ከም ቆሎ መሸላ

No comments

መጋቢት 5–2021

ኣሎ እዋን ኣሎ ግዜ

ቢልካ ቢልካ ሓሸውየ

ወትሩ ቁዛም ወትሩ ወየ

እዋን ኣሎ ወርሓት ኣሎ

ዝወድቀካ ሓሳብሎ

ኣልቦ መዓት ነይተልዕሎ

መሲእካ ፈቲግካ

ኩሉ ይዝረገካ

ሓሲብካ ዘቚቕካ

ከቶ ነይሰልጠካ

ንስኻ ትነድቕ

ደድሕሬኻ ይወድቕ።

እንታይ ዶ ይግበር’ዩ …

እናተበራረዩ …

ኢድካ ተኣሲሩ ኩርንኩሪት

“ህህ!” ‘ተበሉኻ ብኹርንዒት?!

እንተ መኸሩልካ ለይትን ቀትርን

እንተ ደርበዩልካ እምንን በትርን?!

ኣይበልካ ደሓን ክትል-ክትል

ኣይተስግል ሕደግ – ኣይትሰፍልል

ናይ ‘ንዳመን ድንን

ናይ ‘ንዳመን ዝህልል

ጨጎራኻ ጌርካ ከም ንቑልቁል

ከም ቆሎ መሸላ እናተሎሎኻ

ምስሓቕ’ዩ ‘ንታይ ድኣ

ልቢ – ዝልብኻ።

ብየማንካ ቅጻዕ ብጸጋምካ ቅጻዕ

ምዕይ እንተ በልካ ዝወድቀካ ስላዕ

ዕርቕርቕ ‘ተበለካ – ‘ተበለካ ጻዕጻዕ

ኣይትድነን ርእስኻ

ቅናዕ ደኣ ቅናዕ!

ዝሃርሃረ ልቢ ዝቖሰለ ከብዲ

ከቐምርሮ’ዩ ግዜ ተፋራዲ።

እንታይ’ዶ ይግበር’ዩ …

እናተበራረዩ …

ብዙሓትን – ጥምዙሓትን

ተመሲሎም ንህብን ፈርግን

‘ተዀኑኻ ሓውን ገድን

‘ተዀኑኻ ከም ክራማት

ዘይወግሕ ድቕድቕ ጸልማት።

ኣይበልካ ደሓን ቅጭጭ – ጠላሕ

ክሳብ ዝብል ወጋሕ – ፈታሕ።

“ኣሎኹ” ከም ትብል

ዘይትጠፍእ ሽምዓ

ፈትላ ‘ናተኸኸ ‘ናመኸኸ ስምዓ

እናነብዐት’ወ ንፋስ እናላሃማ

ከም እተስለምልም ጥዋፍ

እትሓድር ቆይማ።

እንታይ’ዶ ይግበር’ዩ …

እናተበራረዩ …

ሓፍ ከይበሉ ሃፍ ዝበሉ

ጢማ-ሚና ሽሉ-ምሉ!

ኣይሓጣእካ ኣይኣበስካ

ውጉዝ ኵኑን ‘ተበሉኻ

ብዘይ ንሕፈት ብዘይ ሒንዳ

ከም ኣርዮስ ከም ይሁዳ

ጸላእኩኻ ቀንጣእኩኻ

ማሕላይ ጣልማይ ‘ተበሉኻ

ኣይትከማህ ‘ታይ ግድኻ።

ኣይትረታዕ ኣይትሰነን

ከም መሸላ ከም ኮደን

ሰሓቕ እወ ባህ ኣይበሎ

እናበሰልካ ኣብ ርሱን መቕሎ

ኣንጣዕጣዕ ‘ወ ቆሎ ኴንካ

እናዓንበብካ እናሓረርካ።

በየነ ሃይለማርያም

(ቤት-ማእሰርቲ ኣለም-በቃኝ 1985)

Print Friendly, PDF & Email