literature and poetry

መን ረኺቡኒ?

ጋኔንዶ`ታ ረኺቡኒ ጋኔን ጎዱፍ ክሳደይ ጓዕጺጹ መልሓሰይ ዝዓጽፍ። ጋኔንዶ`ታ ረኺቡኒ ጋኔን ቅርዓት ጎረርኡ ከጥልል ብንብዓት ኣብ ርእሰይ ዘዝንብ እልቢ መዓት ጋኔንዶ`ታ ረኺቡኒ ጋኔን ናይ በረኻ እዘን መሓውረይ ዝተሓላለኻ ጋኔንዶ`ታ ረኺቡኒ ናይ ቀላቕል ገፍ ዘበለኒ ሕልፍ ክብል ጋኔንዶ`ታ ረኺቡኒ ጋኔን ፍርቂ ለይቲ ተንከስ`ኳ ዘይበልኩ ኣብ`ቲ ሰዓት`ቲ! ጋኔንሲ ረኺቡኒ`ሎ እቲ ዝገነነ ልዕሊ ኣጋንንቲ ስልጣን ዝደኮነ ጉዳየይ ቋጺርዋ […]

Continue Reading...