ደሳለ በረኸት*
ንጋዜጠኛን ደራስን ሚኪኤል በርሀ፡ ድሕሪ ግንቦት 1991 እየ ዝያዳ ዝፈልጦ። ኣብቲ ግዜ’ቲ፡ ስሙ ኣብ ራድዮ “ድምጺ ሓፋሽ” ከይሰማዕካያ፥ ከምኡ’ውን – ገለ ካብ ጽሑፋቱ ኣብ ጋዜጣ “ሓዳስ ኤርትራ” ከየንበብካ ምቕናይ ልሙድ ኣይነበረን።
ከም ሓቂ፡ ንሚኪኤል በርሀ ኣብ መወዳእታ 80ታት እውን፡ ሳሕቲ – ከም መራሒ-መድረኽ፡ ናይ ጒጅለ ባህሊ “ሂላል” እንከሎ፡ ርእየዮ እፈልጥ ነይረ’የ። ሽዕኡ፡ ሓውሲ ሓፋርን ዓይኒ-ሰብ ዘይክእልን ኰይኑ’ዩ ዝርኣየና ዝነበረ።
ኣብቲ ጸኒሕና ዝርኣናዮ ግን፡ ሚኪኤል በርሀ ማለት፥ ልዕሊ’ታ ተፈጥሮ ዝለገሰትሉ ልሳኑ፡ በታ በላሕ ብርዑ “ምዝራብ”ን ምግላጽን ከም ዝቐሎ ዘረድእ’ዩ። ከም ወኪል ኣገልግሎት ዜና፡ ኣውራጃታት ሰምሃርን ሰንሒትን ኰይኑ ዘቕርቦም ንዝነበረ ጽሑፋት፡ ከየባተኹ፡ ኣብ ራድዮን ጋዜጣን ካብ ዝከታተሉ ዝነበሩ ዓማዊል ሓደ’የ ነይረ። በቲ ውሱን ዓቕሚታተይ፡ ጋዜጠኛ ማለት፡ ደድሕሪ ዝርኣዮን – ዝሰምዖን ፍጻመታት እናኸደ ክጽብጽብን ለለ ክብልን ዝውዕል’ዩ ዝመስለኒ ዝነበረ።
ነቲ ጽሑፋት ናይ ሚኪኤል በርሀ ድሕሪ ምክትታለይ ግን፡ ጋዜጠኛ ማለት – “ፍትሒ ጐደለ – ድኻ ተበደለ!” ዝብልን፥ ወትሩ ድማ፡ ጸግዒ ሓቅን ርትዕን ሒዙ፡ መሬት ዘቢጡ – ጭብጥታት እናፈርፈረ፡ ዓይንን እዝንን ህዝቢ ዝኸውን ተባዕ ብዓል ሞያ ምዃኑ ክግንዘብ ከኣልኩ። ነዚ ርድኢት እዚ ንኸጥሪ ኸኣ፡ ከም ጋዜጠኛ ሚኪኤል በርሀ ገይሩ ግብራዊ-ኣርኣያ ዝዀነኒ ሰብ ፍጹም ኣይነበረን። ሎሚ’ውን እንተ-ዀነ የለን!
