ጽሩይ ማይ ናጽነት ሰቲኻ
ብላዕ ስተ ንዝብሉኻ
በሊዐ እንድየ!
ሰትየ እንድየ!
ጸጊበ እንድየ!
እንተበልካዮም
ሓቅኻ እንዲኻ መዓስ ተጋጊኻ
ጽሩይ ማይ ናጽነት ሰቲኻ
ደለኻ ብኢድካ
ደለኻ ብታኒካ
ደለኻ ብማንካ ሓንፊፍካ
ካልእ-ማልእ ይትረፍካ ከይጽይቕ ኣፍካ
ጽሩይ ማይ ናጽነት መን ወሃቢኻ?
ዓድኻ በረኻ በረኻ ዓድኻ
ደንጐላ ፈሊጽካ ፈንቂልካ
ዘንታዕካ ባዕልኻ
ሓሉ ሓደራኻ ሓሉ!
ጽሩይ ማይ ናጽነት ብጽሩዩ ክህሉ
ስለ ማርያም ንእኽሉ ከይሓርኣሉ
ዶ/ር ርእሶም ሃይለ
ምንጪ–ዕንክሊል፤ ቅሚጦ ግጥምታት ብዶ/ር ርእሶም ሃይለ