ደንደን ሰለሙን*
ሰዓት ኣጋንንቲ ኣኺሉ ኣሎ። ኣብ’ዛ ብነዋሕቲ ኣጕናድ መሰረት ገይራ ብሳዕሪ ዝተሃደመት ናይ ሓለዋ ገዛ፡ ተረኛ ኰይነ ንውልቀይ ዋርድያ ካብ ዝወጽእ ሓደ ሰዓት ኣቝጺረ ኣለኹ። ዘለኹዎ ቦታ ብወተሃደራዊ ስሙ ‘ድፋዕ’ ዝጽዋዕ ዶብ ናይ ኤርትራ እዩ። ብቕድመይ ናይ ሓሙሽተ ኪሎ-ሜተር ርሕቐት ናይ ኢትዮጵያ ድፋዕ ኣሎ። ክልቴና፡ ኣብ ዕረፍቲ ዘይብሉ ዋርድያ ወጺእና ተመዓዲና ካብ ንፋጠጥ ሳልሳይ ዓመትና ኣቚጺርና ኣለና። ካብ 2002 ክሳብ 2005 ምዃኑ’ዩ።
ወርሕን ከዋኽብትን ዘይነበሮ ሰማይ፡ ንመሬት ድነ ጸላም ጐልቢቡዎ ከባብየይ ብንጹር ክርኢ ኣይክእልን ኣለኹ። ብዘይብኡ፡ ኣዒንተይ ካብ ዝደኽማኒ ነዊሕ ኣቝጺረን’የን። በዚ ምኽንያት ንኽጣየስ ብዙሕ ግዜ ፈቲነ ክሰልጠኒ ግን ኣይከኣለን። ክሰልጠኒ ዘይመኽኣሊኡ ምኽንያት፡ ብሰብ ሞያ ሕክምና እንተዝኸውን ነይሩ ብሓይሊ ተጻዒረ ምወሓጥኩዎ ነይረ። ናተይ ግን፡ እቲ ሓንቲ ዓይኑ ነጧቝ መራሕ ሓይለይ ብርሂን’ዩ ባዕሉ ሓጋጊ ባዕሉ ፈራዲ ኰይኑ ብቃላቱ ወጊዙኒ። ተግባራቱ ኣሕሪቑኒ ክሳብ ሕጂ ሕኒን ካብ ምባል ኣየዕረፍኩን ዘለኹ። እንተሓሰብኩዎ ከኣስ…! ዕውር ንዕውር ክመርሖ እኽእል ድዩ…፧
ንፋስ ዝዓብለሎ ብርቱዕ ዛሕሊ ይነፍስ ኣሎ። ካብ እግረይ ክሳብ ገጸይ ዝሸፈነት ምስ ነብሰይ ዝጠበቀት ወተሃደራዊት ኣንሶላይ፡ ንቝሪ ክትከላኸለለይ ኣይከኣለትን ኣላ። ኣብ ኣስላፈይ ኣጋዲመ ጨቢጠ ሒዘያ ዘለኹ ካላሽንኮቭ ዝዓይነታ ብረተይ፡ በረድ ተቐይራ ነጻብዕተይ ከተደንዝዞም እፍለጠኒ ኣሎ። ኣብ ምዱብ ሓለዋ ብምህላወይ፡ ብረተይ ካብ ነብሰይ ክፈሊ ዝኽእል ኣይኰንኩን። ደመይ ክረግእ እናተፈለጠኒ፡ ብሕጂ ሽዱሽተ ሰዓት ክሕሉ እኽእል ድየ ኣይክእልን ዝፈለጥኩዎ የብለይን። ዘለኽዎ ሃዋህው ‘ለሚደዮ’የ’ ዝብሎ’ሞ ግን ዘይለመድኩዎ ህይወት’ዩ።
ሓለዋይ፡ ብቅድመይ ዘሎ ጸላኢ ኣይኰነን። ንሱ እንተዝኸውን ነይሩ፡ በረድ ኣይኰነን ወላ እሳት እንተዝልብልበኒ፡ ንህይወተይን ንህይወት ብጾተይን ክብል ብጽኑዕ ምሓለኹ። ኣነ ዝሕልዎ ዘለኹ ግን፧…
…ቅድሚ ዓመት፡ ስሕት ኢሎም ንኢትዮጵያ ዝሰግሩ ዜጋታትና ብድፋዕና ክቀላቀሉ ጀሚሮም ነይሮም። እቲ ተርእዮ ሓዲሽና ንመፈራርሒ ንላዕሊ እናተኰስና ጐይና ኣርኪብና ንሕዞም ነይርና። ደሓር ግን ንሕዞም ሰባት ስለ ዝበዝሑ፡ “መግትኢ እንታይ ክግበር ይከኣል፧” ዝብል ሕቶ ተላዒሉ፡ እቲ ሓንቲ ዓይኑ ነጧቊ ብርሂን መራሒ ሓይልና ንልዕሊኡ ሓለፍቲ ተወኪሱ፣ “እዞም ናብ ደመኛ ጸላኢትና ኢትዮጵያ ዝሰግሩ ዘለዉ ሰባት፡ ብክድዓት ሃገር ተሓተትን ከዳዓትን ስለ ዝዀኑ፡ ካብ ድሕሪ ሕጂ ዝዀነ ክሰግር ዝረኸብኩምዎ… በልዎ!… ወላ ጋሕ ይበል ከም ወላ ሓደ ገበን ኣይሕሰበልኩምን’ዩ!” ክብል ኣብ ኣኼባ ተዛረበና።
