ቅጽበታዊ ዝኽሪ፤ መርድእ ዕረፍቲ ጋዜጠኛ ሚልኪያስ ምሕረትኣብ ዘፈልፈሎ

No comments
ኣኸደር ኣሕመዲን*

መጋቢት 26 2021

ቅድሚ ገለ ዓመታት ኣብ ኣስመራ መበገሲኡ ዘይፍለጥ ‘ሚልኪያስ ሞይቱ’ ዝብል ወረ ይነፍስ ስለዝነበረ፡ እቲ ስንባደን ጓህን ሽዑ ተመቒሉለይ ይኸውን እዩ።  እዚ ናይ ሕጂ ዜና ዕረፍቲ ግን ርግጽ መዋእል-ዕረፍቲ ናይታ ዘየስተርሓየት ነብሱ ብምዃኑ ክመርር።

ሚልኪያስ፡ ሓደ ካብቶም ንመሰል ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት [ኣብ ኤርትራ] ደው ዝበሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናጽነቱ ብግብሪ ከረጋገጽ ዝተቓለሰ፡ ካብ መስረትቲን ዋና ኣሰናዳኢን ጋዜጣ ቀስተደበና ነበረ’ዩ። ኣብቲ ከም ጋዜጠኛ ዝፈልጦ ሸነኽ ህይወቱ፡ ሚልኪያስ ተዋዛዪ፡ ብቕልጣፈ ሓሳቡ ምግላጽ ዘይጽገም፡ ተረካብ ዘረባ ዘዘውትር፡ ደፋር፡ ኣብ ዝኣመነሉ ጽኑዕ ዓይነት ሰብ’ዩ ነይሩ። እቶም ኣብ ጋዜጣ ቀስተደበና ተጻሒፎም ዘለዉ ዓንቀጻት ምርኡያት ነጸብራቕን ምስክርን መንነቱን ኣተሓሳስባኡን ከኣ እዮም።

ሞት ሚልኪያስ እንክስማዕ ዝዝከርኩዎ፡ እቲ ውረድ ደይብን ዝተፈላለየ ፈተነታትን ዝነበሮ፡ ኣብ እግሪ ተኽሉ ዝተቘጽየ፡ ኣብ መስርሕ፡ ከም ሓደ ‘ህዝባዊ መድርኽ’ ክሰፍሕን ክውርጽጽን ዕድል ዝነበሮ እዋን ብሕታውያን ጋዜጣታት ብምስትምሳል ንምዝካሩ ዘይኰነስ፡ ምስ ሚልኪያስ [ምስ ማቴዎስ’ውን ክሳብ ዝተወሰነ ግዜ] ብሓባር ዝሓለፍናዮ ኣገዳሲ ክፋል ህይወትናን [ብገለ ሸነኹ’ውን ኣካል ታሪኽ ጋዜጣታት] ንምዝካር እየ።

ምስ ሚልኪያስ ንመወዳእታ ዝተራኸብና ኣብ ወርሒ መጋቢት 2001 ኰይኑ፡ ንሱ [በቲ ናይ ሽዑ ኣጸዋውዓ] ካብ ግንባር ዓሊተና-መረብ፡ ኣነ ካብ ግንባር መረብ-ሰቲት መጺእና ዝተራኸብናላ መዓልቲ እያ። በብወገንና ደሃይ ስኢንና፡ ‘ኣበይ ኣትዩ ይኸውን፡ ኣበይ ኣትዩ ይህሉ. . .?’ ዝብል ሻቕላ ስለዝነበረና ብወዝቢ ምርኻብና ብፍላይ ንሱ ክጾሮ ኣይከኣለን ።

ኣብ በለዛ ምስ ተፈላለና፡ ድሕሪ ኣዋርሕ፡ ኣብ ኣስመራ ጐደና ዓወት፡ ኣነ ብወገን እንዳ ኣልፋ ንሱ ብወገን እንዳኻንዘን ክመጽእ ብማዕዶ ምስ ረኣየኒ፡ ብዓውታ ሽመይ ጸዊዑ ኣነ ናብኡ ክሳብ ዝበጽሕ፡ ነታ ኣብ ኢዱ ዝነበረት ጋዜጣ ንእለት ዘርጊሑ፡ ናይ ወረቓቕቲ ሳንጥኡ ደርብዩ ልክዕ ከም ዝሰግድ ዘሎ ሰብ፡ ተደቢሩ መሬት ስዒሙ- ንላዕሊ ኣንቃዕሪሩ ፈጣሪኡ ብምምስጋን ኣቐዲሙ ሓጐሱ ገለጸ።

