Month: February 2021

ዳግመ-ሕትመት ቀደሞት ልብወለድ ብጓል ኣንስተይቲ ደራሲት [ኣበባ ተስፋጊዮርጊስ በዓታይ]

ለካቲት 11 2021 ካብ መቕድም መጽሓፍ መሰረተ ልብወለዳዊ ስነ-ጽሑፍ ኤርትራ (2021) ብኣበባ ተስፋጊዮርጊስ በዓታይ ዝተወስደ እቲ ኣብ ሓሙሳታት ተወሊዱ ኣብ ሱሳታትን ሰብዓታትን ዝዓኾኸ ልብወለዳዊ ስነ-ጽሑፍ ኤርትራ ብደቀ-ተባዕትዮ ደረስቲ ዝተዓብለለ’ዩ ነይሩ። እዚ ድማ: ነታ ኣብ መንጎ 1967-1974፡ ኣብ ስነ-ጽሑፋዊ ታሪኽ ናይ’ታ ሃገር ክልተ ልብወለዳዊ ስርሓት ዘፍረየት ደራሲት ኣበባ ተስፋጊዮርጊስ በዓታይ ከም ፈላሚት “ኣደ ሰነ-ጽሑፍ ኤርትራ” ከም

Continue reading

ኣቲ ብርዒ

ለካቲት 7 2021 ኣቲ ብርዒ እስከ ስምዒ መወልዒ’ዶ ኣለኪ መወልዒ? መወልዒ ሽምዓ መድለይ ሓቂ ክንዲ መርፍእ ክንዲ ዕንቊ ጠፊኣትኒ ኣብቲ ሓሰር ሓሰር ኣፍሪቃ ገለን ብምጥምየት ገለን ብሕማም ብምዅስታር ገለን ብምሳር ብምምታር ገለም ብምእሳር ገለን ብምሕሳር ክንዲ ደቃ ምስርሳር ኣቲ ብርዒ እስከ ስምዒ መወልዒ’ዶ ኣለኪ መወልዒ?   ዶ/ር ርእሶም ሃይለ ምንጪ–ዕንክሊል (2002)