ኵሉ ሰብ በቲ ዝተዋህበ ውሳኔ ጸባ ሰትዩ ፊስካ ኣሰንዩ ኣንጨብጨበ። በቲ ዝተዋህበ ውሳነ ኣገሪሙኒ ከይኣክል ታሕጓስ ናይቶም ሓምሳ ዝዀኑ ደቂ ሓይለይ ከየደንጸወኒ ኣይተረፈን። ኣቱም ሰባት! ገዛእ ኣሕዋትካ ቅተል ተባሂልካዶ ትሕጐስ ኢኻ፧ ስግረ ዶብ ሓድሽ ድዩ ኣብ ኤርትራዊ፧ ኣብዚ ሰላሳ ዓመት ናይ ቅድሚ ናጽነት ካብ ጭቆናን መቅተልትን ክናገፍ ኢሉ ክንደይ ኤርትራዊ ድዩ ስግረ ዶብ ሰጊሩ፧ ህይወትካ ንኸተድሕን መረበትካ ገዲፍካ ምስዳድ ምስ ክድዓት ድዩ ዝቁጸር፧ ክሳብ’ዛ ሰዓት እቶም ዝወጹን ብኡ ገይሮም ዘይተመልሱን፣ ዝተመልሱን፡ ከድዓት ተባሂሎም ድዮም፧ እዞም ሰባት ከም ዓለሞም ስገረ ዶብ እናፈጸሙ ስለምንታይ ይቕተሉ፧ እዞም ሕጂ ስገረ ዶብ ዝፍጽሙ ዘለዉኸ ፈትዮም ድዮም ስገረ ዶብ ዝፍጽሙ ዘለዉ፧ ናብራ ምስ ከበዶም፡ ህይወት ለውጢ ምስ ሰኣኑላ፡ ክሰርሑ ኣይኰነን ዝሰርሑዎ ክፈርሶም ምስ ጀመረ፡ ተዓምጺጽካ ሞት ኣሳፉሕካ ሞት ምስ ኰኖምዶ ኣይኰኑን ዝሓዝዎ ዘይብሎም ብዘይልቦም ነፊጾም ዝወጹ ዘለዉ። እዞም ሰባት ኣብ ገዛእ ሃገሮም ሕጋዊ ኰንካ ምንባር ከም ዘየዋጽኦም ስለ ዝፈለጡዶ ኣይኰኑን ስገረ ዶብ ዝፍጽሙ ዘለዉ። ንሓደ ሰብ መሕነቒኡ ገመድ ሂብካዮ ከተብቅዕ ስለምንታይ ትሕነቕ ኢልካዶ ከሲስካ ንማሕነቕቲ ትፈርዶ ኢኻ…፧
ብድሕሪ’ቲ ኣኼባ ኣብ ዝቐጸለ መዓልታት፡ ነቶም ንመሬት ኢትዮጵያ ክሰግሩ ዝፈተኑ ሰባት፡ ብተመልከተለይ፡ ብመንፈርን በድራጋን ካዝናታትና ክሳብ ዝውዳእ ክንትኵሰሎም፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ከኣ ነቶም ካባና ዝሃደሙ ንኸይትሓዙ ኢሎም ናባና ገጾም እናተኰሱ ሽፋን ክገብሩሎም ተራ ነገር ኰይኑ ተለምደ። ሳሕቲ ቀትርን-ምሸትን፡ ብጽምዲ ይዅን ብጕጅለ ኣንፈቶም ዝሰሓቱ ድዮም መሬት ኢትዮጵያ ረጊጽና ኢሎም ዝተደናገሩን፡ ተዅሲ ሰሚዖም ኣብ ዝነበሩዎ ብፍርሒ ምዕይ ዘይበሉን፡ ክሃድሙ ፈቲኖም ብጥይት ተዘቢጦም ዝሰንከሉን ዝሓዝናዮም ሰባት ብዙሓት ነይሮም። እቶም ዝሓዝናዮም፡ ካብ ድፋዕና ንጐድኒ ሓደ ኪሎ ሜተር ኣብ ዘሎ እንዳ ቦጦሎኒ፡ ኣብ ናይ ትሕቲ መሬት ተሃድሶ ክንዳጕኖም እንከለና፡ እቶም ጥይት ዝሃረሞም ድዮም ክሃድሙ ክብሉ ዝተላሕጸጹን ዝተሰብሩን ኣብ ሓይልና ብዘለዉ ሓኻይም ግዝያዊ ሕክምና ተገይርሎም፡ ከይደንጐዩ ኣብ እንዳ ቦጦሎኒና ኣብ ዝርከብ ሕክምና ነብጽሖም ነይርና። ኵሉ ጕዳዮም በቶም ፐርሰናላት ናይ ቦጦሎኒ ተጻርዩ፡ ሰኑየ-ሰሉስ መሻርፍ ከተብጽሓልና ትመጽእ ብዝነበረት ኤነትረ ተጻዒኖም፡ ካባና ሰላሳ ኪሎ-ሜተር ኣብ ዘሎ ዝዓበየ ተሃድሶ ይኸዱ ነይሮም።
እቶም ዓረር ጥይትና ረኺቡዎም ትንፋሶም ዝሓለፉ ካብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ክሳብ ኣርብዓታት ክሊ ዕድመ ዝረገጹ ደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን፡ ዘለዎም ንብረት ወሲድና ኣብ ዝጠዓመና ጕድጓድ ኲዒትና ንቐብሮም ነይርና። ክንቀብሮም እንከለና ወላ ሓንቲ ስምዒት ኣይስመዓናን ነይሩ። ከም ከድዓት ስለ ዝተቖጽሩ፡ ደሞም ካብ ደም ትዃን ዘፍሊ ኣይነበሮን። ኣብ መንጐ ዕላላትና፡ ዝጨመትካዮም ሰባት ቈጺርካ ሰሓቕ ኣሰኒኻ ምዕላል እናተለምደ ከደ። ኵሉ ሰብ ናብ ኣራዊት ጸረየ።
