጻብዕተይ ክተናኽፋ እየ። እቲ ንዝባነይ ፋሕፊሑ ዘሐርፈፈ ክላሽነይን ዕጥቀይን ባህ ዘይብላ ደኣ ከይከውን እምበር…? ኢለ ድማ በቲ ካልእ ሸነኽ ላንጋ ልበይ እኸውን። ኣብታ ዝሓለፈት ንግሆ፡ ዕጥቀይ ወላዊለ ካብ መስርዐይ ብድሕሪት ኰይነ ብኣፍደገ ገዛኦም እናሓለፍኩ ግን ፍሽኽ ክብላ ፈቲነስ ተዓኒዳ ጥራይ እያ ጠሚታትኒ። ዓጸፋስ ይትረፍ ክንድ’ቲ ናተይ ህጥራን ዝነበሮ ፍሽኽታ’ውን ኣይሓሰበቶን። ብማዕዶ ደኣ ኰይኑ እምበር ዓይና ክፈጥጥን ጸጕራ ክጕፍርን ዝደለየ ኰይኑ’ውን ተሰሚዑኒ ነበረ። ወገና፡ ናታ፡ ሓለውታ፡ ስምዒትና ሓደ ምዃንና ዝጠፍኣ ኣይመሰለንን። ኣሕዋታን ኣሓታን ወፊሮም ንሳ ከኣ ኣብ ገዛ ዝተፈረት እያ… ዝንታኣ ካብኡ ዝሓልፍ ኣይኰነን ኢለ እየ ኣርጊአዮ። ሎሚ ግን፤ ‘ዕድል ጥራይ ትሃበኒ እምበር… ኵሉ ብረት ዝሓዘ ወተሃደር፡ ዓርኪ ሰይጣን ዝዀነ ኣረሜን ከም ዘይኰነን፡ ኣነ ከኣ ከምኡ ዓይነት ነቓጽ ኣጣምታ ከም ዘይግብኣኒን ከረድኣ ኣይጽግመንን እዩ። ስለዚ፡ ካብ መስርዐይ ተሪፈ ገለ ግዜ ምስኣ ከጥፍእ ኣለኒ፤ ንሳ ከኣ ከይተጋገየት ስምዒታ ብልክዕ ክትነግረኒ ከደፍኣ እየ…! እቲ ዝሓልሞ ድማ ሽዑ ንሽዑ ጋህዲ ክኸውን ግዜ ኣይክወስድን እዩ’ እናበልኩ ብሓሳብ እወናወን።

ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሰምቢደ ጥራይ እምበር ስምዒታ እንታይ ከም ዝነበረ ክርድኦ ኣይከኣልኩን። ናይ ትማሊ ግን በይኑ እዩ፤ ትርጕምና ዘይተረድኣ ከይከውን ወይ’ውን ብጌጋ ኣንቢባትና ከይትኸውን እየ ሰጊአ። ሓቂ ይሓይሽ እቲ ኣንስታዊ ስሕበታ’ውን ዝገደፈለይ ኣይነበሮን። ምሉእ ለይቲ፡ ምስላ ህሩግ እናበለ ብዘይቅያር ዋርድያ ከሕስበኒ እዩ ሓዲሩ። ኣራጢጡ ነቲ መንበር መሊእዎ ዝነበረ ጉልበታ፡ ንናይ ቃልሲን ምንባርን ትርጕም ምልኣት ዝህብ ኰይኑ ተሰምዓኒ። ካብ ሑቕፋ ክትረኽቦ ዝከኣል ሙቐት ነቲ ዝሓደርኩዎ ዝባላዕ ቍሪ እናዘከርኩ ብዘይቀልዓለም ኣህረፈኒ። ካብቲ ዘየናሕሲ ቍሪ እተዕቁብ፡ ካብቲ በረኻን ኣስሓይታን፡ ካብቲ ህሮሩማን ጸሓይን ካብቲ ደረቕን ኵርኳሕን እተሸጕጥን ልቢ እትመልስን፡ ብዓቢኡ ከኣ ንኵሎም ቃንዛታተይ እትእብድ ፈዋሲተይ ክረክብ ቀሪበ እየ እናበልኩ ባህ ክብለኒ ጀመረ።

