
Photo Credit: Aga Khan
ሽማግለ ምክልኻል ጋዜጠኛታት (CPJ) ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባቶም ን25 ዓመታት ተኣሲሮም ዘለዉ 16 ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን መርትዖ ህይወት ከቕርብን ብህጹጽ ክፍትሖምን ጸዊዑ።
እዚ ጻውዒት ዝቐረበ፡ ብሰሉስ 10 ሕዳር 2026 ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣፍሪቃውያን ኢንቨስቲገቲቭ ጋዜጠኛታት እዩ።
ዳይረክተር ሲፒጀይ ጆዲ ጊንስበርግ ኣብቲ ዋዕላ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ “ስድራቤታት ብዛዕባ ዘፍቅሩዎም ንርብዒ ዘመን መመላእታ መልሲ ስኢኖም ይርከቡ፡” ድሕሪ ምባል፡ እቶም ጋዜጠኛታት ብማእሰርቶም ዘይኰነ ኣብ ዓውደ ጋዜጠኝነት ብዝገበሩዎ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ክወሃቦም ከም ዝግባእ ገሊጻ።
ብተወሳኺ፡ ሽማግለ ምክልኻል ጋዜጠኛታት ንቘራጽነቶምን ዝኸፈሉዎ ዋጋን ኣፍልጦ ዝሃቦም ኰይኑ፡ ‘ኣህጉራዊ ሽልማት ናጽነት ፕረስ 2026’ ኣብ ኒውዮርክ ክብርከተሎም ምዃኑ ኣበሲራ።
ኣባል ፐን ኤርትራ ጋጣሚትን ጋዜጠኛን ይርግኣለም ፍስሃ፡ ኣብቲ መድረኽ ተረኺባ ብኸመይ ምስዘን ጋዜጣታት ብሕቲ ከም ዝተላለየት፡ ዝፈጠራላ ባይታን ገለኦም ካብ ኣሰናዳእተን ብሕልፊ ድማ ኣማኑኤል ኣስራት ዝፈጠሩላ ጽልዋን ኣካፊላ።
ኣብቲ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝጽሕፉን መደባቶም ዝሰርሑን ጋዜጠኛታትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝተረኸብሉ ኣጋጣሚ፡ ብዛዕባ መሪር ማእሰርቲ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ኵነታት ሓሳብካ ምግላጽ ኣብ ኤርትራን ስምዒት ብዝፈጠረ ግንዛበ ከም ዝሓድር ገይራ።
ካብ ሃገራ ድሕሪ ምውጻኣ ድምጺ ንምዃን ዝገበረቶ ቃልሲ ከተዘንቱ እንከላ፡ ብመንገዲ ማሕበራት ፐን (PEN) — ፐን ኢንተርናሽናል (PEN International)፡ ፐን ኤርትራ ኣብ ስደት (PEN Eritrea in Exile) ከምኡ’ውን ፐን ጀርመን (PEN Germany) ኣብ ዘዳለዎ ‘ደረስቲ ኣብ ስደት’ (Writers in Exile) ዝብል መደብ ዕድል ረኺባ ናብ ጀርመን ከም ዝተጓዕዘት ብምሕባር፡ ብዛዕባ እቶም ድምጺ ዘይብሎም ተጨውዮም ዝተሰወሩ ጋዜጠኛታት ምዝራብ ከም እትቕጽል ኣረጋጊጻ።
ድሕሪ መደረኣ’ውን ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረቡ ሓያሎ ሕቶታት መሊሳን ተመያዪጣን።
ኣብቲ መድረኽ፡ እዞም ጋዜጠኛታት ኣብተን ጋዜጣታት ዘስፈርዎም ጽሑፋት ካብ ዝተፈላለየ ሃገር ብዝዀኑ ጋዜጠኛታት ኣብቲ መድረኽ ተነቢቡ።
Photo Credit: Aga Khan
መድሃኔ ሃይለ ካብ ጋዜጣ ‘ቀስተ ደመና’ ብ10 ሓምለ 2001 ኣብ ዘስፈሮ ርእሰ-ዓንቀጽ፡ “እቲ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መሰሉ ብናጽነት ፕረስ ዝተሓለወ ህዝቢ፡ ርእይቶኡ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ኣለዎ። መንግስቲ ድማ ንህዝባዊ ነቐፌታ ምላሽ ናይ ምሃብን ናይ ምሕታት ሓላፍነት ኣለዎ፡” ክብል ኣስፊሩ።