በቲ ዝውሰድ ዝነበረ ጨካን ተግባራት፡ ኣፈይ ከፊተ ዓገብ ክብል ዝኽእል ኣይነበርኩን። ኣብዘን ውሑዳት ዓመታት ናይ ውትህድርና ህይወተይ፡ ካብ’ቲ ብዙሕ ሓንቲ ነገር ጥራይ እየ ተማሂረ፤ ‘…ግበር – ኣይትግበር!’። ካብ’ታ ቀላል ትመስል እምኒ ምስካም ክሳብ ሰብ ቅተል ትብል ትእዛዝ ነግ-ፈረግ ዘይብሉ ከተግብራ ኣለኒ። ዝተበሃልኩዎ እንተዘይኣተግቢረ፡ ብቐጥታ መቕጻዕቲ’ዩ ዝብየነለይ። ዕጕምጕም እንተ ኢለ ድየ ወላ ናይ ዘይምቕባል መንፈስ እንተ ኣርእየ፣ ከም ገበን ተቘጺሩ ክሳብ ሰሙናት ዝኸይድ መዓልታዊ ምግብናን፡ ዕንጸይቲ ምእራይን ምፍላጽን፡ ሃመማታትን ካልኦት ሓሳዂን ክበልዑኻ ተባሂሉ ብጽባጽ ማይ ሽኰር ኣብ ነብስኻ ተኻዕዩካ ኢድካን እግርኻን ‘ኦቶ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብገመድ ተሓይርካ ኣብ ቃልዕ ጸሓይ ምውዓልን፡ ካብ ፊስቶ ናብ ፊስቶ ብታኒካ ናይ ሳልሳ ገይርካ ማይ ምምላእን ዝኣመሰሉ መቕጻዕትታት ይብየነልካ።
ኵሎም እቶም መቕጻዕትታት ቀለልቲ ይመስሉ እምበር፡ ካብ ሓድሕድ ዘይሰናነፉ ኣቀንዘውትን ነብሰ-ስጋኻ ዘጽልኡን እዮም ነይሮም። እታ ንዝተዋህበካ ትእዛዝ ‘ኣየተግብራን’የ’ ኢልካ ዝሓንገድካያ፡ ከም ዓባይ ገበን ተቘጺራ ኣብ ናይ ክፍለ ሰራዊትና ተሃድሶ ክሳብ ዓመት ዝበጽሕ ምስ ዝተፈላለየ መቕጻዕቱ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ ይብየነልካ። እዞም ኵሎም ነገራት፡ ‘ብየማን እንተኸድካ ኣቦኻ ይሞተካ፡ ብጸጋም እንተኸድካ ኣደኻ ትሞተካ፣’ ኰይኖምኒ፡ ጨጨጐራኡ ንውሽጠይ ውሒጠ ዝተዋህበኒ ትእዛዝ ሓንቲ ከየዕበርኩ ክዓሞ እንከለዂ፡ ከቢድ ቃንዛ ይስመዓኒ ነይሩ – ክሳዕ ሕጂ!…
…ሃንደበት፡ ድምጺ ስባር ኣዕጻው ሰሚዐ፡ ካብ ቍሪ ሓሳበይ ተበራቢረ ንድሕረይ ግልጽ ኢለ ጠሚተ፣ ምስሉ ዘየለለኹዎ፥ “በልከ! ከመይ ኣሎ ሓለዋ፧” ኢሉኒ ርእሱ ኣድኒኑ ኣተወ።
እዮብ ምዃኑ ብድምጹ ኣለልየዮ።
“እንታይ ኣሎ ኢልካዮ ኢኻ ወላ ሓደ የለን፤” ብጐድነይ እናተቀመጠ መሊሰሉ። ግደ ሓቂ! ምሕላው ካብ ዝጅምር ኣትሒዘ ብማዕዶ ዝስማዕ ድምጺ እንጒይታን-ናቛን ኣዛብእ እንተ ዘይ-ኰይኑ፡ ዝርአ ወይ ዝስማዕ ኣይረኸብኩን።
“እንታይ ደኣ ሎምስ ዝሒሉ፧” ዝተሓንገጣ ብረቱ ኣውሪዱ ኣብ ኣስላፉ ኣደገፋ።
“ነየን ኢኻ’ታ ዝሒሉ ትብል ዘለኻ፧” ቍንቍኛ ዘረብኡ ክርደኣኒ ኣይከኣለን።
“ካብ ዝመጽእ ክልተ ሰሙነይ ገይረ ከብቅዕ ወላ ሓንቲ ዝሰግሩ ኣይረኣኹን፤” ዝሰፈፎ ትምባኾ ንቕድሚኡ ጡፍ ኢሉ ከባቢኡ ጠሚቱ።
