ቀንዴል ጸልማት

No comments

Poem by Ghirmai G.Meskel (1988)

 

ቀንዴል ጸልማት

ተዋጋኢ፡

ብሕጂ ዚዋጋእ፡

ድጉን ሓርበኛ፡

ንናጽነትን ብተስፋኣን ዚነብር፡

ብኣኣ ዚዕንገል፡

          ንዓኣ ዝውፈ፡

ጕዕዞኣ ብሓንቲ ቀንዴል ይበርህ፡

                      ናይ ተስፋ ቀንዴል

                                 ናይ ናጽነት ቀንዴል፡

ናብ’ቲ ዘብርሃቶ ደረት ትርኢት ይስሓብ፡

                  ብብርሃና ይበርሆ፡

ብምቖታ ይመቖ።

ኣብ ሕማቕ ግዜ፡

ጭንቂ ምስ በዝሐ፡

ሞት ምስ በዝሐ፡

ሞት ብጥሜት፡

             ሞት ብኲናት፡

ኢሰብኣዊ ሞት፡

ንግዳይ ናይ’ዚ ዕንወት

             መንፈስ ሓይሉ

                           ኡንኮ ኣለንታኡ

ዘይትጠፍእ፡ ዘይትሃስስ ቀንዴል ጸላም

ትርኣዮ ኣብ ዓይኒ ሓንጎሉ፡

 

ሙቖት ትውልዕ ኣብ ልቡ፡

ብዅርዓት ተቕንዖ ንክሳዱ፡

እንታይ ግዜኡ’ዩ’ዚ?

ግዜ ጁጅ ማጁጅ

ጸረ-ህጻን ዝጭከነሉ፡

ዕሸላት ዚስንክሉሉ፡

ህይወት ዝሕረመሉ፡

እንታይ ግዜኡ’ዩ’ዚ?

ኣዕዋፍ ዘይዝምራሉ፡

ዕንባባ ዘይሽትተሉ፡

           ንህቢ ዘይዝምብየሉ፡

እንታይ ግዜኡ’ዩ’ዚ?

ግዜ ጁጅ ማጁጅ፡ ግዜ ጎሓሉ፡

መልኣኽ ሞት ዝዀርዓሉ፡

መልኣኽ ህይወት ዝደነሉ።

ኣብ ዓይኒ ሕልናይ፡

ይርኣየኒ ኣሎ፡

ግዝኣት ጁጅ ማጁጅ ከኽትም እንከሎ።

ይርኣየኒ ኩሉ፡-

ኣዕዋፍ መዝሙረን ኬስምዓ፡

ዕንባባታት ሕብርታቶም ኪድርጉሑ፡

ንህቢ ኪመላለስ፡ ኪተግህ፡-

ኬምዕር፡

      ትንፋስ ኪዘርእ፡

       ህይወት ናብ ግቡእ ዓንኬላ

   ክመጽእ።

ግዝኣት ጁጅ ማጁጅ ከኽትም ከሎ፡

ኣብ ዓይኒ ሕልናይ ይርኣየኒ ኣሎ።

ቀንዴል ኣብ ጸልማት ንመጻኢ ከተብርሆ፡

ደረት ትርኢት ክትውልዖ፡

ይርኣየኒ ብዓይኒ ኣእምሮ።

ብዙሓት ሰባት ይርኣዩኒ፡-

ናብቲ ብርሃን ኪኸዱናብቲ ብርሃን ኪዓጉ፡

ካብቲ ብርሃን ኪካፈሉ፡

እጃሞም ኪህቡ፡

እጃሞም ክወስዱ።

ብዙሓት ሰባት ይርኣዩኒ፡-

ካብ ኩሉ ኵርናዕ ኪመጹ፡

ናብቲ ኣዳራሽ ኪኣትዉ፡

ኪተኣኻኸቡ።

ኵሎም ይርኣዩኒ፡-

ኪሃንጹ፡

ኪጸግቡ፡

ኪስሕቁ፡

ኪነብሩ – ንሞት ኪብድሁ፡

ንህይወት ኬምልኹ።

 

 

ግርማይ ገብረመስቀል (1988)

 

ምንጪ፡ መዝሙር ተጋዳላይ (1992)

 

« GO BACK

Print Friendly, PDF & Email