መጋቢት 5–2021
ኣሎ እዋን ኣሎ ግዜ
ቢልካ ቢልካ ሓሸውየ
ወትሩ ቁዛም ወትሩ ወየ
እዋን ኣሎ ወርሓት ኣሎ
ዝወድቀካ ሓሳብሎ
ኣልቦ መዓት ነይተልዕሎ
መሲእካ ፈቲግካ
ኩሉ ይዝረገካ
ሓሲብካ ዘቚቕካ
ከቶ ነይሰልጠካ
ንስኻ ትነድቕ
ደድሕሬኻ ይወድቕ።
እንታይ ዶ ይግበር’ዩ …
እናተበራረዩ …
ኢድካ ተኣሲሩ ኩርንኩሪት
“ህህ!” ‘ተበሉኻ ብኹርንዒት?!
እንተ መኸሩልካ ለይትን ቀትርን
እንተ ደርበዩልካ እምንን በትርን?!
ኣይበልካ ደሓን ክትል-ክትል
ኣይተስግል ሕደግ – ኣይትሰፍልል
ናይ ‘ንዳመን ድንን
ናይ ‘ንዳመን ዝህልል
ጨጎራኻ ጌርካ ከም ንቑልቁል
ከም ቆሎ መሸላ እናተሎሎኻ
ምስሓቕ’ዩ ‘ንታይ ድኣ
ልቢ – ዝልብኻ።
ብየማንካ ቅጻዕ ብጸጋምካ ቅጻዕ
ምዕይ እንተ በልካ ዝወድቀካ ስላዕ
ዕርቕርቕ ‘ተበለካ – ‘ተበለካ ጻዕጻዕ
ኣይትድነን ርእስኻ
ቅናዕ ደኣ ቅናዕ!
ዝሃርሃረ ልቢ ዝቖሰለ ከብዲ
ከቐምርሮ’ዩ ግዜ ተፋራዲ።
እንታይ’ዶ ይግበር’ዩ …
እናተበራረዩ …
ብዙሓትን – ጥምዙሓትን
ተመሲሎም ንህብን ፈርግን
‘ተዀኑኻ ሓውን ገድን
‘ተዀኑኻ ከም ክራማት
ዘይወግሕ ድቕድቕ ጸልማት።
ኣይበልካ ደሓን ቅጭጭ – ጠላሕ
ክሳብ ዝብል ወጋሕ – ፈታሕ።
“ኣሎኹ” ከም ትብል
ዘይትጠፍእ ሽምዓ
ፈትላ ‘ናተኸኸ ‘ናመኸኸ ስምዓ
እናነብዐት’ወ ንፋስ እናላሃማ
ከም እተስለምልም ጥዋፍ
እትሓድር ቆይማ።
እንታይ’ዶ ይግበር’ዩ …
እናተበራረዩ …
ሓፍ ከይበሉ ሃፍ ዝበሉ
ጢማ-ሚና ሽሉ-ምሉ!
ኣይሓጣእካ ኣይኣበስካ
ውጉዝ ኵኑን ‘ተበሉኻ
ብዘይ ንሕፈት ብዘይ ሒንዳ
ከም ኣርዮስ ከም ይሁዳ
ጸላእኩኻ ቀንጣእኩኻ
ማሕላይ ጣልማይ ‘ተበሉኻ
ኣይትከማህ ‘ታይ ግድኻ።
ኣይትረታዕ ኣይትሰነን
ከም መሸላ ከም ኮደን
ሰሓቕ እወ ባህ ኣይበሎ
እናበሰልካ ኣብ ርሱን መቕሎ
ኣንጣዕጣዕ ‘ወ ቆሎ ኴንካ
እናዓንበብካ እናሓረርካ።
በየነ ሃይለማርያም
(ቤት-ማእሰርቲ ኣለም-በቃኝ 1985)