“ደይ ንሕና ኢና ዘለና ‘ምበር ዝተረፈ ሰብ ኣሎ ድዩ፧ ኣይ ኵላ እንድያ ጸሪራ፤” ዘረብኡ ጽልኣት ፈጢሩለይ ብውሽጢ ከንፈረይ ተጸዊገ።
ዘረብኡ ስውያ ኣይነበረን። ንዓመታት ዝኣክል ብኣስገርቲ ይዅን ብኣንፈት ተመሪሖም ባዕላቶም ክሰግሩ ዝፍትኑ እንተ ኣጓኒፎም፡ ፈላሚት ተዅሲ ጥይት ናይ ሓለዋ ዝወጸ ዋርድያ እንተ ተሰሚዓ፡ ኵላትና ካብ ጥዑም ድቃስና ተበራቢርና፡ ዕጥቅና ዓጢቕና፡ ብረትና ኣዐሚርና፡ ናብ’ቲ ድምጺ ዝተሰምዓሉ ኣንፈት ክንጐይ እንከለና፡ ንእዮብ ዝቕድሞ ሰብ ኣይነበረን። ኣቤት ሽዑ ዝስምዖ ሕርቃን! …“በለን-በለን…! በሎ-በሎ!” ኢሉ እናጨደረ ከም ኣባጓይላ ብወኒ የዅድድ።
እቶም ዝሓዝናዮም ኣሳእኖም መንጢልና፡ ክልቲኡ ኣእዳዎም ንድሕሪት ብቁልፎም ኣሲርና ኮብኪብና ክንወስዶም እንከለና፡ እቲ ምትሓዞም ምውሓጥ ኣብዩዎ ኣሎን ዘየለን ናይ ብዕሉግ ጸርፍታት ኣርጊፍሎም ብሰደፍ ብረትን ብርግሒትን ዳሮም ክሳብ ዝሰትዩ ክሰሃሎም እንከሎ፡ ሕማም ባርያ ከም ዝሓዞ ናይ ላዕሊ ሚሊታሪኡ ክሳብ ዝቅደድ’ዩ ብቃልሲ ዝገላገል። እዚ ባህሪ’ዚ፡ ነቶም ስግረ-ዶብ ዝፍጽሙ ዝነበሩ ሰባት፡ ልዕሊ እቶም ናይ ዓመታት ደመኛ ጸላእትና ዝብሎም ኢትዮጵያ ይርእዮም ምንባሩ እንተ ዘይ-ኰይኑ ካልእ ኣይነበረን።
“ኣይምሰልካ፡ ሰብ ደኣ ከም ሎሚ’ኳ ዘይበዝሐት። ኣይ ሓሰኽሰኽ ኢላ’ንድያ ዘላ፣” ኣፉ ማይ መሊእዎ ምራቝ ጐርዳዕ ኣቢሉ።
“ሕጂ ዝጐበዙ ይዀኑ፤ መሰታና ደኣ ኣይ ኵላ ‘ንድያ ጸሪራ። ዝተረፉ ከኣ ሓደ ክልተ ዝዀብለሉ ይዀኑ፣”
“ኣበይ ኣለኻ ንስኻ! እዞም ሕጂ ዝጐበዙዶ ኣይገዱን፡”
“ዕረፍቲ ግዳ ከመይ ነይሩ፡ እስከ የዕልለኒ፧” በቲ ሓደ መታሓልውቲ በቲ ሓደ ካብ ጽምዋ ከገላግለኒ ደልየ፡ ኣንፈተይ ናብኡ ጠውየ መቀመጫይ ኣመሻሽኣኹ።
ተዛረብ ኢሉኒ’ምበር፡ ንኸዕልለካ ቀይሕ መብራህቲ ዘድልዮ ሰብ ኣይኰነን። ካብ ታዕሊም ናይ ሳዋ ኣትሒዝና ክሳብ ሕጂ ኣይተፈላለናን። ጠባዩ ዋላኻ’ዩ። ሕብእብእ ዝበሃል የብሉን። ብዙሕ ግዜ ግርህነቱ ሰሓቕ ከመንጩ እንከሎ፡ ንሓንሳእ ግን ሰኣን ርድኢት ምስ ሰብ ከየገራጨዎ ኣይተረፈን። ብፍላይ ዘራስኖ ሰብ እንተረኺቡ ኣብ ሰሪ መዓቱ ኣየውዕለኒ’ዩ ዘብል። ወዲ ዓዃይ ብምንባሩ ኣብ ዝዀነ ይዅን ስራሕ ዝቕድሞ ሰብ የለን። ሃካይ ሰብ እንተርእዩ፡ ዝመጽኣሉ ሳጓ ኣጠሚቝ፡ ሕርቃኑ ብጸርፍን ብዘለፋን ምውጻእ ሓሊፍዎ ኣብ ኵርምቱ’ዩ ዝቕርቅረሉ። ትጕዕዝ ውዒሉ ወላ ትጕዕዝ ይሕደር፡ ረሃጽ ጠብ ከብል ዘይክእል ኣርማ ስብእነት ክትብሎ ትደፍር ደልዳላ ጕብዝናኡ እናክትርእዮ የሀንነካ።
“ስቕ ኢልካ’ዩ! ዓዲ ከይድካ እንታይ ዕረፍቲ’ሎ። እግርኻ እትው ከይበለ መዓት ስርሓት’ዩ ዝቕበለካ፤” ካብ ጁባ ኣፍልቡ ‘ኪዝ’ ትምባኾ ኣውጺኡ።
“እቲ ስርሓት ትብሎ ዘለኻ ትኽፈሎ ድዩ ወላስ ናይ ገዛዩ፧”
“ናይ ገዛ ’ምበር፡”
“እዋእ! ናይ ገዛኻ መዓሪኻ ሰራሕ ኢኻ ተማርሮ ዘለኻ።…ኣታ ክንደይ ትሰንፍ!”