ንሱ ጥራይ ዘይኰነ’ውን፡ ብቕዲ ኣጸሓሕፋን፡ ኣገላልጻን ሚኪኤል በርሀ – ወትሩ እምሰጥ ነበርኩ። ሓደ ግዜ፡ ኣብ መፋርቕ 90ታት ኣቢሉ፥ ብዛዕባ ሓንቲ፡ ውሑዳት ሰባት ጥራይ ዝቕመጡላ፡ “ኣባዕ’ጒባዕ” ዝተባህለት – ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ደሴት ጽሒፉ ነበረ። ነታ ጽሕፍቲ ክሳብ ለይቲ-ሎሚ’የ ዝዝክራ። ከም ኣብ ሓደ ደረቕ ወረቐት፡ ብፊደላት ዝተጻሕፈት ጽሕፍቲ ዘይኰነ ግን፡ ወትሩ – ከም ኣብ ሓደ ናይ “National Geography” ሰነዳዊ ፊልም ደጋጊመ ዝርኣኽዋ ኰይና ትቕጀለኒ።
* * *
ሚኪኤል በርሀ፡ ካብቲ ናይ ጋዜጠኝነት ብቕዓቱ ብዘይሰንፍ፡ ኣብ ናይ ፈጠራዊ ድርሰት ዓለም እውን ልዕሊ-መጠን ዝኸደ ዓቕምታቱ ኣርእዩና’ዩ። ኣብ 1996 ኣቢሉ፡ “ፈታው ስዓት” ዘርእስታ፡ ሸውዓተ ሓጸርቲ ዛንታታት ዝሓዘት መጽሓፍ ኣሕተመ። ከም ሓቂ – ሚኪኤል በርሀ ንሕትመት ጋሻ ኣይነበረን። ኣብ 1990፡ እታ ምስ ሚኪኤል ኣዶናይ ኰይኖም ዘዳለዉዋ፡ “ሓጸርቲ ዛንታታት ገድሊ” ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ሽወደን ተሓቲማ ነይራ’ያ። እዛ መጽሓፍ፡ ጸኒሓ’ውን፡ ኣብ 2007 “ተኽሊት ወዲ ባሕሪ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣሕተምቲ ሕድሪ ደጊሞም ኣሕቲሞምዋ’ዮም።
“ፈታው ስዓት” ግን፡ ብዝዀነ መለክዒ፡ ልዕሊ ዝዀነ ካልእ ስነ-ጽሑፋዊ ዕዮ ጸብለል ዝበለት ስራሕ ሚኪኤል በርሀ እያ። ኣነ ንባዕለይ፡ “ፈታው ስዓት” ክትሕተም እንከላ፡ ብውሕዱ፡ ሓጸርቲ ዛንታታት ንምንባብን ንምስትምቓርን ጀማሪ ኣይነበርኩን። ተምሃራይ መባእታ ካብ ዝነበርኩሉ ግዜ ኣትሒዘ፥ ነቶም ኣብ ሳሕል ዝተተርጐሙ፡ ናይ ብዓል ሰውራታት ቬትናም፡ ሩስያን ቻይናን . . . ሓጸርቲ ዛንታታት፡ ደጋጊመ ኣንቢበዮም ነበርኩ።
ይዂን እምበር፡ እቶም – ኣብቲ ሚኪኤል በርሀ “ዝፈጠሮ ዓለም”፡ ድርሰት ናይ “ፈታው ስዓት” ዝረኸብክዎም ገጸ-ባህርያት፡ ብዂሉ መልክዒታቶም ፍሉይነት ነበሮም። ዋላ’ኳ – ኣብ ምትርጓም ዝጐድል ነገር ምህላዉ ርዱእ እንተ-ዀነ፡ እቲ ተተርጒሙ ንነቦ ዝነበርና ሓጸርቲ ዛንታታት ግን፥ ናይ ከም ብዓል ሩስያውያን ደረስቲ ማክሲም ጎርኪ፡ ሚኻኤል ሿሎኮቭን ፑሽክንን ከምኡ’ውን ቬትናውያን ጸሓፍቲ ናም ሃ፡ ንጒየን ሳንግ፡ ብተወሳኺ፡ ከም ናይ ብዓል ፈረንሳዊ ደራሲ ጊደ ሞፖሳ ዝርከቦ፡ ብደረጃ ዓለም’ውን ስሞም ዝፍለጥ ነበረ። ኰይኑ ግን፡ እቶም ኣብቲ ናይ ትርጕም ዛንታታት ንረኽቦም ዝነበርና ገጸ-ባህርያት፡ ዝበዝሑ፡ ከምቶም ኣብ ዛንታታት ሚኪኤል በርሀ ዝረኸብናዮም ገይሮም ኣብ ሓንጐልና ተቐሪጾም ኣይተረፉን። በዚ እምብኣር፡ እታ ካልኣይቲ፡ ካብ ድርሰታት ሚኪኤል በርሀ ዝቐሰምክዋ ምህሮ ድማ፡ ፈጠራዊ ዛንታ ማለት – ንፍጻመታት ምጽብጻብ ማለት ጥራይ ዘይምዃኑ ነበረት።

