Month: December 2017

ግዜ ኣለወን ኣንስትና!

ግጥሚ   ግዜ ኣለወን ኣንስትና ኣጥብየን/ኣዕቢየን ኣጽርየን/ገዛውትና ሓጺበን/ኣስታሪረን ዓዲፈን/ክዳውንትና ማይ ወሪደን ዕንጨይቲ ወፊረን ጽህየን/ዓጺደን/እኽልና ሰንኪተን/እንጌራና ሰኽቲተን/ጸብሕና ጾሚቘን/ሱዋና ከይኣኽለን/ገና ተሓጺበን ተቘኒነን ተመሺጠን ተዃሒለን ተኸዲነን ኦፊስ/ውዒለን/ምሳና ገዚአን/ኣስቤዛና ቍርስና! ምሳሕና ድራርና! ግዜ ኣለወን ኣንስትና! ግዜ የብልናን ሰብኡት ኢና!   ምንጪ፤ ዕንክሊል    « GO BACK

ድሕሪ ሞት ኣቦኻ

ቅንየት 1 ኣያይ ሮሜር ሰዓቱ ጕድጓድ መረብዓቱ   ሞት ምስ ወደሰ ኣቦይ’ውን መለሰ ኰይኑ ጥንቅልዒት ብዘይከበሮ ብዘይጣቕዒት   ግዜ’የ በጃኻ ጐርጕራ ጁባኻ   ግዜ ጁባኡ ጐርጒሩ እዝጊ ዋንኡ ሽሩፍ ስኢኑ ግን’ቲ ዘይሕለል ኣያይ ሓየቴ ብኑዛዜ ወዲሱኒ ወያ ሰዓቴ   2 ወዳስን ተወዳስን ኰይኖም ፈዳስን ተፈዳስን ኣብቲ ጸጥ ዝበለ እዋን ሓመድ ድበ ወያ ኣቕሓ ውርሻ ብቂምቂምታ

Continue reading