“መቸም ስቕ ኢልካ ኢኻ ትኣምን። ከራስነካ ኢለ’የ ከምኡ ኢለካ፤” ፎኪስ ስሒቑ፡ ክንዲ ጫፍ ዓባይቶይ ትኸውን ትምባኾ ብላዕላይ ግርጻኑ ወቲፉ፡ ነታ ኪዝ ናብ ጁባ ኣፍልቡ መሊስዋ።
“ኣሰንቢድካኒ እንዲኻ። ዕረፍቲ ግዳ ከመይ ነይሩ፧ ስድራ ከመይ ጸኒሐሙኻ፧” ህንጥዩነተይ ክዛይድ ተፈሊጡኒ።
ብሰሪ ናይ ኣዒንተይ ጸገም ካብ’ቲ ዝቐነኹዎ ላዕለዋይ ሕክምና ቅድሚ ሳልስቲ ንቦታይ ክምለስ እንከለኹ፡ እዮብ ናይ ወርሒ ዕረፍቱ ወዲኡ ክልተ ሰሙን ኣቝጺሩ ጸኒሑኒ። ተራኺብና፡ ብናይ መንኩብ ሰላምታ ከቢድ ናፍቆትና ኣውጺእናዮ። ኮፍ ኢልና ከነዕልል ኣፍና ኣብ ዝኸፈትናሉ፡ ኵላ ኣባላት ሓይሊ በብሓደ ተሓዊሳ ህጣምና ኣጥፊኣትልና። ብድሕሪኡ ዝቐጸለ መዓልታት፡ ብሕትውና መሪጽና ካብ ሓይልና ኣርሒቕና እንተኸድና፡ ኣብዚ ነይሮም ዘይበልናዮም ኣባላት ሓይልና በብሓደ እናተሓወሱ ውሒጠሙና ከይኣኽሎም ንግዜ’ውን ውሒጠሙልና።
“ዕረፍቲ ደኣ ኣይ ደሓን ኣይ ጽቡቕ ሓበረጀዋይ’ዩ ነይሩ፤” ገጹ ምስ ቃላቱ ተሰንዩ ሓበጀረዋይ ምስሊ ሒዙ።
“ኣደይከ ከመይ ጸኒሓትካ፧” ናብ ኣሕዋት ዝተሰጋገረ ዕርክነትና፡ ንኽልቲአን ኣዴታትና ‘ኣደይ’ ናይ ምባል ልማድ ስለ ዝነበረና’የ ናይ ኣደነታዊ ናፍቖት ሓይሉኒ ሓቲተዮ። ኣዲኡ፡ ምጽላል በርሀ ተኽለዝጊ እየን ዝበሃላ። ወላ’ኳ ብስእሊ ጽቡቕ ገይረ እፍለጠን፡ ምስለን ኣብ ገጽ እዮብ ብምድጋሙ ጠሚተ ዝጋግየን ኣይኰንኩን።
“ኣደይ ደኣ ደሓን’ያ!…ትኣርግ ጥራይ! …እቲ ህይወት፡ እቲ ናብራ ኸኣ ከም ቀደሙ’ዩ ለውጢ ዝበሃል የለን፤” ዝሰልቸዎ መሰለ።
“ሰገን ሓፍተይ’ከ ከመይ ኣላ፧ ኣመርዒኻያዶ መጺእካ፧”
“ወይ መርዓ! ንሱ ደኣ ረኻቢኡ እንድዩ ዝረኽቦ። ገጻ ትርሓቕ! ኣይተልዕለለይ በጃኻ፤” ሕማቕ ጨና ከም ዝጨነወ ገጹ ሸማቐቐ።
“ኢሂ እንታይ ኰይና ድያ፧” ኣይ ስንባደ ኣይ ፈርሒ መንጎ-መንጎ ተሰሚዑኒ።
“ጸጊባ! ኣየናይ ጽጋብከ! …ኣታ ወዲ! ዕረፍተይ ከም ዝጸልእ’ኳ’ያ ገይራትኒ። ኣምላኽ’ዩ ኣውጺኡኒ ‘ምበር ከጥፍኣ ቍሩብ’ዩ ተሪፉኒ፣”
“ማዕረ ክንድኡ፧ እንታይ ድያ ኰይና፧”
“ስቕ ኢልካ’ዩ! ንግደፎ በጃኻ!”
“ከይነገርካኒ’ሞ ኣይገድፈካንየ፤”
“ኣታ ዘይትገድፈኒ ኢኻ! ቃንዛይ ዘይኣኽለኒ!”
“ሕጂ’ኮ ብሳክት ኢኻ ሓሪቕካ ትኸውን፣” ንዝዀነ ነገር መካበዲ ብምዃኑ፡ ሕርቃኑ፡ ኵራኡ፡ ንስለ ኣመል ምዃኑ ኣይሰሓትክዎን።
“ንስደት ክትወጽእ ምድላያስ ኣየሕርቕን’ዩ ትብለኒ ኣለኻ፧” ክጥሕረኒ ዝደለየ ክመስል ክሳዱ ኣወጥዊጡ ኣዒንቱ ኣፍጢጡለይ።
“እንታይ ስለ ዝዀነት’ሞ ንስደት ክትወጽእ መሪጻ፧”
“ስቕ ኢልካ! ጽላለ በቃ! ‘ካብተን ዝዕንድራ ዓንዲረን ኢለን ዝዕንድራ ይበዝሓ፣’ ክበሃል ኣይሰማዕካን ዲኻ፧ …ኵለን መሓዙተይ ካብ ኤርትራ ወጺአን ገሊአን ኣብ ኤውሮጳ፡ ገሊአን ኣብ ኣሜሪካ፡ ገሊአን ንካናዳ ኣትየን ንበይነይ ተሪፈ እያ ዘረብኣ፣”
“ሓቃ’ንድያ ሕጅስ! መዛኑኣ ኣብ ዝብጻሕ በጺሐን ንነብሰንን ንስድርአን ክዀና እናረኣየት ከመይ ኢሉ ክወሓጠላ ትደሊ፧”
“ተዛሪበ ኢልካ ዲኻ፧ እናረኣኹ ኣናሰማዕኩ ንኽትመውት ኢለ ንስደት ክሰዳ ትደልየኒ ኣለኻ፧”
“ኣደይከ እንታይ ትብል፧” ኣብ ጽልኣት ኣተሓሳስባኡ ጨና ጽልኣት ክንስንስ ስለ ዘይደለኹ ንሕቶኡ ኰነ ኢለ ጐሰኽዎ።
“ደይ ንሳ ደኣ መን የሻድና ኣሎ። ሰሙነይ ከየቍጸርኩ’ኳ’ያ፡ ‘ክሳብ’ቲ ዝብጻሕ ከብጽሕዋ ምስ ኣኮታትካ ተረዳዲአ ኣለኹሞ፡ እቲ ካብ’ዚ ዓዲ መውጽኢ መስገሪኣ ገንዘብ ንኻልእ ሓገዝ እንተዀና ኣብ ዶብ ካብ ሃለኻስ ነዛ ሓፍትኻ ክትሰግር ዘይትተሓባበራ’ ኢላትኒ፣” ኣዲኡን ሓፍቱን ኣብ ገጸይ ተሳኢለንኦ እየን መስለኒ፡ ብሕርቃን ኣዒንቱ ኣፍጢጡለይ።
“ካብ ሕርቃን ወጺእና’ሞ ንዘራረብ! ሓደ ሰብ እንታይ ምስ ኰነ’ዩ ንስደት ክወጽእ ዝደሊ፧” ክብሎም ዝደለኹ ሓሳባተይ ምጥርናፍ ስኢነዮም ዝመጽኣለይ ተዛሪበ።
“ክሓስር፡ ክዋረድ ምስ ዝደሊ!”
