ምዕባለ ሕታማት ስነ-ጽሑፍ ቋንቋ ትግርኛ (1886 – 1991) ቀዳማይ ቅጺ

No comments

ንምዕባለ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ ኣመልኪቱ ዝተኻየደ መጽናዕታዊ ጽሑፍ

 

መእተዊ

ካብ ኣርእስቲ ናይ’ዚ ጽሑፍ ምርዳእ ከም ዝከኣል ምዕባለ ሕታማት ስነ-ጽሑፍ ቋንቋ ትግርኛ ካብ 1886 – 1991 እተሓትሙ ዝርዝር ምስ ሓጺር መግለጺኦም ዘቕርብ መጽናዕቲ እዩ። ብመጀመርታ ዝርዝር መጻሕፍቲ ክበሃል እንከሎ ብትግርኛ እተጻሕፉ መጻሕፍቲ ኩሎም ኣኪብካ ጥርኑፍ ብዝኾነ ኣሰራርዓ ምቅራብ ማለት እዩ። መግለጺ ማለት ከኣ ነቶም እተኣከቡ ወይ ተዘርዚሮም ዘለው መጻሕፍቲ ፡ ካብ’ቲ ትሕዝትኦም ከይወጸ ብሕጽር ዝበለ መግለጺ ምቕራብ ማለት እዩ። ብሓጺሩ ዝርዝርን መግለጽን ብሓባር ክግለጽ እንከሎ ናይ ሓደ ጽሑፍ እንታይነት ብጥርንፍ ዝበለ ሓሳባት ኣብሪሁ ዝገልጽ ፡ መዝገብ መጻሕፍቲ ዝኾነ ናይ ምርምር ስራሕ እዩ። እዚ ቐሪቡ ዘሎ ሕታማት ትግርኛ ካብ ዝጀመረሉ ክሳብ ድሮ ነጻነት ኤርትራ 1991 ዓ.ም ዘጠቓለለ እዩ ። በዚ ምኽንያት ከኣ ቀዳማይ ቅጺ ተባሂሉ ኣሎ ። እዚ መጽናዕቲ ቀንዲ ዕይኡ ብቛንቛ ትግርኛ ኣብ ቤት ማሕተም ተሓቲሞም ናይ ዝወጹ 629 መጻሕፍቲ ዝርዝር ዝሓዘ እዩ። እዞም መጻሕፍቲ እዚኦም ብትሕዝትኦም ተፈልዮም ቀሪቦም ኣለው።

እዞም ብቑጽሪ ተገሊጾም ዘለው ጥራሕ ክሳብ ሕጂ ተጻሒፎም ኣለው ኢልካ ክሕሰብ ኣይከኣልን እዩ። ምኽንያቱ ኣብዚ ዝርዝር ዘይሰፈሩን፡ ዘይተረኸቡን ክህልዉ ስለ ዝኽእሉ እዩ። ዝርዝር መጻሕፍቲ ንምድላው ግዜ ዝወስድ መጽናዕቲ እዩ ። ገለኣቶም ኣብ ኣብያተ መጻሕፍቲ ከይተታሕዙ ስለ ዝተረፉን እቶም መጻሕፍቲ ክሕተሙ እንከለው ብብዝሒ ስለ ዘይሕተሙን ኣብ እተወሰነ ቦታ ስለ ዝሽየጡን ክኸውን ይክእል። መጽሓፍ መግለጺ ባህሊ፤ ማሕበራዊ ናብራ፤ ኤኮኖምን ፓለቲካን ሓደ ሕብረተስብ እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ መጽሓፍ ናይ ዝሓለፈን እዋናውን መጻእን ኩነታት ዝሕብር ብምዃኑ እዩ። ሓደ መጽሓፍ ክጻሓፍ እንከሎ ዕላምኡን ትሕዝትኡን ምዕባለ ወዲ ሰብን ፍልጠቱን ኣኪቡ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝተሓላለፍ እዩ። በዚ ምሰረት ሓደ መጽሓፍ ምስ ተጻሕፈ ኣንባቢ የድልዮ እቲ ደራሳይ ድማ ጽሑፍ ቅድሚ ምስፋሩ እዚ ዓይነት ጽሑፍ ንህዝቢ ማለት ነንባቢ እንታይ ጥቅሚ ይህቦ ፤ ንማሕበራዊ ናብራ የመሓይሽን ፤ ምኽሪ ፤ መልእኽቲ ወዘተ… ይህብ ኢሉ ዝውፍዮ ካብ ኣእምርኡ ከፈልፍሎ ከቢድ ምዃኑ ስለ ዘእምን ብፍላይ ሓደ ጽሑፍ ብግዚኡ ክንበብ እንከሎ ፍሬኡ ብግልጺ ይርኤ ። ግዜኡ ምስ ሓለፈ ግን ገሊኡ ዝህቦ ትርጉም ክልወጥ ይኽእል እዩ ። እቲ ጽሑፍ ብናይ’ቲ ህዝቢ ቋንቋን ባህልን ዝተጻሕፈ ሃብቲ ስነ ጽሑፍ ሰለ ዝኾነ በዓልመን እዩም ብሉጻት ደረስቲ ፤ ኣብ ምንታይ ኣተኩሮም እዮም ተጻሒፎም ኢልካ ክትፈልጥ ትኽእል ። እዚ መጽናዕቲ ነቶም ቅድሚ ሕጂ እተጻሕፉ መጽሕፍትን ደረሰትን ንምዝኽኻር እተዳለወ ካታሎግ ወይ መዝገብ መጽሕፍቲ እዩ። እዚ ቐሪቡ ዘሎ ናይ መጀምረታ ስለ ዝዃነ ምሉእ እዩ ኢልካ ምድምዳም ሰለ ዘይከኣል ። 8 ግዱሳት ተመራመርቲ ክትውስኹሉ እላቦ። ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ካብ 1991 ኣዝዮም ብዙሓት መጻሕፍቲ ተጻሒፎም ስለ ዘለዉ ኣብ ሓጺር ጊዜ ካልኣይ ቅጺ ኣብ ምድላው ከምዘለኹ ክሕብር ይደሊ፡ ምሉእ መታን ክኸውን ግዱስ ክተሓበበር ይዕድም ።

 

ንምሉእ ትሕዝቶ እዚ ጽሑፍ ንምንባብ ኣብዚ ምጥዋቕ ይከኣል።

« GO BACK

Print Friendly, PDF & Email