ኮኾብ ተስፋልደት* ኵሉ ግዜ ቈጸራ ኣብ ዝህልዋ፣ ምስኡ፡ ምስ እቲ ‘ልበይ’ እትብሎ ሰብ፥ ልባ ጥራይ እኹል ከም ዝዀነ ስለ ዘይነገራ፣ ዓይና ክትኰሓሕል ብዙሕ ግዜ እያ ተጥፍእ። ኣብ ቈጸራ ከኣ “ደንጒኺ” ’ምበር፣ “ክንደይ ደኣ ጸቢቕኪ መጺእኪ” ተባሂላ ኣይትፈልጥን። ካብ ዝተራኸቡላ ሰዓት ጀሚራ ብዛዕባ ዓይናን ከናፍራን ክዛረብ ክትጽበዮ፡ ብዛዕባ ሕልምታታ ክትዛረብ ክሰምዓ፡ ብዛዕባ ህይወቱ ከዘንትወላ ጽን ክትብሎ፡
Category: literature and poetry
Dawit, the son of Isaac Enough was his decency to be respected, and For the truth he shared The principles he stood For the pen his might For his fight for right He deserved dignity and award Not a detaining chain from a coward. My Dawit, is physically locked in Era-Ero But spiritually present
ከመይ’ኮን ትህልዉ ኣያታተይ፧ ርስትታትኩም ኔረን ግራውተይ። ቁርይ እንካ በልኩ ከም’ዛ ዝደወኹ ፍስስ… እንካ በልኩ ብደወይ ከለኹ። ኣካ ኣይንርኣዮ ከም’ቲ ሽዑ! በዓል ልቢ-ልቡ፡ በዓል ብርዒ-ብርዑ ብዓል ሓቂ-ሓቁ፡ በዓል ርትዒ-ርትዑ ኣብ ዓይኒ ከእተዎ፣ ዓይኒ ሓያኺ ስኒ ኣብ ልቢ ከእተዎ፣ ልቢ ነኻሲ ዓጽሚ… ከም’ዛ ትማሊ፡ ቅድሚ ትማሊ ቅጅል ይብለኒ! ፈታውን ቀራብን ዓናኒዱ ረኣይን ሰማዕን ኣሰምቢዱ ሓመድ-ድበ ትብዓትና
ክሰርሓልካ’የ ሓወልቲ፤ ሓወልቲ ዘይንዝኽሪ ንምስክር፡ ርቡጽ ተስፋኻ ጽልሙት ጕዕዞኻ ፈራሕ ፍርሕኻ ሞት ሕልምኻ ዝነግር። ክሰርሓልካየ ሓወልቲ፤ ስፍሓቱ፡ ካብ ምድረ-ሓበሻ ክሳብ ላምፓዱሳ ጨንፈሩ ንምብራቕ ሲናይ ምድረ-በዳ፡ እምነ መሰረቱ ዓረ ኣብ ዓደ’ቦ ኣንቢረ ቀጸላ መንደቑ ድዉን ጽባቐኡ ብምድሪ ኑባ ኣቢለ፡ እንክሃንጾ፡ ሕልሚ ጸዋር ተጸባዪ እዋን፡ ዝጦመመ ኣእዛን ዝዓረቐ ክሳድ ዝተዓድየት ስድራ ኣብ ከርሱ ዝሓቝፎ። ኣሰር ጸሓይ ዘቋምታ
Refugee A poem by Tesfaldet Gheberehiwet Not free, No Glee I Flee, then plea Roam in Search of safety plus merry I Beg to quench my thirst, desire and secure my vitality. But I was only Camped, Rationed Then Ignored, Insulted, left desperate and disturbed, I was trafficked, smuggled, tortured, and abused Till this
poem: Habtka by Reesom Haile ሓብትኻ ጓል ኣደኻ ጓል ኣቦኻ ጓል ሓትነኻ ጓል ሓወቦኻ ጓል ኣሞኻ
ሓጻር ዛንታ ብኣኸድር ኣሕመዲን* እቲ ዲቕ ዝበለ መሪር ኲናት ዝግ ምስ በለ፡ ነታ ንኽልተ ዓመታት ዝተፈለኹዋ ኣደይ፤ “እንታይ መሲለን ሒዘን ክኣትዋ እየ?” ዝብል ሓሳብ ክትል ክብለኒ ጀመረ። ኣብ ከምኡ ዝበለ ዘራእቲ ሓሳብ እንከለኹ፡ ጸላኢ ከይትርግኦ ኣብ ዘፍርሕ መጻብብ ዋርድያ ሓዲርና፡ ናብቲ መውዓሊና ዝተባህለ ቦታ፡ ነታ ዓዲ ንድሕረና ሓዲግና፡ ኣብ እግሪቲ ሰንሰለታዊ ታባታት ኣብ እንምለሰሉ ዝነበርና
መጋቢት 5–2021 ኣሎ እዋን ኣሎ ግዜ ቢልካ ቢልካ ሓሸውየ ወትሩ ቁዛም ወትሩ ወየ እዋን ኣሎ ወርሓት ኣሎ ዝወድቀካ ሓሳብሎ ኣልቦ መዓት ነይተልዕሎ መሲእካ ፈቲግካ ኩሉ ይዝረገካ ሓሲብካ ዘቚቕካ ከቶ ነይሰልጠካ ንስኻ ትነድቕ ደድሕሬኻ ይወድቕ። እንታይ ዶ ይግበር’ዩ … እናተበራረዩ … ኢድካ ተኣሲሩ ኩርንኩሪት “ህህ!” ‘ተበሉኻ ብኹርንዒት?! እንተ መኸሩልካ ለይትን ቀትርን እንተ ደርበዩልካ እምንን በትርን?! ኣይበልካ
ለካቲት 7 2021 ኣቲ ብርዒ እስከ ስምዒ መወልዒ’ዶ ኣለኪ መወልዒ? መወልዒ ሽምዓ መድለይ ሓቂ ክንዲ መርፍእ ክንዲ ዕንቊ ጠፊኣትኒ ኣብቲ ሓሰር ሓሰር ኣፍሪቃ ገለን ብምጥምየት ገለን ብሕማም ብምዅስታር ገለን ብምሳር ብምምታር ገለም ብምእሳር ገለን ብምሕሳር ክንዲ ደቃ ምስርሳር ኣቲ ብርዒ እስከ ስምዒ መወልዒ’ዶ ኣለኪ መወልዒ? ዶ/ር ርእሶም ሃይለ ምንጪ–ዕንክሊል (2002)