“ካልእኸ፧”
“ካልእ ደኣ እንታይ ክህሉ ኢሉ። ካብ ስደት ዝኸፍእ ነገር እንታይ ኣሎ ድዩ ኣብዛ ዓለም፧”
“ጽቡቕ ኣለኻ! ካብ ስደት ዝኸፍእ ነገር የለን። ዓድኻ’ኸ ልዕሊ ስደት እንተኸፊኣትካ እንታይ ትገብር፧”
“ትጽመም፡ ዓቕሊ ትገብር! …መን’ዩ ስደት ናይ መወዳእታ ፍታሕ’ዩ ዝበለ፧”
“ንዓ’ባ ዘይከውን ኣይትዛረብ!” ሕርቃን ቆለጭ ኢሉኒ። ዘረባይ ክቕጽል ኢለ፡ “ስቕ በል ከይትዛረብ!” ዝብል ድምጺ ኣብ ኣእምሮይ ተመላሊሱኒ ሰገጥ ኣቢሉ መልሓሰይ ቆሊፉኒ። “ስለምንታይ ስቕ እብል፧” ንነብሰይ ሓቲተያ። “ከይሕስወልካ!” ዝብል መልሲ መቓልሕ ፈጢሩ ኣብ ኣእምሮይ ኣንጐድጉዱ። ብርቱዕ ፍርሒ ተሰምዓኒ። ኵሉ’ቲ ክንዘራረቦ ዝጸናሕና በብሓደ ዘኪረ፡ ብጣዕሳ ሕርር-ኵምትር ኢለ። ልበይ ብርቱዕ ጭባጦ ኢድ ዝዓትዓታ ክትመስል ክትነትዓኒ ደልያ።
ብዛዕባ ሃገር፡ ብዛዕባ መንግስቲ፡ ብዛዕባ ፖለቲካን ሓፈሻዊ ናብራን፡ ዝዀነ ኣበር ድዩ ተቓውሞ ኣብ ቅድሚ እዮብ ምስ ተምሉቕ፡ መወዳእታኻ ማእሰርቲ ተሃድሶ ምዃኑ እትረፍዶ ንሕና ኣባላት ሓይሉ፡ ማንም ኣብ ከባቢና ዝርከቡ ገባር ዝፈልጥዎ ካብ ብርሃን ጸሓይ ዝደምቕ ሓቂ’ዩ። እዚ ኵሉ ዓመታት፡ እንተስ ናይ ልቦም እንተስ ሞሊቕዎም ብሰሪ መልሓሶም ዘምጽኦ መዘዝ፡ ኣብ ተሃድሶ ዝኣተዉን ዝሓቐቝን ኣባላት ሓይልና በብሓደ ቅጅል ኢሎም ተራእዩኒ። ካብ ናይ ኵላቶም ናይ ወዲ ሓጂ ፍልይ ዝበለት ምንባራ ኣጸቢቐ እዝክር!…
…ናይ ኣውደኣመት ድሙ-ድሙ ክንሰቲ ኣብ ዘምሰናሉ ምሸት’ያ እታ ፍጻመ ኣጋጢማ። ወዲ ሓጂ ክሳብ ዓንቀሩ ድሙ-ድሙ ሰትዩ ሽንቲ ማዩ ክዅዑ ናብ እንዳ ሽንቲ ይኸይድ ኣለኹ ኢሉ ካብ ድፋዕና ኣብ ዝሓለፈሉ፡ ዋርድያ ወጺኡ ዝነበረ እዮብ ኣድራጋ ጠያይት ቶኲሱ ጸጋመይቲ እግሩ ሓምሺሽዎ። ኣብ ምዝንጋዕ ዝነበርና ዝሰኸርናን ማይ ዝሰተናን ኣባላት ሓይሊ፡ በቲ ዝሰማዕናዮ ሃንደበታዊ ቶዅሲ ተሰናቢድና ብረታትና ኣቕኒዕና ናብቲ ድምጺ ጥይት ዝተሰምዓሉ ቦታ ኣብ ዝኸድናሉ፡ እዮብ፣ “ኣታ ከዳዕ!” እናበለ ብጫማ ጽፍዒት ክሰሃሎ ጸኒሑና፡ መን ምዃኖም ሕጂ ዘይዝክሮም ክልተ ሰባት ብሓውሲ ቅልስ ገላጊለሞ። ወዲ ሓጂ ኣይምውት ኣይስሩር ኰይኑ ብቃንዛ ይፈሓስ ስለ ዝነበረ፡ ሓሙሽተ ንኸውን በብዝጥዕመና ክፍሊ ኣካሉ ሒዝና ተሰኪምናዮ ንሕክምና ከድና። ንጽባሒቱ፡ ወዲ ሓጂ ናብ ላዕለዋይ ሕክምና ክኸይድ እንከሎ፡ ስግረዶብ ክኸይድ ሓሳብ ከም ዝነበሮን፡ ብመሰረት ሓሳቡ ከኣ ሓይልና ኣብ ምዝንጋዕ እንከላ ኣዘንጊዑ ክሃድም ከም ዝሓሰበን፡ ‘ደው በል መን ኢኻ፧’ ተባሂሉ ክሃድም ኣብ ዝፈተነሉ ከም ዝተወቕዐን፡ እዮብ ዝፈሰዎ ዕላል ካብ ሓይልና ሓሊፉዎ ምሉእ ቦጦሎኒ ጨነዎ። ወዲ ሓጂ ንጕዳዩ ብሰሪ ስኽራን ክማጐት ፈቲኑ ሰማዒ ስኢኑ፡ ክሳብ ሕጂ ምስ ስንክልና ጸጋመይቲ እግሩ ኣብ’ዚ ኣሎ ኣይንብሎን ኢና!…