ካብ ጋዜጣ ‘መቓልሕ’ ዳዊት ሃብተሚካኤል፡ “ኣብ ልዕሊ ናጻ ፕረስ ዝተወሃሃደ ወፈራ ዝካየድ ዘሎ ይመስል። መንግስቲ ንርእይቶ ህዝቢ ይዅን ብሕታዊ ፕረስ. . . ክጻወሮ ዘይክእል ዘሎ እዩ ዝመስል፡” ክብል ኣቐዲሙ ከጠንቅቕ እንከሎ፡ ማቴዎስ ሃብተኣብ ድማ፡ “ዓፈና ኣብ መወዳእታ ንድሌት ህዝቢ ስቕ ከብሎ ኣይክእልን እዩ፡” ዝብል ጽሒፉ።
ጋዜጠኛ ፍስሃየ ዮሃንስ (ጆሽዋ) ብ17 ሓምለ 2001 ኣብ ጋዜጣ ‘ሰቲት’ ኣብ ዝጸሓፎ፡ “ኵነታት መወከሲ ሆስፒታል ሓሊበት ንምምርማር ምስ ሓተትኩ፡ ሓደ ምኩር ሰራሕተኛ፡ ‘ዝዀነ ነቐፌታ እንተ ቀሪቡ፡ ንኣሽቱ ምምሕያሻት ክግበር ይከኣል ይኸውን፡ መሰረታዊ ምምሕያሻት ምግባር ግና ዳርጋ ዘይከኣል እዩ’ ኢሉኒ፡” ክብል ነቲ ዝነበረ ትካላዊ ብልሽውና ኣቃሊዑ።
ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ‘ጽጌናይ’ ዩሱፍ መሓመድ ዓሊ ብ24 ግንቦት 2001፡ “ኣካል ናይዚ ኣውራ ልእኽቶና፡ ንብልሽውናን ንኡስ-ሃገራዊ ስምዒታትን ንምቅላስ እናሰርሐት፡ ግሉጽነት፡ ናይ ሓሳብካ ምግላጽ መሰልን ናጻ ዝውውር ሓበሬታን ኣብ ኵሉ መዳያት ንምድንፋዕ ምጽዓር እዩ፡” ብምባል ዕላማ ናጻ ፕረስ ኣስፊሩ።
ጋዜጠኛ ስዩም ጸሃየ ብ21 ነሓሰ 2001 ኣብ ጋዜጣ ‘ሰቲት’ ብዛዕባ ዋጋ ናጽነት ክገልጽ እንከሎ፡ “እዚ መስዋእቲ እዚ፡ እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝመጽእ ወለዶ ብፍረ ናጽነት ንኽሕጐስን ብመስዋእቲ ናይቲ ዝሓለፈ ወለዶ ንኽጥቀምን ተባሂሉ ዝተኸፍለ እዩ። እቲ ዝሓለፈ ወለዶ ንምውጋዱ ክንድዚ ዝተቓለሰሉ ግፍዒ፡ ሎሚ እዚ ሓድሽ ወለዶ መሊሱ ክሳቐየሉ ምርኣይ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ፡” ዝብል ንዝጸሓፎ’ውን ተነቢቡ።
ኣማኑኤል ኣስራት፡ ኣብ ጋዜጣ ‘ዘመን’፡ “ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ ትርከብ። ኵሉ ዝሳተፎ ዘተ ብትእዛዛትን መምርሒታትን ተተኪኡ እዩ፡” ብምባል ዘጠንቀቐሉ ጽሑፍ ክዝከር እንከሎ፡ ጸገዘኣብ ‘ወዲ ኢታይ’ ከኣ ካብ ቅዋማዊ ተመኵሮ ኣመሪካ ብምብጋስ፡ “ካብ ውልቃዊ መንነት ንላዕሊ፡ ነባሪ ምርግጋእ ዝህብን መዋእል ዝሳገርን ልዕልና ሕጊ እዩ፡” ክብል ንልዕልና ሕጊ ዝጠልብ ንዝጸሓፎ ተነቢቡ።
እዚ ጽሑፋት፡ እቶም ጸሓፍቲ ተጣበቕቲ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ንመጻኢ ሃገሮም ክሳብ ክንደይ ኣርሒቖም ዝጥምቱ ምንባሮም ዘመስክር እዩ።
ዋና ፈጻሚት ስራሕ ሲፒጀይ ጆዲ ጊንስበርግ፡ “እቲ ሽልማት ንትብዓቶም ዘኽብር እኳ እንተዀነ፡ ንሓቂ፡ ናጽነት ወይ ፍትሒ ግና ክትክእ ኣይክእልን እዩ። ጉዳዮም ንዓለም መጠንቀቕታ እዩ፤ ጋዜጠኛታት ብዘይ ተሓታትነት ስቕ ዝብሉ እንተ ደኣ ኰይኖም፡ ናጽነት ፕረስ ኣብ ኵሉ ቦታ ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ፡” ክትብል ኣጠንቂቓ።
ይርግኣለም ፍሰሃ’ውን ብወገና፡ ተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ፡ ጸሓፍትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ድምጾምን ሞያዊ መድረኻቶምን ብምጥቃም ናይዞም ጋዜጠኛታት መርትዖ ህይወት ክቐርብን ብህጹጽ ክፍትሑን ጻውዒት ክገብሩ፡ “ከም ዘይተረስዑ ከነረጋግጽ ኣለና” ክትብል ሓደራ ኢላ።
