ብርሃን ዘፍርሖ መንፈስ

No comments
መሬት ኣማን ኢልና፡ ብድቁስና ከይንዝመት
ብዕሸላትና ከይንጭወ መጻኢና ከይጽልምት
ካብ ድቃስና ብቕብጥር፡ ንኽንበራበር
ንዕሸልነትና ብሰለይ፡ ክሳዕ ንተርር፡
ፈቲንኩም ከተእትዉና ዓዲ
እሾኽ እናኣለኹም ፋኑስ ብምውላዕ
እንረግጾ መገዲ።

 

ምስጋና ኣድጊ ርግሒት ኰይኑ
ጻውዒትኲም ሰማዒ፡ ብርሃንኲም ዝርኢ
ኣልቦ ተሳኢኑ።
ኣብ ክንድኡስ፡
ገሌና፡
ኣንታ’ዞም ዓያሹ ዘይጠፍአ ንብረት ዝእልሹ

ህድኣትዶ ሃደሞም ኣያኦም ዘይሰምዑ

ሰይጣን ዶ ሰሪርዎም ቤቶም ዝድውሹ
ኢልናኩም ዓቕሊ ኣልቦ ዘይበሰሉ።

 

(ካባናስ ለቢምናኢና ያኢ)

ገሌና፡
ብቚርምርም ብዕዝምዝም
ምእንታኹም ኢልና ባህ ክብለኩም
ክሳዕ ዕራርቦ ተሳሊና መቸም።

 

ምስቶም ዝዓረቡ ጸሓይ ምስ ዓረበት
ፋኑስኲም ‘ውን ምስኦም ምስ ጠፍአት
ጸላም ነጊሱ መሬት ግብ ምስ በለት፡
ፈለማ ኣይኣመንናን መሲሉና ላግጺ
ጸወታ ዓመትኲኻ፡ መን’የ ፍለጥ ‘ስኪ
ደሓር ግን ተሰዊጡና ጸላም ተጐልቢቡ
ምስ በዝሐ ጸይቂ።

እንተተጸበናስ፡

ጸሓይ ኣይትበርቕ ኣይውላዕ መብራህቲ።

(ግዜ ከይዱ)

ጸሓይ ኣይወጸትን ንሕና ኣይተጸበናን
ኣእማን ኣጋጪና ሳዕሪ ተጠቒምና’ውን
ሓዊ ኣይኣጐድናን ብርሃን ኣይፈጠርናን።

 

ብደርገፍገፍ በብዝጥዕመና
ዝግደፍ ገዲፍና ንኽእሎ ኣንጠልጢልና
ዓዲ ብርሃን ዘለዎ፡ ሙቖት ዝህበና
ኣብ ገበላ ርዂባት መጸግዒ ረኺብና።

 

ከም ለማኖ ቀውዒ ዓውዲ ዓውዲ ውዒልና
በጥ ኢልና ንድቅስ ድርዕቶና ኣንጺፍና
ድርዕቶ ምስሉይነት ስደት ዝሃበና።

(የርእየልና!)

ንሓልሞከኣሕልሚ

ኣብ ሰማያት ሓርነት ብጽድቂ ክንዝምቢ

ብመንኰርኰር ሰላም ብኣኽናፋት ፍትሒ
ጽቡቕ’ና ዘለና ለሚድናዮ ሕጂ’ሲ።

 

ንእሽቶ ጸገምና ኣብ ዓመት ሓንሳእ
ዝኸፈልኲምልና ዋጋ እናመጸ ሃንደበት
ድቃስና ብምዝራግ ሕልምና ብምቚራጽ
ሕልናና ይዀዂ’ሞ ዀነና ዕንቅፋት።

 

እምበር ጽቡቕ ኣለና ለሚድናዮ ሕጂ’ሲ
ብወኒ ብስርዓት ምስሉይነት ነሳሲ
ንዀሳትር ከኣ ንገፋግፍ ደድሕሪ ሰብ ዓውዲ።

ፍቕረይ የማን

« GO BACK

Print Friendly, PDF & Email