ግጥሚ
ግዜ ኣለወን ኣንስትና
ኣጥብየን/ኣዕቢየን
ኣጽርየን/ገዛውትና
ሓጺበን/ኣስታሪረን
ዓዲፈን/ክዳውንትና
ማይ ወሪደን
ዕንጨይቲ ወፊረን
ጽህየን/ዓጺደን/እኽልና
ሰንኪተን/እንጌራና
ሰኽቲተን/ጸብሕና
ጾሚቘን/ሱዋና
ከይኣኽለን/ገና
ተሓጺበን
ተቘኒነን
ተመሺጠን
ተዃሒለን
ተኸዲነን
ኦፊስ/ውዒለን/ምሳና
ገዚአን/ኣስቤዛና
ቍርስና! ምሳሕና ድራርና!
ግዜ ኣለወን ኣንስትና!
ግዜ የብልናን ሰብኡት ኢና!
ምንጪ፤ ዕንክሊል