ሚልኪያስ ቅኑዕ እዩ ኢሉ ንዝኣመነሉ ዝሓቶ ዋጋ ብዘየገድስ ካብ ምፍጻሙ ሰገጥ ስለዘይብል፡ ብዛዕባ’ቲ ‘እንታይ ኰይኖም እዮም?’ ኢሉ ኣብቲ ጐደና ብምግራም ዕጕግ ዝበለና ህዝቢ ኣየሰከፎን – ክሳዕ ክንድኡ ናፍቘቱ፡ ሻቕላኡን ፍቕሩን ገለጸለይ። ዝተፈላለናሉ ኵነታት ሕማቕ ስለዝነበረ፡ ትርጕም ምርኻብና ዕዙዝ ነበረ።

ኣብ ኣጋ መወዳእታ ወርሒ ሰነ 2000፡ ኣብ ግዜያት እቲ ደማዊ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጲያን [ሳልሳይ ወራር]፡ክሳብ ግንባራት ኲናት ብምኻድ፡ ዓቕሚ ክሳብ ዝፈቐደ ጋዜጣዊ ሓላፍነት ንዋጻእ ኣብ ዝነበርናሉ ጽንኵር እዋን፡ ሃንደበት ብመገዲ’ቲ ኣብ ኣስመራ ሓዝሓዝ ዓስኪሩ [ብኰሎኔል እዝራ ወልደገብርኤል ዝእዘዝ ብወዲ ዑስማን ዝካየድ] ዝነበረ ኣሃዱ ግፋ ነናብ ቤት ጽሕፈትና ተደወለ። ካብ ቀስተ-ደበና ሚልኪያስ ምሕረትኣብ፡ ካብ መቓልሕ ማቴዎስ ሃብተኣብ፡ ካብ ጽጌናይ ድማ ኣነ፣ ዕለትን ሰዓትን ዝፈለየ መጸዋዕታ መጸ። ‘እዘን ጋዜጣታትና፡ ዓቢ ተቐባልነት ይረኽባ ስለዘለዋ፡ ኣብዚ ኲናት ድማ ሞራል ህዝብን ሰራዊትን የሐይላ፡ ልዕሊ’ቲ ናይ መንግስቲ ሜድያ’ውን ይሰርሓ ስለዘለዋ፡ መንግስቲ ብወግዒ ክድግፈን ደልዩ ኣሎ ማለት እዩ!’ ቅድሚ እቲ ዕለት ኣብ ዝነበረ ርክብና ግምት ሚልኪያስ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ነዊሕ ናይ እንካን ሃባን ክትዕ፡ ‘ብውሑዱ ብመገዲ ምክልኻል ብብዝሒ ጋዜጣታት ዓዲጐም ናብ ሰራዊት ከም ዝበጽሕ ክገብሩ ደልዮም እዮም ዝዀኑ፡ ከምኡ ክኸውን ኣለዎ እምበር. . . እዘን ጋዜጣታት ይሕገዛ መንግስቲ ከኣ ይሕገዝ. . .’ እዝከረኒ ዋዛ ሓዊሱ ነቲ ሓሳብ ከም ዳርጋ ርግጽ ወሰዶ።

‘ዝዀነ ይዅን ኣብቲ ኣኼባ ክዳውንትናን ሓሳብናን ኣጽፊፍና ክንቀርብ ኣለና’ ብምባል ተላበወና። ከም ዝበሎ ድማ፡ ባድላ ተኸዲኑ ኣብ ሰዓቱ ቀረበ፣ ማቲዎስ [ማቹ] ውን እታ ወትሩ ዘዘውትራ ዝነበረ ኳድራቲ ባድላን መኻድንታ ጸላም ስረን ለቢሱ ቀረበ። ወዲ ዑስማን ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኣእትዩ ከዛርበና እንከሎ ግን እቲ ዝነበረ ግምት ፈጺሙ ኣይተላዕለን። ናይ ጋዜጣታት ዘይኰነ ግን በብውልቂ ኵነታትና ከረጋግጽ ጥራይ ደለየ። ይዝከረኒ፡ ሚልኪያስ በቲ ልዑል ናይ ምዝራብን ምእማንን ክእለቱ፡ ነቲ ቅድሚኡ ብላዕለዎት ሰበስልጣን ከይተረፈ ‘ሓንቲ ጋዜጣ ክንዲ ሓንቲ ክፍለሰራዊት እያ ትምክት ዘላ’ እናተባህለ ዝግለጽ ዝነበረ ኣበርክቶ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ፈታኒ እዋናት እናጠቐሰ፡ ንኣካያድቲ እዘን ጋዜጣታት በብውልቂ ኣበይ ኣለኻ እንታይ ትገብር ኣለኻ ዘይኰነስ፡ ከም ትካላትን ኣበርክቶአንን ክርአ ከም ዘለዎን፡ መንግስቲ’ውን ክሕግዘን ግቡእ ምዃኑን ከምኡ ከም ዝጽበያን ተኸራኸረ። ወዲ ዑስማን ዝደለዮ ግን ንሱ ስለዘይነበረ፡ ‘ደሓን ሰሚዐኩም ኣለኹ፡’ ብምባል ምስ ኣሕሉቝ ክዘራረብ ምዃኑ ገሊጹ ኣፋነወና፡፡