…“ተዛረብ’ባ እንታይ ደኣ ትም ኢልካ፧” ኣፍጢጡ እናጠመተኒ፡ መረቕ ናይ ትምባኾ ኣብ ትሕቲ እግሩ ተፊኡ።
“ምዃን ሓቅኻ ኢኻ። ከፊኡ ሓሲሙ ከም ዓድኻ ዝመስሉዎ የለን፤” ንከምስል ተዋሲአ። ከም ዝቐደሙ ብሰሪ መልሓሰይ ሰበብ ክመጽኣኒ ኣይደለኹን። ክሳዕ ሕጂ እንታይ’ዩ ደፊኑኒ ጸኒሑ ከማን ክርደኣኒ ኣይከኣለን። ፍርሒ ጸላዕላዕ ኣቢሉኒ። ይሕስወለይ ይኸውንዶ…፧
ሃንደበት፡ ድምጺ ስባር ዕንጸይቲ ተሰምዐ። ገጽና ብሓደ ጠዊና ናብቲ ድምጺ ዝተሰምዓሉ ኣንፈት ጠሚትና። ኣብ ናይ ቀረባ ርሕቐት ዘላ ዝፈልጣ ገረብ ጨዓ እንተዘይኰይኑ ወላ ሓንቲ ክርኢ ኣይከኣልኩን። እቲ ድምጺ ናይ ምንታይ ምዃኑ ክሓቶ ገጸይ ጠውየ ጥምት ከብሎን፡ “ስቕ በል! ስቕ በል!” ኢሉኒ ብትእዛዝ ቃና ኣፍጢጡ እናጠመተኒ። ዘረብኡ ፍርሒ ፈጢሩለይ እንታይ’ዩ ርእዩ ኢለ ክሳደይ ጠውየ ኣጨምቲለ ጠሚተ።
“ትርእዮም ኣለኻዶ፧ ዝሰግሩ ሰባት እ’ነውልካ፤” ኢዱ ኣመልኪቱለይ ሰላሕ ኢሉ ብጐድነይ ቀሪቡ።
“ኣበይ ኣለው፧” ጠመተይ ብኣንፈት ኢዱ ኣስተኻኺለ።
“እ’ነውልካ’ንዶ ሓሙሽተ ሽዱሽተ ዝዀኑ ተመራሪሖም ሰላሕ ኢሎም ይኸዱ! …ርኣዮም-ርኣዮም! ሕጂ ሓጹር ይሰግሩ’ለዉ፤” ድምጹ ንፋስ ከይወስዶ ፈሪሑ’ዩ መስለኒ ኣብ እዝነይ ቀሪቡ ኣሕሾዅሺኹ።
ነቶም ዝረኣዮም ሰባት ክርእዮም ኢለ ጠሚተ ነታ ኣቐዲመ ዝርኣኹዋ ገረብ ጨዓ’ውን ክርእያ ኣይከኣልኩን። ዘይምርኣየይ ኣጨኒቝኒ ምድረ-ሰማይ ኣዚረ ጠሚተ። ጸላም ካብ ዓይነይ ዝምንጩ ዘሎ ኰይኑ ተሰሚዑኒ።
ልጓም ብረት ብትሑት ድምጺ ክኸፍት ሰሚዐ ክሳደይ ጠውየ ጠሚተዮ። ሰደፍ ብረት ኣብ መንኵቡ ኣደጊፉ ንኽትኲስ ተዳልዩ ርእየዮ። ኣይደንጐኹን፡ ልጓም ብረተይ ኣብ መንፈር ኸፊተ ንኽትኵስ ተዳልየ። ናበይ ከም ዝትኵስ ኣይፈለጥኩን። ከም ልማድ ቀደመይ ንሻምብቆ ብረት ንሰማይ ኣንቃዕሪረያ።
ሃንደበት፡ ‘ቶግ’ ዝብል ድምጺ ተዂሲ ክሰምዕን ክልቲአን ኣእዛነይ ክልኰኻን ንቕጽበት ኰነ። ሻምብቆ ብረቱ የማነ-ጸጋም እናንቀሳቐሰ ክትኵስ እንከሎ፡ ካብ መኽደን ቦኽራ ነጢሩ ዝወጽእ ቃልሃ እንተ ዘይ-ኰይኑ፡ ዝተዓብሰ እዝነይ ድምጺ ተዂሲ ከስምዓኒ ኣይከኣለን።
ኵላ ሓይሊ ተመራሪሓ መጺኣ ብየማነ-ጸጋምና ተገደመት።
“እንታይ ኢኹም ርኢኹም ኣታ፧” ብርሂን፡ ብጐድነይ ኣብሪኹ ንቕድሚኡ ኣማዕድዩ እናጠመተ ተዛሪቡኒ።
“ዝሰግሩ ሰባት እ’ነዉልካ፤ ክልተ ድየ ገለ ኣውዲቐዮም ኣለኹ። …ካልኦት ግን ንታሕቲ ገጾም ይሃድሙ ኣለው፤” እዮብ ምትኳሱ ኣየቋረጸን።
ብርሂን ካብ ዘብሮኾ ተንሲኡ ቀው ኢሉ ንቕድሚኡ እናጠመተ፣ “ኣበይ ኣለኻ ጅምዕ፧ …መስርዕካ ሒዝካ ያላ ብቕልጡፍ ብቅድሚ ድፋዕ ንታሕቲ ውረድ፤” ኢዱ እናመልከተ ብትእዛዝ ቃና ተዛሪቡ።
