እምነቱ ተስፋይ፡ ተዓዋቲ ሽልማት ናጽነት ሓሳባት ፐን ኤርትራ 2026 ኮይኑ ተሰይሙ

No comments

ደራስን ጸሓፊ ታሪኽ ህይወት ሰባትን፡ እምነቱ ተስፋይ፡ ተዓዋቲ ሽልማት ናጽነት ሓሳባት ፐን ኤርትራ 2026 ኮይኑ ተመሪጹ።

ኮሚቴ ሽልማት 2026፡ ንዝቐረቡ ሕጹያት ብጥንቃቐ ድሕሪ ምግምጋም፡ እምነቱ ብሰፊሕ ስርሓቱ ኣቢሉ ታሪኽ ህይወት ውልቀሰባት ብምስናድን ታሪኽ ኤርትራ ንኽዕቀብ ብዝገበሮ ፍሉይ ኣበርክቶን ነቲ ሽልማት መሪጽዎ። ኮሚቴ ሽልማት 2026፡ ብኮኾብ ተስፋልደት ዝተመርሐ ኮይኑ፡ ኣከደር ኣሕመዲንን ተስፊት ኣብርሃምን ኣባላት እቲ ኮሚቴ ነይሮም።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሓያሎ ዓመታት፡ እምነቱ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስነ-ጽሑፋዊ ፕሮጀክት ከካይድ ጸኒሑን የካይድን ኣሎ። እዚ ፕሮጀክት፡ ታሪኽ ህይወትን ኣበርክቶን ፍሉጣት ኤርትራውያን፡ ካብ ውልቃዊ ተዘክሮታት፡ ብኣፍ ዝተወራረሱ ምስክርነታትን ውሱናት ጽሑፋዊ ሰነዳትን ኣኪቡ ብምስናድ፡ ካብ ምርሳዕ ንምድሓን ዝዓለመ እዩ።

ካብ 2020 ንደሓር፡ እምነቱ ብዙሓት መጻሕፍቲ ታሪኽ ህይወት ኣሕቲሙ ኣሎ። ካብዚኣቶም ድማ ብዛዕባ ተስፋይ ኢያሱ፡ ራእሲ ተስማ ኣስበሮም፡ ኪዳነ ክፍሉ፡ ዶክተር እምባየ ወልደማርያም፡ ኣማን ሚካኤል ዓንዶም፡ ሼኽ ዓብደልቃድር ከቢረ፡ ሼኽ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ወልደኣብ ወልደማርያም፡ እድሪስ መሓመድ ኣደም፡ ማርታ መብራህቱን ኣባ ተኽለሃይማኖት ምስጉንን ዝጸሓፎም መጻሕፍቲ ይርከብዎም።

ገለ ካብዞም ስርሓት ብትግርኛን እንግሊዝኛን ብምሕታሞም፡ ካብ ኣንበብቲ ትግርኛ ወጻኢ እውን ክበጽሑ ክኢሎም እዮም።
ስራሓት እምነቱ ኣገዳሲ ዝገብሮ፡ ክስንዶም ዝመረጾም ሰባት ዘለዎም ብዙሕነት እዩ። እቶም ዝጸሓፈሎም ውልቀ-ሰባት፡ ካብ ዝተፈላለየ ድሕረ-ባይታ፡ ወለዶታትን ዓውድታት ስራሕን ዝመጹ እዮም። በዚ ድማ፡ ኣብቲ ቀንዲ ሃገራዊ ትረኻ እኹል ትኹረት ዘይረኸቡ፡ ዝተፈላለዩ ክፋላት ታሪኽ ኤርትራ ይውክሉ።

እምነቱ፡ መብዛሕትኡ ስርሑ ብውልቁ ብምክያድ፡ ናይ ኣፍ ምስክርነታት ኣኪቡ፡ ነቶም ውሱናት ዝርከቡ ጽሑፋዊ ሰነዳት ድማ መርሚሩ፡ ታሪኽ ውልቀ-ሰባት ንምዕቃብ ሰሪሑ። እዞም ውልቃዊ ታሪኻት ብሓባር፡ ኣካል ናይቲ ሓባራዊ ታሪኻዊ ተዘክሮ ኤርትራ ይኾኑ።

ተሳትፎ እምነቱ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ፡ ካብ ንእስነቱ እዩ ዝጅምር። ካብ ወዲ 13 ዓመት፡ ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ዝሳተፍ ዝነበረ እምነቱ፡ ኣብ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ተጸንቢሩ። ድሒሩ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃይለ ስላሴ ቀዳማዊ ጋዜጠኝነት ተማሂሩ፡ ኣብ ኣብያተ-መጻሕፍቲ፡ ሰራሕተኛን ክኢላ ሓበሬታን ኮይኑ ሰሪሑ። ብ1976 ናብ ኖርወይ ድሕሪ ምኻዱ፡ ሞያዊ ስርሑ ምስቲ ንታሪኽ ሃገሩ ንምስናድ ዝነበሮ ናይ ምሉእ ዕድመ ተወፋይነት ኣወሃሂዱ ቀጺሉ።

ብዛዕባ እዚ ሽልማት ርእይቶኡ ክህብ እንከሎ፡ እምነቱ፡ “ፐን ኤርትራ፡ ንስርሐይ ዝሃቦ ኣፍልጦ፡ ንዓይ ዓቢ ትርጉም ኣለዎ። ነዚ ክብሪ ድማ፡ ምስ ኩሎም`ቶም ነዚ ስራሕ፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣበርክቶ ዝገበሩ ሰባት እካፈሎ።” ኢሉ።

ኣባላት ኮሚቴ ሽልማት 2026 ብወገኖም፡ “ኣቶ እምነቱ፡ ነቶም ዕቱብ ጻዕሪ ብምግባር ዘሕተሞም መጻሕፍቲ ታሪኽ ህይወት – ገሊኣቶም ኣብ ውሽጢ ሃገረ ኤርትራ ፈጺሞም ክጽሓፉስ ይትረፍ፡ ታሪኾም እውን ክትንከፍ ዘይፍቀድሎም ውልቀሰባት ታሪኽ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ሕርያ ዕዉት ሽልማት ኤርትራ ዝያዳ ግሉሕ ክኸውን ኣኽኢሉዎ እዩ። ነዚን ንናይ ነዊሕ ዓመታት ኣበርክቶኡን ኣብ ግምት ብምእታው ድማ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዝወሰደ ዘተን ገምጋምን፡ ኣቶ እምነቱ ተስፋይ ብጻዕሩን ኣበርክቶኡን ዕዉት ሽልማት ምግላጽ ሓሳባት ፐን (PEN) ኤርትራ 2026 ክኸውን ብዝለዓለ ብልጫ በቒዑ ኣሎ።” ብምባል፡ ንሽልማት ከም ዝሰመይዎ ገሊጾም።

ሽልማት ናጽነት ሓሳባት ፐን ኤርትራ፡ ብ2019 ዝጀመረ ኮይኑ፡ ንስነ-ጽሑፍን ናጽነት ሓሳባትን ፍሉይ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ውልቀሰባት ኣፍልጦ ዝህብ ሽልማት እዩ።