ካብቲ እንሓድሮ ተሰሪዕና ክንከይድ ተበገስ ምስ ኰነ። ካብቲ ኣብ ብራሾይ ዝተረፈ ሒደት ማይ ገጸይ ተሓጻጺበ፡ ኣፈይ ጐጻጕጸ ክጸባበቕን ሰብ ክመስልን ፈቲነ። ድሕሪት እየ ተሰሪዐ። መራሒ መስርዐይ ኵሉ ኣጋውላይ ባህ ኣይበሎን። ብዓይኒ ጥርጣረ’ኳ እንተ ጠመተኒ ኣነ ግን ሃመይ ቀልበይ፡ ነታ ቈንጆ ዝኸውን ቃላት ክሰርዕ ‘ምበር ንዑኡ ኣይሓሰብኩዎን። ምስኡ ክመላለስ ሓሳበይ ከይብተን ስለ ዝሰጋእኩ፤ ‘ቀስ ኢሉ ይበርሃሉ!’ ኢለ ኣይተጨነቕኩሉን። ምናልባት ግን፤ ‘ድሕር ድሕር ዝብል ዘሎ ክሃድም ወይ ካልእ ሕማቕ ነገር ሓሲቡ’ሎ…’ ኢሉ መደበይ ከይበታትነለይ ቍሩብ ተሰኪፈ እየ። ንኵሉ ኣብ ግምት ኣእትዩ ከኣ ምዃን…፡ ክሳብ ክንድኡ ውዱቕ ሰብ ሓሲቡ ንስጕምታተይ ክሕሉስ ኣይመስለንን ኢለ ንስክፍታይ ሚዛን ኣትሓዝኩዎ። ትብዕ በልኩ። ኣብ ጥቓ’ታ ዓዲ ክንበጽሕ እንከለና ልበይ ትርግታኣ ኣንሃረት።

ምዉት መሬት ወዲእና ናብታ ዓዲ ገጽና ከነንቃዕርር እንከለና እቲ ምጭው ገጽ ‘ታ ጐርዞ ዝረሓቐ ኰይኑ ስለ ዝተሰምዓኒ ተረበጽኩ። ብስሙር መስርዕ ምስ ሰጐምና ነታ ገዛ ክንቀርባ እንከለና ተቐዳዲመ ናብታ ገበላ ኣቋመትኩ። ከምቲ ዝቐነየ ምርኢት፡ እታ ጽብቕቲ ኣብ መንበራ ረኣኹዋ። ኣብታ ዝፈራረሰት መእተዊት ምስ በጻሕኩ ከኣ ደው በልኩ። የማነ ጸጋም ቁሊሕሊሕ ብምባል፤ ‘መራሒ መስርዕና ዝበለ ይበል… ምስቲ ትማሊ ዝተናኸፍናዮ ኣርእስቲ ደማሚረ እቲ ዝዀነ ኵሉ ከይሓባእኩ ደሓር እነግሮ … ንሱ‘ኸ እንታይ ኣዕለበጦ! ሕጅስ ኣብዚሑዎ ድማ! ኵሉ‘ኮ ነናቱ ኣገባብ ኣለዎ! ወተሃደር ይኹን እምበር ውልቀ ድሌታተይ ዋናኡ ኣነ እንድየ ግዲ! ድሌታት ልበይ ባዕለይ ዘይሰማዕኩዎን ዘይተኣዘዝኩዎን መን ክሰምዓለይ ኢለ እየ’ሞ ሓላፊ ከፍቅደለይ ክጽበ…! ኵላ ነናታ ሰሚዓ ትኽኣሎ!’ ኢለ ብትብዓት ቈሪጸ ካብ መስርዐይ ተረፍኩ።

እታ ጓል ኣማዕድያ ስቕ ኢላ ብኵርዓትን ባህ ዘይብል ስምዒትን ትጥምተኒ ነበረት። ነታ ከም ማዕጾ ኰይና እተገልግል ኣብ ኣፍደገ ጕዝጕዝ ኢላ ዝነበረት ቀዳድ ኣረጊት ፊስቶ ደፊአ ናብኣ ገጸይ ኣምራሕኩ። ሒደት ስጕምታት ሰጒመ ኣብ ቅድመኣ ደው ምስ በልኩ ናባይ ገጻ’ውን ቁሊሕ ኣይበለትን፤ ኣዒንታ ካብቲ ኣቐዲማ ዝለኣኸተን ኣይተመልሳን። ቀሪበ ክርእየን እንከለኹ ብዶሮናን ድሩቕ ቀውታን ቈሊዐን እየን። ግዲ ስለ ዘይገበረትለይ፤ ‘ነቲ ዝጠፍኣ ጽቡቕ ምርኢት ሒዘ ንልባ ክሳዕ ዝመልሰላ እያ ትጽበየኒ ዘላ መስለኒ!’ ኢለ ሓሲበስ ገለ ክዛረብ ምዩቕ በልኩ።