ኣጋውል ናይቲ መጸዋዕታ ንጹር ይኸውን እኳ እንተነበረ፡ ‘መን ንምንታይ ዕላማን ምኽንያት እዩ ንጋዜጣታትን ጋዜጠኛታትን ዝሓተለን ዘሎ? እንተ ተዳኸማ፡ እንተ ተዓጽዋ’ኸ? ብሓቂ ኣብዚ ኵነተ-ኲናት ማዕረ ቀንዲ ሜድያ ኰይነን ይዓያ እንዶ ኣየለዋን? ኣብ ኲናት እናሃለኻ ኣጽዋራትካ ዶ ብገዛእ ፍቓድካ ተዕኑ ኢኻ? ስለዚ ስለምንታይ እዩ እዞም ጋዜጠኛታት ዓይኒ ወዲቝዎም . . . ዝብል ካብ ሓዝሓዝ ክሳብ ማእከለ ከተማ ንበጽሕ ካብ ክትዓትና ነበረ።

ሚልኪያስ ግን ብፍሉይ ዘይርስዖ ትስፉው ነበረ። ኣሃዱ በዓል ወዲ ዑስማን ዝሓሰቡ ይሕሰቡ እቲ ክኸውን ዝግባእን ክሓስብዎ ዘለዎምን ነጊርናዮም ኣለና፡ ውጽኢቱ ድማ እወታዊ ክኸውን እዩ ክትርእዩ ኢኹም ብዝዓይነቱ ጸንዐ። ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ፡ ካብ ሓዝሓዝ ነናብ ቤት ጽሕፈትና እንደገና ተደወለ። ብኡ መሰረት ከኣ በብመገድና ናብ ሓዝሓዝ ኣምራሕና፣ ምናልባት ግምትን ምጕትን ሚልኪያስ ቅኑዕ ክኸውን ስለዝኽእል ኣነ ጸጕረይ ኣስተኻኺለ ደንጕየ ስለዝነበርኩ ድማ ብኵንትራት ታክሲ ሓዝሓዝ – ኣብቲ ኣብ ከባቢ ቤት ጽሕፈት ተሃድሶ ቈይሙ ዝነበረ ግዚያዊ ኣሃዱ በጻሕኩ። ወዲ ዑስማን ኣብ ቤት ጽሕፈቱ፡ ብምድንጓየይ እናጕባዕብዐ ከዘራርበኒ እንከሎ፡ ድሮ ሚልኪያስን ማቹን ኣብቲ ቦታ ኣይጸንሑንን የመነ ጸጋም ቅሊሕ ኢለ ግር በለኒ – ሓተትኩዎ ድማ። ተዓሺጋ ተዳልያ ኣብ ጣውላኡ ዝነበረት ፖስታ እናሃበ፡ ‘ደሓን ብጾትካ ሓሊፎም ኣለው ከተርክቦም ኢኻ፡ መኪና ተዳልያ ትጽበየካ ኣላ’ ኢሉ ኣፋነወኒ። መራሕ መኪና ብዝተሓበሮ መሰረት ብናህሪ እናተሓንበበ መስመር ኣስመራ ከረን ምስ ሓዘ፡ ንቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ ይወስደኒ ምንባሩ ተረድኣኒ።

