Abraham Zere’s article on eritrean Social media, exerted from Carnegie Council. Eritrea: An Exiled Nation Suspended in Liminal Space through Social Media ABRAHAM T. ZERE | DECEMBER 30, 2016
Month: December 2016
ሕንግሮ ተባሂሎም ሕንግሮ ኢሎምና ሕንግሮ ኢልና ሕንግሮ ዝበልናዮም ሕንግሮ ክብሉ እዮም ሕንግሮ ንዘድልዮም እዛ ወርሒ እንብላ ኣብ ልዕሌና ዘላ ኣመሪካ ሮኬት ሰንድያ ሃሪማታ ይብሉና ሩስያ’ውን ስፑትኒክ ሰንድያ ስሒታታ ይብሉና ዝስንዶ እኳ የብልናን ብሕንግሮ ግን መን ከማና ደጊም ንሕና ተሓናጊርና ኣሽንኳይ ወርሒ ጸሓይ’ውን ኣብ ኢድና ከነእትዋ ኢና ከነእቱዋ ቍሩብ እሞ ትዝሓለልና/ከነእትዋ ኢና!
ብጽዉጉ ነታ ቐጠፍ ብፈትላ ኔው ነጀው ምሰ’በላ ሕውን ኢላትሉ’ያ። ብጽዉጉ ሽጋራ ቀስ ኢሉ ከየሸራ ክቢ ትኪ ይሰርሓላ፣ ብጽውጉ ኣብ ደሴቱ ዓይኒ ንዓይኒ ተራኸብና ሓበሻነትና ተናበብና፡ ቆብ ኣቢለ ጋሻነቱ ክምስ በልኩዎ ንምእንጋዱ። ኣብ መንጎ ማንካ ጠለቐላ የማነ ጸጋም እንደገና፣ ”ሽኮር ኣይገበርካላን” “ደሓን ትፍትሽ እያ ዘላ“ “እንታይ ትፍትሽ?” “እንታይ ከኣ ትብልኒ?!“ ብሕቶ ኣዋጠረኒ። ሻሂየይ መጺኣ ኣንፈት ዕላል
“ኤርትራውያን ነበርቲ እገለ ካብኣቶም ዝድለ ግቡኣት ከማልኡ ቅሩብነቶም ገሊጾም” ዝብልን ዝመሳሰልን ጥራይ ዋሕዚ ዜናታት መንግስታውያን መራኸቢ-ብዙሃን ኤርትራ ኣብ ዝደጋገመሉ፡ ንመሰረታዊ መሰል ሰብ ዝገልጽ ቪድዮ ምድላው ኣገዳሲን እዋናዊን ይገብሮ። ግቡኣቱን ግዴታቱን እምበር መሰረታውያን መሰላቱ በቲ ዝምልከቶ መንግስቲን ምምሕዳርን ተሓቢሩዎ ንዘይፈልጥ ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት (1948) ናብ ትግርኛ ብምትርጓም ኣብ ኤርትራዊ ዓንኬላት ንምብጻሓ እንሆ