‘ዝነበረ ጽባቐ ከምቲ ዝነበሮ ዝረኣየካስ ኣብ ሕልሚ ጥራይ እዩ…! ናይዛ ዓለም ነገር ኵሉ ተገላባጢ እዩ…! ነቲ ዘሎ፡ ኣብ ቅድመኻ ንዘሎ ኢኻ ብዝነበረ እናረኣኻ ትነብሮ! እቲ ዝሓዝካዮን ዝዀንካዮን ናብ ምሉእ እናወጠጥካ ኢኻ ምንባር ትቕጽል እምበር፡ ብዝሓለፈን ብዝጐረፈን ምቕዛንሲ ነብስኻ ምብዳል እዩ…’ እናበልኩ ክኣትዋ ሓሲበ ነይረ፤ ግን ኣይገበርኩዎን። ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ኣጋጣሚ ክሓስቦ እንከለኹስ እቲ ልክዕ መእተዊ ከምኡ’ዩ ክኸውን ዝነበሮ። ሽዑ ግን ነቲ ደርዲረላ ዝመጻእኩ ፍቕራዊ ቃላት ከይተጣፍኣለይ’ሞ ሃውቲተ ብዘይ ቁምነገር ከይንፈላለ ስለ ዝሰጋእኩ ኣብተን ዝሓሰብኩወን ጸናዕኩ። ምስ ናብራ ወተሃደር ከኣ ዝኸውን ኣይኰነን‘ምበር፡ ‘ተበገስ!’ ዝብል ትእዛዝ’ውን ወሪዱ ክጸንሓኒ ይኽእል እዩ፤ መን ይፈልጥ! ህይወት ተቐያዪሩ እዩ። ከምቲ ኣብ ናጻ ህይወት፤ “መዓስ’ዩ እሞ ዝጥዕመኪ… መቐረት‘ዶ ክብለኪ ምቅርቲ? …ሲነማ ኣቲና… ሻሂ እንተ ሰተና፡ ሽዑ ለልብና እንተ ተቓላዕና ከመይ ይመስለኪ…!” ዝብል ቀበጥበጥ ፈለማ ሌላ ቦታ የብሉን። ነዚ እንተ ዘይፈሊጥካ ጠፊእካ ኢኻ! ዘይትቈጻጸሮ ሓቂታት ኣብ ዝበዝሖ ህይወት ገበብ ምባል ነፍሰ ቅትለት ጥራይ እዩ። ነዚታት ደማሚረ፡ እቲ ዝጸንሓኒ ግብረ መልሲ መእተዊ ዝርከቦ እንተዀይኑለይ ከኣ፡ ኵለን እተን ናይ ልበይ ሽዓ ንግፍግፍ ከብለን እየ ወዲአዮ። ጽባሓ ዘይውስኖ ህይወት ሒዘ ዝሓባብኦ ከኣ ኣይነበረን እምበር…! ናይ ልበይ ኣውጺአ እንተ ሓለፍኩ ድማ ካብ ሰበይ መዓስ በሊጸ…! ኣዋጽኣኡ ጥራይ ይኽኣሎ ኢለ ቈሪጸ እየ ናብኣ ቀሪበ።

… ገጻ እናጓሃረ፡ እቲ በተን ሓሓሊፉ ኣሰር ኣዝማልቶ ዝነበረን ምልሙላት ኣጻብዕታ ተደጊፉ ዝነበረ፡ ኣሰር ማዳ ደልዩ ሃሰስ ኢሉ ዝረኸቦ ዝመስል ፈሳም ምዕጕርታ እናተነፍሐ፡ ኣዒንታ ንብዓት ክዓቊር ደልዩ ነበረ። ፈሪሓትኒ እያ ኣጠማምታኣ ናይ ጥዕና ኣይነበረን። ቀዲመ፤ “ከመይ ሓዲርኪ ናተይ ጽብቕቲ?” በልኩዋ፡ ኵሉ ኣካላታ እናጠመትኩ። ቀሪብካ ክትርእያ እንከለኻ፡ እቲ መንደቕ ጽባቐኣ’ምበር ኣካላታ ከራፊሑ እዩ። ከምዚ ብርሑቕ ሓሙዅሽቲ ዝተነስነሶ፡ ርእሳ ፋእፊኡ ዝተጕግ ፎሮፎር ነበሮ። ክዳና’ውን፡ ነዊሕ እዋን ካብ ነብሳ ከም ዘይተፈልየ ክምስክር ድከቱ ሰትዩ ነበረ። እተን ብዘይሳእኒ ዓንደፍደፍ ክብላ ዝደለያ ጽቡቓት ኣእጋራ ምስ ስሩዓት ኣጻብዕተን፡ ብጭቃን ቶጐሮን ተሳቕየን እየን። እዚ ኵሉ እናተዓዘብኩ ግን ንሳ ስቕ…! በቃ ስቕ!