ጅምዕ ምስ ኣባላቱ ናብ ዝተሓበሮም ኣንፈት ብጕያ ከዱ።
“ኣበይ ኣለኻ ወዲ ጋርዛ፧ …ኣባላትካ ሒዝካ ብድሕሪ ድፋዕ ንታሕቲ ውረድ። …ካልእ ኵላትካ ኣብ ዘለኻዮ ፋሕ በል፤” ብርሂን ናብቶም ኣብ እንዳ ዋርድያን ኣብ ግዳምን ዕጕግ ኢሎም ዝነበሩ ኣባላትና ኣዚሩ እናጠመተ ተዛሪቡ።
መስርዕና’ያ ተጸዊዓ። እዮብ መሪሑኒ ካብ እንዳ ሓለዋ ወጺእና ናብ ወዲ ጋርዛ ቀሪብና። ኵሎም ኣባላት መስርዕና ብሓንሳእ ጠበሽ ኢሎም፡ ወዲ ጋርዛ ዝተረፈ ሰብ ከም ዘየለ ርእዩ፣ “ተበገስ!” ዝብል ቃል ኣስሚዑ መሪሑና ተበገሰ። ኵላትና ፋሕ-ጭንግራሕ ኢልና ንታሕቲ ደፋዕ ወሪድና።
ዓይነይ ክበርሃለይ ስለ ዘይከኣለ ዘብዘብ እናበልኩ ካብ እግሪ እዮብ ኣይተፈለኹን። ነዊሕ ምስ ከድና፡ እዮብ ሃንደበት ጠጠው ክብል ርእየዮ፡ ሓደ ስጕምቲ ቀዲመዮ ጠጠው ክብል እናበልኩ ኣብ መሬት ብከብዱ ዝደቀሰ ሰብ ርእየ፡ ብስንባደ ከም ዓንዲ ጨው ደሪቐ ደው በልኩ።
እዮብ ጐኒጹኒ ሓሊፉ ኣብ ጥቃ እቲ ዝወደቐ ሰብ ደው ኢሉ።
“ወይለይ!…ኣንታ ጓል እያ ከኣ! …እዋይ ውርደት! ነዚኣየ ቀዳማይ ቶኪሰ ዘውደቕኩዋ፤” ብረቱ ተሓንጊጡ፡ ኣብራዂ ዓጺፉ ኣብሪኹ።
“ኣላ ድያ ብህይወት፧” ድምጺ ይዅን ዝዀነ ምንቅስቓስ ብዘይ ምርኣየይ ሞይታ ከይትኸውን ከቢድ ፍርሒ ተሰሚዑኒ።
“ባዕለ’ዲኣ ትፈልጥ! ወላ ጋሕ ኣይትብልን፤” የማናይ መንኵባ ሒዙ ካብ’ቲ ብኸብዳ ዝደቀሰቶ እናገምጠላ ተዛሪቡኒ።
ብድዐ ዘረብኡ ከናድደኒን፡ ‘ጥይት ገይርካ ርእሱ በትኖ!’ ዝብል ሓሳብ በጨቕ ኢሉኒ ሰይጣነይ ክለዓለንን ከመቕጽበት ኰነ። ሻምብቆ ብረተይ ኣብ ግንባሩ ኣነጻጺረ፡ ኣመልካቲቶይ ናብ ቃታ ክሰዳ ክብል ምስ ኣጻብዕተይ ተላጊባ ምፍላይ ኣብያትኒ። “ቅተሎ!…ከይትምሕሮ!” ዝብል ቃል ኣብ ኣእምሮይ ተመላሊሱኒ። ንኣመልካቲቶ ጻብዕተይ ሓይሊ ሓዊሰ ኣብ ቃታ ኣዕሊበያ።
“እ!…ኣታ እንታይ’የ ዝርኢ ዘለኹ፧ …ሰገን ሓፍተይ፤” ብስንባደ በርጊጒ፡ ንርእሳ ካብ ባይታ ኣልዒሉ ኣፍጢጡ ጠመታ።
_________________________________________________________________
ደንደን ሰለሙን፡ ደራሲን ተዋስኣይ ፊልምታትን፡ ከምኡ ድማ ጸሓፊ ሓጺር ዛንታን እዩ። ኣብ 2019 “ንጉስ ገበን” ዝሰመያ እኲብ ሓጸርቲ ዛንታታት ብኣሕተምቲ እምኲሉ ንንባብ ኣብቂዑ። ኣብ 2023 ከኣ መጽሓፍ እኵብ ሓጸርቲ ዛንታት ንብዓት ቃኤል ኣብ ካምፓላ ኣሕቲሙ። ብ dendensolomon61@gmail ምርካቡ ይከኣል።
ንብዓት ቃኤል፤ (ገጽ 67 – 81) ካብ መጽሓፍ “ንብዓት ቃኤል” ዝተወስደት ንጽል ሓጻር ዛንታ እያ።

