Reesom-Haile reading a poem

ጽሩይ ማይ ናጽነት

No comments

ጽሩይ ማይ ናጽነት ሰቲኻ

ብላዕ ስተ ንዝብሉኻ

በሊዐ እንድየ!

ሰትየ እንድየ!

ጸጊበ እንድየ!

እንተበልካዮም

ሓቅኻ እንዲኻ መዓስ ተጋጊኻ

 

ጽሩይ ማይ ናጽነት ሰቲኻ

ደለኻ ብኢድካ

ደለኻ ብታኒካ

ደለኻ ብማንካ ሓንፊፍካ

ካልእ-ማልእ ይትረፍካ ከይጽይቕ ኣፍካ

 

ጽሩይ ማይ ናጽነት መን ወሃቢኻ?

ዓድኻ በረኻ በረኻ ዓድኻ

ደንጐላ ፈሊጽካ ፈንቂልካ

ዘንታዕካ ባዕልኻ

 

ሓሉ ሓደራኻ ሓሉ!

ጽሩይ ማይ ናጽነት ብጽሩዩ ክህሉ

ስለ ማርያም ንእኽሉ ከይሓርኣሉ

ዶ/ር ርእሶም ሃይለ

ምንጪ–ዕንክሊል፤ ቅሚጦ ግጥምታት ብዶ/ር ርእሶም ሃይለ

« GO BACK

Print Friendly, PDF & Email