እቲ ካልእ ኣምላኽ

No comments
Response to COVID-19 and One Day Eritrea series 6
ኣኽበረት መሓሪ

Dec. 1, 2020

ካብ ገዛይ ኣርሒቐ ተጓዒዘ እፈልጥ ኣይነበርኩን። ካብ ኣስመራ ናብ ከረን ዝተጓዓዝኩዋ እታ ዝነውሐት ነበረት –  91 ኪሎሜትር። ክልተ መዓልቲ ዝወሰደ ጕዕዞና ናብ ሳዋ ድማ ኣብ ህይወተይ ዝነውሐ መንገዲ ኰነ። ናብ መዕለቢና ክንበጽሕ ቀሪብና እናበልና ኣብ ከባቢ ኬሩ ውሕጅ ስለ ዝዓገተና ኢና ካልኣይቲ መዓልቲ ክንውስኽ ዝተገደድና። ኣብ ልዕሊ ኣውቶቡስና ተጻዒኑ ዝነበረ ስንቀይ (ጥሕኒ፡ ሽሮ-በርበረ፡ ኮሮንሾ . . .) ጠልቅዩ ከይበላሾ ይሰግእ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ድሕሪ ግዜ ብፈቓቓት ኣውቶቡስ ማይ እናለሓዀ ኣጠልቅዩኒ ብርቱዕ ቍሩ ስለ ዝተሰምዓኒ ብዛዕባ ስንቀይ ምሽቓል ሓዲገ ብኸመይ ይማምቝ ጥራሕ ክሓስብ ጀመርኩ። እቲ ዝናብ ምሉእ ለይቲ ክሃርም ስለ ዝሓደረ ሰለም ኣየበልኩን። እዛ ለይቲ’ዚኣ ድማ ካብ ኵለን እተን ኣቐዲመ ዝፈልጠን ለይቲታት ዝነውሐት ኰነት።

ረፋድ ሰዓት 9፡00 ናብ ሳዋ ቀረብና። ምስቲ ዝሓደርናዮ ገልታዕታዕን ድኻምን ከመይ ከም ዝቕበሉና እናሓሰብኩ፡ “ናብ መደበር ታዕሊም ሳዋ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም” ዝብል ታቤላ ጐፍ ኢሉና ናብ ውሽጢ መዓስከር ኣተና። ይዅን’ምበር፡ ብናፍቘት ይዅን ብሓልዮት ዝቕበለና ኵነታት ኣይተጓነፈናን። ንልዕሊ ፍርቂ ሰዓት ኣብቲ ጐልጐል ዛሕ ኢልና ጸሓይ ቀራዕ በልና’ሞ፡ ሓደ ለሚሽ ዝጸጕሩን ብርኪ ሊሎን ዓላማይ መሪሑና ነዊሕ ተጓዓዝና። ዓቕለይን ዓቕመይን ክጽንቀቕ ክፍለጠኒ ጀመረ። ከባብየይ እንተ ተዓዘብኩ፡ እቲ ንሳዋ ብዅሉ መኣዝናት ተቐኒቱዋ ዝርከብ ጐቦታት መተንፈሲ ከሊኡ ዝዓፈነኒ ኰይኑ ስለ ዝተሰምዓኒ፡ “ከመይ ኣቢለ ናብ ገዛይ ክምለስ ይኽእል፧” ዝብል ሓሳብ ውሩም በለኒ፣ ግና ዝከኣል ኣይነበረን። ኣማራጺ ዘይርከቦ ኪቢድ ጣዕሳ ድማ ክስምዓኒ ጀመረ። ካብታ ዕለት ናይ ሓምለ 2007 እቲኣ ኣትሒዘ ድማ ደድሕረይ ዝስዕብ ሓድሽ መንነት ጠበቐኒ – ኣባል 21 ዙር ሃገራዊ ኣገልግሎት።

ስድራናን ፈተውትናን ተፋኒና ኣውቶቡሳት ተሰቒልና ካብ ሰረጀቓ ክንነቅል እንከለና፡ ናብ ገዛናን ዓድናን ብደሓን ክንምለስ ተመሪቕናን ተጸልዩልናን እዩ፣ ክሳዕ ሽዑ ግን ዝሰርሐ ኣይመስልን። (ብድሕሪኡ’ውን ክንደይ ተመሊስና ንኸውን፧) ንሓይሊ ጸሎትን ምርቓን ወለድና ዝስዕር ግዲ እዩ፧!