ካንሸሎ ዓዲ ኣቤቶ ተራሕዩ ክኣቱ እንከለኹ፡ ሚልኪያስን ማቹን ገና ምስ ባድላታቶም ኣብ ኣፍደገ’ቲ መእሰሪ ሃንገር ኮፍ ኢሎም ኣማዕደኹዎም። ሚልኪያስ ካብቲ ኮፍ ኢሉዎ ዝነበረ ተሲኡ ከም ወትሩ ብዓውታ እናተላገጸን እናሰሓቐን ‘እንቋዕ ደሓን መጻእካ!’ እናበለ ኢድ ነስኣለይ። ተጸንበርኩዎም እሞ፡ እቲ ዝኸውን ዝነበረ ኣዕለልናሉ፣ ካብ ሚልኪያስ ግን ብፍላይ ሰሓቕን ላግጽን ስለዘይርሕቕ፡ ንግምታትናን ኣከዳድናና መበገሲ ገይሩ ከስሕቐና ቀነየ።

ጋዜጠኛታት እዮም ተባሂልና፡ እቶም ኣብኡ ዝጸንሑ እሱራትን ኣባላትን ጽቡቕ ክንክን ገበሩልና። ቀስ ብቐስ ክዳውንትና ክረስሕ ስለዝጀመረ፡ ባድላታት ወጺኡ፡ ሓንሳእ መተርኣስ ሓንሳእ ክዳን እናዀነ ከርተተ። መዓልቲ ምስ ነውሐ፣ በብመዓልቱ ኣማኢት መንእሰያት ተተገፊፎም እናመጽኡን እናኸዱን ግን ብዛዕባና ዝሓትት ወይ ዝዛረብ ተቐብጸ። ነቲ ሽዑ ሓላፊ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረ ከነዘራርቦ ወሰንና እሞ፡ ምስ ኣባላቱ ቡን እናሰተዩ ከዕልሉ እንከለው ሓደ መዓልቲ ኣቲና ኣዘራረብናዮ። ብዛዕባና ዝጽበዮ ሓበሬታን ትእዛዝን ከም ዘሎ ጥራይ ነጊሩ ኣፋነወና።

ድሕሪ ገለ መዓልታት፡ ማቹ ‘ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣይወዳእካን’ ተባሂሉ ንሳዋ ክወርድ ተገብረ። ካብ ገዛኡ ክዳውንቲ ክመጽኦን ክቕይርን ስለዝኸኣለ፡ እታ ንዕለተ መመረቕታኡ [ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ] ዝገዝኣ ባድላኡ ቅያር ክረኽበላ ዕድል ረኸበ። ምስ ማቹ ድማ ንመወዳእታ ግዜ ሽዑ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ተፈላለና። ምስ ኣባላት 14 ዙርያ ተዓሊሙ ድማ ኣብ ሕርሻ ኣፍ-ሂምቦል ተመዲቡ እናሰርሐ፡ በቲ ኻልእ ድማ ጋዜጣ መቓልሕ እናካየደ ክሳብ’ታ መወዳእታ ጋዜጣታት ዝተዓጽዋላን ጋዜጠኛታት ዝተኣሰሩናል ዕለት ጸንሐ። ንማቹ ኣፋኒና፡ ኣነን ሚልኪያስን ተረፍና። ንሓጺር ግዜ ከኣ መዋሊ ጋዜጣ ዊንታና – ዋና ቤት ሙዚቃ ፓቸ ምስና ነበረ። ነዊሕ ከይጸናሕና ከኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ትራክ-ቢ ተሰጋገርና። ኣብኡ’ውን ብተመሳሳሊ፡ እቲ ሽዑ ሓላፊ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረ ጆን ዝበሃል ሓንቲ ኢዱ ስንኵል ተጋዳላይ ብዅነታትና ኣዝዩ ተገረመን ምርዳእ ኣበዮን። ጋዜጣታት ተነበብቲ ዝዀናሉ እዋን ከኣ ስለዝነበረ፡ ጋዜጣታት ዕብየተን ክዅለፍ ዝደሊ ኣይነበረን። ናብ ዝተፈላለየ ዝምልከተን ዝበሃላ መንግስታውያን ትካላት ብምድዋል መብርሂ ሓቲቱ ዘዕግብ ምላሽ ሰኣነ።

