​ኣበሳ ኵናት

No comments

ተዓዋቲት ፍሉይ ሽልማት ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ሽማግለ በዓላት 1999


ኣበሳ ኵናት

ሓደ ነገር ጓዚሙ

ሓደ ነገር ተዳህዩ

ንህድኣት በሲዑ

ሓደ ነገር ኣቃሊሑ።

ኣብታ ክልተ ኣሕዋት ዝተሓላለፉላ

ኣብታ ክልተ ኣሕዋት ዝራኸቡላ

ኣብታ ክልተ ኣሕዋት ዝዋሰቡላ

ኣብ ቅርዓት ሂወትን ሞትን

ኣብ ወሽመጥ ጥፍኣትን ልምዓትን

ኣብ ስንጭሮ ሻቕሎትን ሰላምን

….ተቐርቒሩ

ሓደ ነገር ተዳህዩ።

ሽዑ ሓንቲ ፍረ ዘርኢ….

ጭዓን ሰራውን እናተታፍአ

መሸላን ብልቱግን እናተጎናንአ

ዝእክቦ ስኢኑ ሓድሕዱ እናተበላልዐ

ብሰርቢ ንብዓት ተሰጕዳ

ካብ ነብሳ ጎሚዳ ነብሳ ተጎሚዳ

ካብ ነብሳ ነብሳ ዘሪኣ።

ኣብቲ ዛጊት ዘይተፈርሽሐ

ኣብቲ ኣየናይ ናይ መን ዘይፍለ

ዋሕዚ ደምን ማይን

….ተተኺላ

እታ ዘርኢ ግን…

ብቐዛሒት ጸሓይ

ብዘይሰክን ሰርቢ

ብፋሕሸዋይ በርቂ

ብዘንድድ ዝናብ…ተዓጂባ፣

ጋዕ-ገልጠም ሓጺነ-መጺን ሰሊዃ

መልኣከ ሞት ተጊራ

ምኹን ሂወት ሓንጊራ

እነሆ ኣርኪባ ኣብ ኣዝመራ።

እታ ዘርኢ…

ካብቲ ዘይተፈርሽሐ ደምን ማይን

ናይ መን ናብ መን ዘይጠለለ

ማይኮዖኡ ዘይለለ

ባዕላ ኢያ በጺሓ

ኣብቲ ኣዝመራ ክትፍለ

ኣብቲ ኣዝመራ ግን…

የማና እንተማዕደወት

ንሱ ሰብኣይ ንሳ ጭሕሚ

ጸጋማ እንተማዕደወት

ንሱ መሬት ንሳ ተኽሊ

ደንጺዋ… ግራሞት ተዓንጊላ

ተደናዲና… ዝርያ ኸኣ ዘይኣመላ

ምስ መንያ ክትጽጋዕ ኣበይ ከተድቢ

ናበይ እያ ከተድምዕ ናበይ’ያ ክትድርቢ

እቲ ኣዝመራ ግን ሕማቑ እቲ ዘይምጽባቑ

ብኣፍ ጥይት ሓሪሱ

ካዕቦ ሂወት ኣፍሲሱ

ሕልፈት ካብ ትንፋስ ጎልጕሉ

ንሞት ብሞት ዓጺዱ

ኣብ ዝባን ውሉድ ኣኺዱ

ኣማስያኡ ነታ ፍረ ኣብ ስግኣት ጠፍሊቑ።

እታ ፍረ….

መዓልትን ለይትን ሓደ እዩ ኮይኑዋ

ሻቕሎትን ሩፍታን ተሓዋዊሱዋ

ዓለም ኣብ ውሽጢ ዓለም

ኵናት ኣብ ውሽጢ ሰላም

እምነት ኣብ ሕጓ ዘለ ጥልመት

ምስ ረኣየት ደንጺዋ።

ዘየደንጹ ድዩ’ሞ?

ኣዝመራ ኵናት እቲ ኣበሳነቱ

ንብዓት ኣደ ንውላዳ

ንብዓት እንዳ ነታ ርስታ

ንብዓት መሬት ንመሬታ

ውሒዙ ውሒዙ ምስ ዛረየ

ባይታ ምስ ጨቀወ ምስ ጠልቀየ

ናውቲ ሸሚሙ

ንኹሉ ሰሊሙ… ምስ ራሰየ

ኣሻቡ ፈርዩ ባዴላ ኣፍራዛ

ኣሻቡ ፈልፊሉ መግነዚ ቃሬዛ

የግዳስ…

ኣሻቡ ድማ ይሃልኽ ኩሉ ይሻመዎ

ኩልና ንደልዮ ኩልና ንውንኖ

ነገር ኵናት እቲ ክፋኡ…

ኣዝመራኡ ከይደለኻዮ ምስ ዝበጽሕ

ፈንጤጋር መቓልሑ ማዕጾኻ ምስ ዝኹሕኩሕ

ሽዑ እዩ ኣበሳ ኵናት ኣበሳ ዘገማድሕ

ግና…

ከይፈተኻ ተሳስዮ

ከይደለኻ ተሳልዮ

ኣርሒቑ ክሃጥም ግን ኣ…ቤት ትጽልዮ!

ኣማኑኤል ኣስራት

« GO BACK

Print Friendly, PDF & Email