ንሚኪኤል በርሀ – ዝበዝሕ ግዜ፡ ከም ሰበይ – ናይ ርሑቕ ኣድናቒኡ’የ ዝነበርኩ። ሓደ ኵነታት ግን፡ ንኽንራኸብ ዕድል ከፈተ። 20 ሰነ ናይ 1996 – ኣብ ባጽዕ ተባዒሉ ነበረ። ኣብቲ ግዜ’ቲ፡ ተመሃራይ ካልኣይ ደረጃ ኰይነ ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ነበርኩ። ብምኽንያት ናይቲ ኣብ ባጽዕ ዝበዓል ዝነበረ 20 ሰነ ድማ፡ ካብ ዖናን በስክ-ዲራን፡ (ከባቢ ከረን)፡ ብእግሪ-ጒዕዞ ተበጊሰ ንምጽዋዕ ክኣቱ መደብኩ። እቲ ጕዕዞ፡ ኣብ 60ታት ኣብ ጐላጕል ጋሕቴላይ ዝነበራ፡ ዓይለትን ጎምሆትን ዝበሃላ ዓድታት ብምብጻሕ – ቀጺለ’ውን ንሽዕብ፡ ወቒሮን እምበረሚን ብምሕላፍ፡ ናብ ሕርጊጎ ሰጊረ- ናብ ባጽዕ፡ ናብቲ በዓል ንኸርክብ ነበረ። ነዚ ጕዕዞ ንምጅማር ከኣ፡ ኣቐዲመ፡ ካብ ከተማ ደቀምሓረ ተበጊሰ ናብ ከረን ወረድኩ።
ሓደ – ካብቶም ኣብ ከተማ ከረን ብኽብሪ ዝተቐበሉኒ ሰባት ከኣ፡ እቲ – ናይቲ ግዜ’ቲ ወኪል ኣገልግሎት ዜና፡ ኣውራጃ ሰንሒት ዝነበረ – ሚኪኤል በርሀ ነበረ። ንግሆ ናብቲ ጕዕዞ ክብገስ እንከለኹ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ተራኺብና ቃለ መሕተት ኣካየደለይ።
እቲ ዝዀነ ሰብ’ውን፡ ከም ሓፋር ምዃኑ ዝፈልጦ ሚኪኤል በርሀ፡ ኣብቲ ግዜ ቃለ መጠይቕ ግን፡ ካብ ኣዒንተይ ገለ በሰር ከውጽእ ከም ዝደለየ ሰብ፥ ኣብ ኣዒንተይ ኣተኲሩ እናጠመተ፡ ማዕረ-ማዕረ እታ ንድምጸይ ትቐርጽ ዝነበረት ንእሽቶ ቴብ፡ ብኢዱ’ውን ኣብ ሓንቲ ጭራም “ኖት-ቡክ” ይሓናጥጥ ነበረ። ናብቲ ንመበገሲ ዝመረጽክዎ ዖና ዝተባህለ ዓዲ ንኽኸይድ ከኣ፡ ፍርቂ መንገዲ ኣፋነወኒ።
እተን፡ ኣብ ጕዕዞይ ዝበጽሐን ዝነበርኩ ዓድታት ብሃውሪ ዝመረጽክወን ኣይነበራን። ኣብ 60ታትን 70ታትን፡ “ኢትዮጵያ – ህልቂት ፈጺማትለን!” እናተባህላ፡ ኣብ ታሪኽ ብዛዕባአን ዝንገረለን’የን ነይረን። መበገሲ ጕዕዞይ ድማ፡ ወላ’ኳ፡ ሽሕ ግዜ – ብምኽንያት 20 ሰነ እንተ-ነበረ፡ እቲ ቐንዲ ሓሳበይ ግን፡ ኣብቲ ቦታታት ክረኽቦም ካብ ዝኽእል ናይ ዓይኒ-መሰኻኽር ሓበሬታ ንምርካብ እዩ ነበረ።
ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ናይ ጕዕዞይ፡ ኣብ ከባቢ ረብቶ ዝብሃል ዓዲ ምስ በጻሕኩ፡ ነቲ ጸብጻብን ቃለ መጠይቕን፡ ሚኪኤል በርሀ – ብራድዮ ድምጺ ሓፋሽ ሰማዕክዎ።