ኣብቲ ከምኡ ዝበለ ዘይንጹር ኵነታት፡ ምስ ሚልኪያስ ምንባር እዝዩ ጥዑም ምንባሩ እዝክር። ክወዛ፡ ምስ ዝዀነ – ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብቲ ኣንደርግራውንድ ናይ ትራክ-ቢ ዝጸንሑና እሱራት ከዕልልን ክላገጽን ክእለት ስለዝነበሮ፡ እቲ ናይ ሽዑ መሪር ሂወት ከይመረረ ሓሊፍናዮ። ኣብ መወዳእታ ጆን፡ ጋዜጣታት ከነካይድ፡ ብውሑዱ ንዅነታት ጋዜጠኛታት ብቐረባ ዝምልከቶ ሚኒስትሪ ዜና ሓላፍነት ክወስድ ስለዘይደለየ፡ ናጻ ክለቀና ከም ዘይክእል እንተዀነ፡ ንበለዛ – ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ክሰደና ጥራይ ከም ዝኽእል ኣረዲኡ መሰነይታ ደብዳበ ሂቡ ኣፋነወና።

ኣብ በለዛ፡ ሽዑ ኣብ ጨንፈር ሃገራዊ ኣገልግሎት ሓለፍቲ ምስ ዝነበሩ፡ ብፍላይ ከኣ ምስ ሌ/ኮ ነጋሲ ዓንዱ [ወዲ ዓንዱ] ኣብ ዝገበርናዮ ርክብ – ኣብ ኵሉ እኳ ሚልኪያስ እዩ ዝዛረብ – ኣቐዲሙ መንነትና ብምግላጽ ሰምዒት ዝተሓወሶ ተንካፊ ዘረባ ተዛረበ። ካብ ዝዝክሮ፡ ‘ንሕና እንታይ ዝገበርና ሰባት ኢና ክንድዚ ንከላበት፣ ሓንቲ ሃገር እኮ ብኣጽዋራታ ጥራይ ኣይኰነትን ኲናት ትገጥም፡ ጋዜጣታት ማዕረ ታንክን መድፍዕን ኣይተሰለፋን ድየን? ጋዜጣታት ኣብ ጎኒ መንግስቲ ደው ኣይበላን ድየን? ሕጂ እንታይ ስለዝተረኽበ እዩ ጋዜጣታት ዝዕጸዋ ዘለዋ? ከም ኵሉ ኣገዳሲ ትካላት ናይዚ ሃገር ዝበሃል ከይዳኸማን ከይዕጸዋን ዘይሕለየለን፣ ጋዜጣታት ምዕጻው ከኣ ክሳርኡ ንስኻ ከም ሓደ ምሁር መጠን ኣይጠፍኣካን እዩ. . . ኣነ ንዓኻ ከረድኣካ ኣይክእልን እየ. . . በሎ። [እታ ‘ንስኻ ከም ሓደ ምሁር መጠን’ እናበለ ዝተዓባበዮ እታ ዘይርስዓ ዘረባኡ እያ። ምስ ወጻእና ከብርሃለይ እንከሎ፡ እናተላገጸ ‘ምሁር ኢኻ፡ ለባም ኢኻ እንተዘይኢልካዮ ደኣ ከመይ ኢሉ ክሰምዓካ ትጽበ. . . – ኣምሓርኛ እናሓወሰ እዩ ዝሕጭጭ – ‘ስማዕ! እቲ ምሁር ኢኻ ምስ በልካዮ ምሁር ክመስል ኢሉ ዝወስዶ ውሳነ እኮ እዩ ዘድልየና እምበር ኣበይ እፈልጦ ኣነ. . .!’ እናበለ ክዋዘ ኣይርስዖን።

ብዝዀነ ኣብ መኮነን ሓበሬታን ጐስጓስን ሚኒስትሪ ምክልኻል ከም ዝተመደብና፡ [ብሞያና ነቲ ኣሃዱ ከነገልግል ኣብ ዝተረፈ ግዜ ድማ ጋዜጣታት ከይቍጸያ ምእንቲ ከነካይደን ዘኽእል ምደባ ይመስል] ታሴራ መንቀሳቐሲ ክወሃበና ከኣ ከክልተ ስእሊ ሒዝና ናይ ክልተ መዓልቲ ዕረፍቲ ወሲድና ክንምለስ ተነግረና – ንግዚኡ ኣተንፈስና። ኣብቲ ዝተባህለ ግዜ ስእሊ ሒዝና ናብቲ ዝተመደብናዮ ኣሃዱ [ኣብኡ ኣብ በለዛ እዩ] ምስ ቀረብና፡ እቲ ኣመዳድባ ጌጋ ምዃኑ፣ ናብ ግንባራት ክንከይድ ከም ዝተወሰነ ሃንደበት ተነግረና። ክሳብ ነናብቲ ዝተመደብናዮ ግንባራት እንኸይድ ድማ፡ ኣብቲ ኣብ ኣፍደገ እቲ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ምክልኻል ዝነበረ ጸቢብ ጕድጓድ ክንእሰር ተገብረ፡፡