ንምሸቱ፡ ኣብ ታሕተዋይ ዓራት ክልተ ሰባት ተደሪብና ክንድቅስ ተኣዘዝና። ሰናይት ምስ ዝተባህለት ቍመታ ዳርጋ ክንዲ ዕጽፈይ እትኸውን ድማ በጽሓኒ። ኣነ ኣብታ ወሻጥ ወገን ተዀርምየ አቕባሕብሕ፣ ንሳ ግን ድቃስ ወሲድዋ ነበረ። ቅንዕ ኢለ እንተ ርኣኹዋ፡ ክንዲ እምባ ሶይራ ኰይና ካብ ህይወት ጋሪዳ ዓቕለይ ዘጽበበትለይ መሰለትኒ። ኣነ መቓብረይ ንኢሱኒ ዓቕለይ ከየጽብበለይ ዝጭነቕ ሰብ ስለ ዝነበርኩ እምብዛ ተሸገርኩ። ከውታ ሓሊፉ ናብ ኣለዳ ብዝኸደ 18 ኣዋልድ ካብ ዓራተን ዘዘሊለን ኣብ ምድሪቤት ሸበድበድ ክብላ ክርእየን እንከለኹ ኣብ ሕልሚ ዘለኹ ኰይኑ ክሳዕ ዝስምዓኒ ተጠራጠርኩ’ሞ፡ ነታ ኣብ ዓራታ ምህላዋ ብድምጻ ዘረጋገጽኩ ኣርሴማ ኢደይ ኣሕሊፈ ተንከፍኩዋ። ኣቓልቦኣ ናባይ ድሕሪ ምግባር፡ “ኣይትትንስእን ዲኺ ደኣ! ኵሉ ሰብ እኮ ተንሲኡ እዩ” በለትኒ።

“ናበይ ክትንስእ፧ እንታይ ሰሚዕክን ዲኽን ኵላትክን ተንሲእክን፧” ተገሪመ ሓተትኩዋ።

“ፊስካ እኮ እዩ ኣተንሲኡና። ፊስካ ኣይሰማዕክን ዲኺ፧”

“እሞ ሕጂ ተንሲእና ብለይቱ እንታይ ኢና ክንገብር፧”

“ኣይፈለጥኩን። ግን እቲ ትማሊ ምሸት ዝሃቡና ኮምብላ ተኸዲና ክንወጽእ ኢና። ስለዚ ተንስኢ።” ዓቲባ ከተረድኣኒ ፈተነት። ከምቲ ዝሓበረትኒ ድማ ነቲ ጐልፋፍ ክዳን ተኸዲነዮ ናብ ግዳም ወጻእኩ።

ወጋሕታ ከባቢ ሰዓት ሓሙሽተ ኣቢሉ እዩ ዝነበረ። ላምፓዲናን በትርን ዝሓዙ ክልተ መንእሰያት ንዝደንጐየን ዘይተሰርዐን ሐሓሊፎም እናሰልዑ ሰርዑና።

“ኣብሩኽ!” ኣዘዘ፡ እቲ ብድሕሪት ዝነበረ ካልእ ሰብኣይ። ጸኒሑ፡ “ኣብሩኽ!” ክብል ብዓውታ ዳግማይ ጨደረ።

በቲ ብርሃን ናይ ላምፓዲናኡ ተሓጊዘ ቍሊሕ ምስ በልኩ፡ ኵለን ብቕድመይ ኣብ ብርከን ኮፍ ኢለን ርኣኹወን’ሞ ደንጒየ ንዓኣተን መሰልኩ። ብቕድሚት ዝነበራ ከማና ተዓለምቲ ተንሲአን ክቘጽራና ኣዘዙወን። ክልተ ካብአን ግን ልክዕ ፍቕዲ ስለ ዘመጽኣለን ደጋጊመን ይፈቕዳ ነበራ።