***
ድሕሪ’ዚ’ውን፡ ካልእ ዘራኽበና ኣጋጣሚ ተረኽበ። እቲ ኵነታት፡ ኣብታ “ኣጋር ጋዜጠኛ” እትብል ናይ ጋዜጣ “ሓዳስ ኤርትራ” ዓምዱ፡ ሓንቲ ኣገዳሲት ጽሕፍቲ ምስ ኣንበብኩ ዝተፈጥረ ነበረ። እታ “ንእግረ መንገደይ” ዝብል ኣርእስቲ ዝሃባ ጽሕፍቲ፡ ክልተ ክፋላት ዝነበራ ዓንቀጽ’ያ ነይራ። ከም ሓቂ – እታ ጽሕፍቲ፡ ምናልባት፡ ኣቓልቦ ብዙሕ ኣንባቢ ዘይትስሕብ ነይራ ክትከውን ትኽእል’ያ። ንዓይ ግን፡ ንገለ ምኽንያት፡ ኣዝያ ኣገዲሳትኒ ነበረት።
እቲ ሚኪኤል በርሀ “ንእግረ መንገደይ” ብምባል ዝጸሓፈሉ ጒዳይ፡ ንትምህርቲ – ሕብረተ-ሰብ ብሌን፡ ብቛንቋ’ደ ዝምልከት’ዩ ነይሩ። ቋንቋ ብሌን፡ ቅድሚ 1997 – ብፊደላት ግዕዝ እዩ ዝጸሓፍ ነይሩ። እቲ ሕብረተ-ሰብ ከኣ፡ ብዘይ ገለ ጸገም – ብፊደላት ግዕዝ ይጥቀም ነበረ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ መዝሙር ዳዊትን ካልእ ጽሑፋትን – ብፊደላት ግዕዝ ተሓቲሙ – ኣብ ጽቡቕ መዓላ ይውዕል ነበረ።
ጸኒሑ ግን፡ ብመሰረት፡ እቲ ምኒስትሪ ትምህርቲ ዘውጽኦ ፖሊሲ – እቲ ብፊደላት ግዕዝ ንኽጽሓፍ፡ ብዙሕ ብልጫታት እንተ ዘይኰይኑ፡ ዝዀነ ይዅን ጸገም ዘይነበሮ ቋንቋ ብሌን፡ “ግድን – ብፊደላት ላቲን ክጸሓፍ ኣለዎ!” ዝብል መምርሒ ወጽአ። ህዝቢ፡ ብፍላይ ከኣ ምሁራትን፡ ካህናት ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን፡ “ዝጸገመና የለን። ልዕሊ ዂሉ ድማ፡ ንሕብረተ-ሰብ ብሌን ከቢበን ዘለዋ – ክልተ ‘ዓበይቲ ቋንቋታት’ ትግረን ትግርኛን፡ ብግዕዝ ይጽሕፋ ስለ ዘለዋ፡ እዚ ሓዲሽ መደብ፡ ዘየለ ጋግ ክፈጥር’ዩ። እቶም ዓበይቲ ተዛረብቲ እዚ ቋንቋ፡ ብፊደላት ግዕዝ ስለ ዝጽሕፉ’ውን፥ እዞም ንኣሽቱ፡ ሕጂ ናብ ፊደላት ላቲን እንተ ሰጊሮም፡ ዘይተደልየ ናይ ወለዶታት ሃጓፍ ክፍጠር’ዩ! . . .” ዝብል – ዝርከቦ ጥርዓናት ቀረበ። እቲ ጒዳይ ግን፡ “ምስ ደጃዝማቲ መን ተማጓቲ፧!” ኰይኑ – ሰማዒት እዝኒ ስኣነ።
ጋዜጠኛ ሚኪኤል በርሀ እምብኣር፡ ነዚ ትርኑዕ ዛዕባ’ዩ ኣብታ “ኣጋር ጋዜጠኛ” ትብል ዓምዱ – ብትብዓት ዝጸሓፈሉ። ክሳብ ናብ ኣባላት ባይቶ ዞባ ዓንሰባን፡ ካልኦት ዝምልከቶም ዓበይቲ ዓድን ካህናትን፡ ብምኻድ ድማ፡ ነቲ ጒዳይ ሰጋእ ከይበለ ፈርፈሮ።
ኣብ ከምዚ ኲነታት ድማ’የ፡ ኣነ’ውን፡ “እቲ ጒዳይ መትሓዚ ጭራ ካብ ተረኽቦ” ብምባል – ሓንቲ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ሚኪኤል በርሀ ጽሑፍ፥ ተወሳኺ ሓሳብ እትህብ ጽሕፍቲ ኣዳልየ ናብ ፎርቶ እንዳ ዜና ዝደየብኩ። ኣብቲ ግዜ፡ ዋና ኣሳናዳኢ ጋዜጣ “ሓዳስ ኤርትራ” ንዝነበረ ኣስፍሃ ክፍለማርያም ድማ – ረኸብክዎ። ነታ ጽሕፍቲ ትኣኒኑ ኣንቢብዋ። ዝጸልኣ’ውን ይመስል ኣይነበረን። ኣብታ ጋዜጣ ንኽትሕተምን ንኸይትሕተምን ግን፡ ናቱ ውሳነ ጥራይ እኹል ኣይነበረን።