እቲ ብድሕሪኡ ዘጋጠመ ውረድ ደይብ፡ ሕጂ ክዝርዝሮ ኣድላዪ ኣይመስለንን። ግን፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዘቐመጥኩዎ፡ ኣነ ንግንባር መረብ-ሰቲት ክ/ሰ 37 ከድኩ። ሚልኪያስ ድማ ናብ ግንባር ዓሊተና-መረብ ክ/ሰ [21 ወይ 22] ከደ። ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ምፍልላይን ደሃይ ሕድሕድ ምጥፍፋእን ድማ ኢና ኣብ ጐደና ዓወት ኣስመራ ብወዝቢ ዝተራከብና። ሽዑ፡ ኣብቲ ዝተመደቦ ኮፍ ከም ዘይበለን ንሓለፍቱ ኣእሚኑ ጋዜጣኡ ከካይድ ከምዝተመልሰን ዝወሰነን ኣዕለለኒ። ኣነ ግን ራብዓይ ዓመት ተመሃራይ ኢንጂነሪንግ ስለዝነበርኩ፡ ‘ዊዝድሮዋል’ ብምሕታት እንደገና ኣመልኪተ ድሕሪ ሓደ ዓመት ካብ ሰራዊት ክምለስ ዘኽእለኒ ዕድል ስለዝነበረ ንዕኡ ንዘይምብኻን ኣብኡ ክጸንሕ ወሰንኩ።

ብድሕሪ’ዚ ምስ ሚልኪያስ ብኣካል ኣይተራኸብናን። እዚን ደሓር ዝሰዓበ ውህሉል ተመኵሮኡን ተጠቒሙ፡ ምፍርራህ ከም ዝወረዶ፡ ቀልጢፉ ተስፋ ከም ዝቘረጸን መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ጋዜጣታት ስጕምቲ ክወስድ ከም ዝኽእል ከም ዝገመተ፡ ኣብ መወዳእታ ክሳብ ጐልጅ ብምጻሕ ሓንሳእ ዜና ሰሪሑ መገዱ ከም ዝጸረገን፡ ኣብ ካልኣይ እግሩ ምስ መሳርሕቱ ሰመረ ታእዛዝ ንሱዳን ከም ዘምለጠን ድሕሪ ዓመታት ንኣወጻጽኣኡ ኣመልኪቱ ብኢመይል ኣዕለለኒ። ነቲ ብዙሕ ውረድ ደይብ ዝነበሮ፡ ኣብ ሃገርና ተስፋ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ነይሩ ዝተዀልፈ ሓጺር ተመኵሮ ብሕታውያን ጋዜጣታትና ክንድህስሶ ምቹእ ግዜን መስመር ርክብን ኣይፈጠርናን። ኣብ ዓለም ዘቕንእ ነገር እንተሃልዩ ግን ወትሩ ዝዝከር ሓድጊ ክትገድፍ ምኽኣል እዩ’ሞ፡ ሚልኪያስ ብዝተፈላለየ ቅዲ ዝተጻሕፉ ጽሑፋቱ ተዘከርቲ ሓድግታቱን፡ እቲ ዝኽሪ ድማ መኻይድቲ ‘ቲ ንዘልኣለም ዝኸዶ ካልእ ዓለሙ እዩ።

________

*ኣኸደር ኣሕመዲን፡ ምክትል ኣሰናዳኢ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ጽጌናይ (1998-2001) ከም ኣባል ድሒሩ ድማ ኣቦመንበር ኮሚተ ደረጃታት ፊልም ኤርትራ (2008-2019) ኣባል ቦርድ ኣሕተምቲ ሕድሪ (2009-2019) ኰይኑ ሰሪሑ። ኣኸደር እኩብ ሓጸርቲ ዛንታታትተረፍ” (2014) ከምኡውንልኡኽ መንግስቲ” (2016) እትብል ትርጕም ድራማ ኒኮላይ ጎጎል ብመጽሓፍ የሕቲሙ ኣሎ። ኣብዚ እዋን ኣብ ሃገረ ፖላንድ “Culture, Media & Society” ናይ ማስተርስ ትምህርቲ ዘጽንዕ ዘሎ ጸሓፊ፡ ሃያስን ጋዜጠኛን akialwa@gmail.com ብዝብል ኢመይል ምርካቡ ይከኣል።

Print Friendly, PDF & Email