“ንሕና ዓሰርተው ሸሞንተ ጥራሕ ኢና ዘሎና፣ ሓንቲ ጐዲላትና ኣላ፡” በለት። እታ ካልእ’ውን ሓንቲ ሰብ ዝያዳ ከም ዘላታ ደጋጊማ ሓበረት።

ኣብቲ ኣነ ተሰሪዐሉ ዝነበርኩ፡ “ኣብ ዘይመስርዕካ ተሰሪዕካ ዘለኻ መን ኢኻ፧” ደጋጊሙ ሓተተ ሓደ ካብቶም ዓለምቲ። ንምንታይ ብተባዕታይ ገይሮም ይጽውዑና ግር በለኒ።

“መን እዩ ስማ እታ ኣብ ጥቓ ዓራተይ እትድቅስ፧” ሓተተት ኣርሴማ፣ “እታ እኳ ትማሊ ከይተዛረበት ዝወዓለት፡” መልአት።

“ንዓይ ዲኺ፧” በልኩዋ ብስንባደ። እቲ ብቕድሚት ዝነበረ ዓላማይ ላምፓዲናኡ ናብ ገጸይ ምስ ተኸለ ኣላለየትኒ’ሞ፡ “እወ ንዓኺ እየ፣ መስርዕኪ ምሳና ኣብዚ እዩ፡” በለትኒ።

እቲ ብድሕሪት ዝነበረ ሰብኣይ፡ “ኣብዚ ኮፍ ኢላ እንከላ እያ ኰለል ከተብለና ኣርፊዳ፧!” እናበለ፡ በትሩ ዳግማይ ኣብ ዝባነይ ኣዕለባ። ቀልጢፈ ድማ ኣብታ ዝተባህለትኒ መስርዕ ተሰራዕኩ። ኣባትሮም ዓቲሮም እናሓለዉና ጕዕዞ ጀመርና። ውሕጅ ዝሰግር ዝነበርኩ ክመስል ነቲ ብኣእጋሩ ጀልገፍ ኢሉኒ ዝነበረ ኮምፕላስዮነ ብኣእዳወይ ጠርኒፈ ኣብ ሰለፈይ ኣጸጊዐዮ ነበርኩ። “ንዓሪት!” ዝብል ትእዛዝ ተመሓላሊፉ 53 ጐራዙ ብሓደ  ህርመት ክጐያ ጀመራ፣ ኣነ’ውን ንዓኣተን መሰልኩ። ነዊሕ ከይከድኩ ግን እተን ኣብ ሰለፈይ ተደጊፈን ነቲ ኮምፕላስዮነ ተሰኪመናኦ ዝነበራ  ቀጠንቲ ኣጻብዕተይ ረብሪበን ቃንዛ ገበራለይ። ኣብ መንጎ ሓንሳብ ከዕርፈን ብምባል ፈነኹዎ’ሞ ኣኣጋረይ ኣጥሒሉ ብምሕላኽ ቍልቍል ኣፈይ ደፍኣኒ። ምቝራጽ መስርዕ ዘተሓሳሰቦ ጸሊም በትሪ ዝሓዘ መንእሰይ፡ ነቲ ዝተቘርጸ መስርዕ “ኣርክብ!” እናበለ ኣተዓራረዮ። ንዓይ’ውን ብቕጽበት ከርክብ ሓበረኒ። ነቲ ካብ ከንፈረይ ዝነዝዕ ዝነበረ ደም በቲ ነዊሕ  እጅገ ናይቲ ኮምፕላስዮነ ደረዝኩዎ፣ “ንምንታይ ንዓይ ጥራሕ የሸግረኒ ኣሎ፧” ኢለ ድማ ኣጕረምረምኩ። ኣብ ርእሲ ዘላታ ተወሰኸታ፡ ብታሕቲ ዝነበረ ጅንስ ስረይ ድማ ኣብ ነብሰይ ጠቢቑ ሓዊ ዘርኣለይ። ከምቲ ዝቐደመ ግን ኣይወደቕኩን፣ ካብ መስርዕ’ውን ኣይወጻእኩ። ናብቲ እንእከበሉ ቦታ ከኣ በጻሕና።
ኣብ እግሪ ሓንቲ ኵርባ ኮፍ ኢልና ኣብ ቅድሜና ሰለስተ ዘፍጣጣት ሰብኡት ብሃሳስ ርኣኹዎም። ሓደ ካብ’ቶም ሰብኡት  ይዛረብ ነበረ። ኣነ ግን ብዝሒ ናይቶም ዝተኣከብና ሰባት ገሪሙኒ ብእኡ ክሓስብ ይሰምዖ ኣይነበርኩን። ጸኒሐ ግን ክሰምዖ ጀመርኩ።