“ስማዕ መንእሰይ! እዛ ጽሕፍትኻ ሒዝካያ ናብ ምኒስተር ክትከይድ ኢኻ። ናይ ሚኪኤል በርሀ ጽሑፋት ንሕና ኣይንሕተተሎምን ኢና!” በለኒ። ኣስፍሃ “ምኒስተር” ዝብሎ ዝነበረ፡ እቲ ሕጂ ኣብ ኣውስትራልያ ዘሎ ዓሊ ዓብዱ’ዩ።
ኣነ ግን፡ ናብ ዓሊ ኣይከድኩን። ጽሕፍተይ ሒዘ፡ ናብ ስኔማ ኣዝመራ ብምኻድ – ንሚኪኤል በርሀ ረኸብክዎ። ብዛዕባ’ቲ ጒዳይ – ንነዊሕ ኣዕሊልና። ነቲ ናብ ዓሊ ናይ ዘይምኻድ ውሳነይ ኣይጸልኦን። እታ ጽሕፍቲ ክእክባን፡ ፍቓደኛ እንተ-ዀይነ ድማ፡ ቅዳሕ ክህቦን ሓቲቱኒ። ብኸምኡ ድማ – ተፈላሊና።
ነታ ጽሕፍቲ ንምድላው ሓበሬታ ካብ ዝሃቡኒ – ሓደ ምኩር ጋዜጠኛ ዓብዱ መ. ዓንዱ ነበረ። ዓብዱ፡ ብሕውነታዊ መንገዲ፡ “ንኽልተ ምኽንያታት – ነዛ ጽሕፍቲ ምድላው ኣየድልየካን’ዩ!” ኢሉ ኣጠንቂቚኒ ነበረ። እተን ምኽንያታት ድማ፡ “ሓደ – መጠመቲትካ እያ ክትከውን። ካልኣይ ድማ፡ ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ምምህላል ዝዓብሰልካ የብሉን!” ዝብላ ነበራ። ጸኒሐ፡ እቲ ጋዜጠኛ ዓብዱ መ. ዓንዱ ዝሃበኒ ምኽሪ – ብትኽክል ሓቂ ምንባሩ ተገንዘብኩ።
* * *
ብድሕር’ዚ፡ ቅድሚ ካብ ኤርትራ ጠቕሊለ ምውጽአይ – ምስ ሚኪኤል በርሀ፡ ሳሕቲ ንራኸብ ነበርና። ኣብ ስደት ኰይነ’ውን እንተ-ዀነ፡ እቲ ሚኪኤል በርሀ – ኣብ ዓዲ ኰይኑ ዘሕልፎ ዝነበረ መከራ እኽወለኒ ኣይነበረን። ክሳብ ቅድሚ ዕርፍቱ – ቅድሚ ገለ መዓልትታት እውን ንደዋወል ነበርና። ነታ – ንዓይ ወሲኽካ፡ ንብዙሓት ናይ ስነ-ጽሑፍ ኣዒንትና ዘንቊሐት – “ፈታው ስዓት” ዘርእስታ መጽሓፉ፡ ብውሕዱ – ከም መበገሲ፡ ኣብ ደገ ንኸነሕትማ ተቛጺርና፥ ምስ መቕርቡን ፈተውቱን ኣብ ስራሕ እንለለና ድማ፡ ቀዳም 30 ነሓሰ 2025 – ቈጸራ ናይ ኣምላኽ ኣርከበ።
እቲ በታ በላሕን – ክምህ ዘይትብልን ብርዑ፡ ናይ ገዛእ-ርእሱ ዓለም ዘርኣየና ሚኪኤል በርሀ፡ ነዛ ዓለምና ረጥሪጡ፡ ባሕቲ መስከረም 2025 – ኣብታ ዝተወልደላ ከተማ ኣስመራ ዘለኣለማዊ ስፍራኡ ሓዘ።
እቲ – ብመሰረት፡ ጸሓፊ እንጂነር ኣማን ተኸስተ ዘሰናድኦ – “ኢንሳይክሎፐድያ ኤርትራና” ቅጺ – 1፡ ኣብ ኣኽርያ – ኣስመራ፡ ኣብ 1962 ዝተወልደ ሚኪኤል በርሀ፡ ጌና ብዙሕ እናተበናዮ’ዩ – ኣብ መበል 64 ዓመት ካብ ዕምሩ፡ ንዘልኣለም ተፈልዩና – ዝሓለፈ!