ክዳነይን ዕጥቀይን’ውን ተፍኒጕዋ ወይ ነቶም ድሕሪ ኲናት ደሃዮም ዝደንጐየ ክዀኑ ዝኽእሉ ኣሕዋታን ደቂ ዓዳን ኣናፊቑ’ዩ ከደፋንቓ ደልዩ’ዩ ዝኸውን ኢለ እናገመትኩ፤ “ናይ ኣደታትኪ‘ባ ውሰዲ በጃኺ…! ጋሻ ተቐቢልኪ ኣይትኽእልን ዲኺ ኣቲ ድራር ዓይኒ…? ማይ በሊ ኣስትይና!” መልሲ የለን። ስቕ። ከቢድ ስቕታ። ስቕ።

“ክሳብ ክንዳኡ’ባ ደረቕ ልቢ ኣይሃልኺ፡ ጽቡቕን ሕማቕን ኣብ ዘይትፈልየሉን ዘይትመርጸሉን ረምጽ ተሰኽቲትና ምውራሕና ንትርጕም ህይወትኪ ድንግርግር ኣእትዩሉ ይኸውን’ምበር ጽልእን ምርሓቕ ልብን ተፈትዩኪ ኣሎ ኢለ እንተ ዝሓስብ ነይረስ ካብ መስርዐይ ስድሪ’ውን ኣይምተረፍኩ። ንዓኺ ክብል እኳ’የ ተሪፈ! ካብ መስርዑ ዝተረፈ ከኣ፡. . .”

ብዛዕባ’ቲ ንዓኣ ከዛርብ ኢለ ብሰንኪ ዝገበርኩዎ ዘይወተሃደራዊ ስነ-ምግባር ክወርደኒ ዝኽእል መቕጻዕቲ ክነግራ ኢለ ዘረባይ ከይወዳእኩ፤ “ተረፍ እያ እወ! እንታይ ዝዀንካ ኢኻ ተረፈ… ዝተረፈ ትብል ዘለኻ?” ዝብል ዘረባ ሓንቲ ዕብይ ዝበላ ሰበይቲ ካብቲ ገዛ ተሰምዐ። ብውሽጢ ጸኒሐን ዘረባ ስለ ዝሰምዓ ንልዳት ህድሞኦም ተደጊፈን እናወጻ ምስ ረኣያኒ ዓይኒ ዓይነይ እናጠመታ፤

“ኣዴኻ ትደፍኣልካ! ወድና ዲኻ ኸኣ!” በላኒ ብርህራሀ፡ ደንጊጸናለይ እየን መስለኒ ርእሰን እናነቕነቓ ብፍቕሪ ክጥምታኒ እንከለዋ፡ ኵሉ’ቲ ከም ወላዲት ክሓስባኦ ዝኽእላ መሊሱ መንፈሰይ ክርብሾ ስለዝዀነ ንግዜኡ ክሓስበሉ ኣይደለኹን። ድሕሪ ቅሩብ ስቕታን ትካዘን፤ “እዚኣ ደኣ እንቋዕ ተረፈት’ሞ ኣንትን ማማ ጽብቕቲ እንድያ ከኣ እዛ ጓልክን” በልኩወን እናተሰከፍኩ።

“እህም…! ጽብቕትን ዕይንትን እወ…! ተረፍ ዝተሓርዱን ዝባህረሩን… እንድዕላ‘ሞ ኣንታ ወደይ።” እቲ ፍቕሪ፡ ድንጋጸን ጓሂን ዝበራረዮን ቈሊዑ ጨፈፍ ዝብል ዝነበረን ኣዒንተን ደፊረ ክጥምቶ ስለ ዘይከኣልኩ፡ ምድሪ-ምድሪ ደኒነ ሰሰሪቐ ነታ ጽብቕቲ እጥምት ነበርኩ። ዘረባአን ግን ኣብቲ ዝግ ኢሉለይ ዝነበረ ቃንዛ ሸቕ ኣቢሉ ክጐዳድኣኒ ጀመረ።