“ሳዋ ናይ በሽቀጥቀጥ ቦታ ኣይኰነትን። ኣድላዪ እንተዀይኑ ኵሉ ስንቅኹም ከተረክብዎ ኢኹም። ስለዚ ንሎሚ ኣብዚ ክንውድእ ኢና፡” በለና። ኣዝዩ ገረመኒ’ሞ፡ “ነዚ ንኽብሉና እዮም ኣኪቦም ናብዚ ኣምጺኦሙና፣ ኣብቲ ዝነበርናዮ መጺኡ ዘይነግረና፡” በልኩ። ብውሽጠይ ዝዛረብ ዘለኹ እናመሰለኒ ኣብ ቅድመይ ዝነበረት ጓል ሰሚዓትኒ ካርካር ኢላ ሰሓቐት። ገጻ ኣዝዊራ፡ “ዘለኽዮ ቦታ ሳዋ ምዃኑ ኣይፈለጥክን ዲኺ እዛ ሓፍተይ፧” በለትኒ መልሰይ ክትሰምዕ ከይተገደሰት።

ኣብ ሞንጎ፡ “ሓንሳብ! ሓንሳብ!” ኢሉ ነቲ ዝስማዕ ዝነበረ ሕሽዅሽዅታታት ጸጥ ኣበሎ’ሞ ዘረባኡ ቀጸለ፡ “ካልእ ኣብዚ ሃይማኖት የለ ፈጣሪ የለ። ዘለኩም መጽሓፍ ቅዱስ ይዅን ቍርኣን ከተረክብዎ ኢኹም። ኣብዚ ካልእ ኣምላኽ እዩ ዘሎ። ንሱ ድማ ህዝባዊ ግንባር ይበሃል፡” ኢሉ ጋግ ድምጺ ፈጠረ። “መን ፈጢሩኩም እንተ ተባሂልኩም፡ መልስኹም ህዝባዊ ግንባር እዩ፡” ዳግማይ ንኻልኢታት ጸጥ ድሕሪ ምባል፡ “መን ፈጢርኩም፧” ሓተተ።

“ህዝባዊ ግንባር፡” ዝብል ናይ ሓባር መልሲ ተጋውሐ። ኣሻብኦም ቆብ ኣቢሎም መሊሶምሉ፡ ኣሻብኦም ሓድሽ ፈጣሪኦም ተቐቢሎም ገረመኒ። እታ መዓልቲ እቲኣ ከኣ ጅማሮ ናይዚ ኵሉ ዝተበከለ ግርህነት፡ ዝባኸነ ንእስነት፡ ዝተሰርቀ ሕልሚ፡ ብዓቢኡ ከኣ ጅማሮ ሎሚ ነበረት።

Print Friendly, PDF & Email