ዕርፍቲ ሚኪኤል በርሀ ምስ ሰምዕኩ፡ ከም ሰብ ሓዚነ። ወዲ-ሰብ፡ ተወልደ ማለት እንኮላይ ሞተ ማለት’ዩ! መዓስ ብዘይ-ገድስ፡ ሞት ካቲማ ናይ ኲሉ ህይወታዊ’ያ። ሞት ግን፡ ንባዕላ ሓንቲ እኳ እንተ-ዀነት፡ ብዙሕ ሕብርታት ድማ ‘ለዋ። ከመይ’ሲ፡ ንሞት ፈሪሑ፡ ብህይወት እንከሎ ዝመውት ኣሎ። ካብ ሓሲርካ ምንባር፡ ከቢርና ምሟት ዝመርጽ ድማ’ሎ። ሚኪኤል በርሀ – ብርግጽ ካብዞም ዳሕረዎት ነበረ!
ብርሃን ዓይኑ ጠሊምዎ፡ ዓይነ-ስዉር ኰይኑ፡ ኣብ መበቈል ዓዱ ኣፍደዩ – ኣብ ጽምዋ ዘሕለፎ ግዜ ዘኪረ ዝያዳ ሓዝነን ኣስተንቲነን። እቲ ኣብ ልቢ ነፍሲ-ወከፍና ኣፍቀርቱ፡ ነቕ ዘይብል ሓውልቲ ዝሃነጸ ሚኪኤል በርሀ – እቲ ዝረኸቦ፡ ንዕኡን ንጻማኡን ዝግባእ ኣይነበረን።
የግዳስ፡ ከምቲ እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ዝብሎ ድማ – ነቢ ኣብ ዓዱ ኣይከብርን’ዩ። ሚኪኤል በርሀ ኸኣ – ብዘይ ጥርጥር ነቢ ነበረ’ሞ – ኣብ ዓዱ ድማ፡ እቲ ዝግብኦ ክብሪ ኣይረኸበን። ንዝዀነ፡ ሕማቕ ጽሕፍቶ ግን – ግዜ’ዩ ዘምጽኦ’ሞ – ግዜ ድማ ባዕሉ መብረ የምጽኣሉ’ዩ።
ሚኪኤል በርሀ – ነታ “መጎጎ እምኒ” ዘርእስታ፡ 15 ምሩጻት ሓጸርቲ ዛንታታት ዝሓዘት፡ ኣብ 2010 – ኣብ ቤት ማሕተም MBY ዘሕተማ መጽሓፉ – ክዛዝም እንከሎ፥ ክልተ ግዜ፡ “ኣብዚኣ ወዲአ – ንሎም” ዝብል ሓረግ ኣስፊሩ’ሎ። ኣነ’ውን ኣብዚኣ ክውድእ – ንሎም! እንተ-ዀነ ግን፡ እታ ዕርፍቲ ዘይ-እንታያ ኢድ ሚኪኤል በርሀ፡ ድሕሪ’ዚ ዝተጠቕሰ ግዜ፡ 2010 እውን ብዙሕ ጽሒፋ ምዃና ኣይጠራጠርን’የ። ስለዝዀነ፡ ብሉጻት ጽሑፋት ሚኪኤል በርሀ – ንሕብረተ-ሰብ ምህሮ ንኽህቡ – ተጠርኒፎም ንኽሕተሙን ንኽዝርግሑን ጻዕሪ ናይ ኲሉ ግዱስ ዝሓትት ምዃኑ ከዘኻኽር እደሊ።
ዘለኣለማዊ ዕርፍቲ ይሃብካ – ፍቚር ናይ ጥበብን ልቦናን ሓው – ሚኪኤል በርሀ!
_____________________________________________________________________________________________________________
ደሳለ በረኸት – ብቛንቋ ትግርኛን ትግረን ዝጽሕፍ ጸሓፋይ’ዩ። ሓደ ካብ መስረትቲ ፐን ኤርትራ ኰይኑ፡ ኣብ ኖርወይ ድማ ይነብር። berekhet16@gmail.com ብዝብል ኣድራሻ ምርካቡ ይከኣል።