“… ዘለና የብልናን እምበር ብርክኻ ስበር… ዝወደይ!” በላኒ ኣነ ከይመለስኩ። ንዕአን ገዲፈ ግን ነታ ገለ ዘይተዛረበት ኣብ ቅድመይ ዝነበረት ዝደልያ ጽብቕቲ ጓለን እናጠመትኩ፤ “ቡን ተስትዪና ዲኺ’ሞ ንማማ ክንሰምዐን…?” በልኩዋ፡ ምቕልል እናበልኩ፡ ክትዛረበለይ ደልየ። ድምጻ ክሰምዖ ክቱር ባህጊ ነበረኒ። ናይ ፍቕሪ ከዕልላ እንከለኹ፡ ክምስምስ እናበለት ክትዛረበኒን ልባ ክትህበኒ እንከላን እዩ ልበይ ክጥዕየለይ…። ንስለ ምባል ዘይኰነስ ናይ ሓቀይ፡ ‘ናይ ልበይ ኣፍቂረኪ፡ ናተይ ክትኰኒ፡ ብወግዒ ብኽብሪ፡ ናብ ኣደይ… ንገዛና ክወስደኪ’የ… ንስኺ ኢኺ በቃ ንስኺ ኢኺ መረሳረሲተይ …’ ክብላ እንከለኹ ብኸመይ ዝምቅር ቃና ክትምልሰለይ ትኸውን…?’ እየ ዝሓስብ ነይረ።

“እህም! ኣይትሰምዓካን እያ ወደሺ! ኣይትሰምዕን እያ… ኣይትልምስን እያ… መድፍዕን ሓሶትን እንታይ’ዶ ገዲፉልና እዩ። ኣጽሚምዋ እዩ… ካልእ’ውን ኣሎ ካልእ… ልባ ኣበይ ከም ዝተሸርበ’ኳ ኣዲኣየ…ዋይ ኣነ ጓለይ…!” ነቲ ቊኖ ናፊቑ ብሕሰም ዝተጕግ ዝነበረ ርእሰን እናሓኸኻ ምስ ተዛረባኒ ሰንበድኩ።

“ኣንትን ማማ እዚኣ ትመስል‘ሲ… እሞ ገለ ዘይትገብራ…?” በልኩወን ጓሂ እናተሰምዓኒ።

“እንታይ እየ’ሞ ክገብር ኣዴኻ?”

“ሕክምና… ዋላ ማይጨሎት ገለ ዘይትፍትናላ…”

“እህም…! ማይጨሎት‘ዶ በልካ…! ኣይ ዓሚጾማ እንድዮም… እንታይ’ዶ ገዲፎምላ እዮም … ርጕማት ዓመጽቲ…! ንዕምጽቲ ጓል ሄዋን ዝኸውን ፈውሲ እንተ’ለካ ደኣ ሓብር እምበር… ድሕሪ’ታ ናይ ሽዓ ኣውያታ’ኳ ኣፋ ኣይተኸፍተን… ዋይ ኣነ ጓለይ፡” ኢለን ኣስቈርቘራ። እቲ ኵሉ ሕልመይ እናተጐገ ክነፍጽ፡ ውሽጠይ ሕርር ኢሉ ክቕምርር፡ ብኡ ብኡ ኰነ። እታ ኣባዲተይ መሕወዪተይ ክትከውን ዝሓረኹዋ ጐርዞ ንሳ’ውን ውሽጣ ኣመና ዝቘሰለ ኰይኑ ጸንሐ። መን ንመን ከም ዘሕዊ ድንግርግር በለኒ።

“…ፈውሲ እንተ’ለካ ደኣ ሓብር…!” ዝብል ዘረባ‘ተን ሰበይቲ ከኣ ኣብ ውሽጠይ እናቃልሐ ንስብእነተይ ክፈታተኖ ስለ ዝጀመረ፡ በቲ ንብዓት ክቛጽር ዝደለየ ኣዒንተይ ኣቢለ ምስሊ ናይተን ክልተ ከለልዮ እናተጸገምኩ፡ ምውሳን ስኢነ ዝባነይ ሂበየን ጥራይ ነቐልኩ።

______________

*እዛ ዛንታ ተረፍ፡ እኩብ ሓጸርቲ-ዛንታታ (2014) ካብ ዝብል መጽሓፍ ዝተወስደት ኰይና፡ ነዛ መጽሓፍ ኣብዚ ዝስዕብ መላግቦ ብምጥዋቕ ካብ ሰማያት ኣብያተ-መጽሓፍቲ ምዕዳጋ ይከኣል።

Print Friendly, PDF & Email